ስራሕ ንምርካብ ዘሎ ዕድል ኣዛይድ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 26 1 2023

ሓደ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድላት ንምምሕያሹ ብዙሃት ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣሎዉ።

ንስኻ ድሮ ካብ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘሎዉ ዓውድታት ሞያ ዝኸውን ትምህርቲ ዘሎካ፡ ኣብዚ እንታይ ከም ትገብር ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዋሕዲ ሞያተኛታት- ኣብዚ ሰራሕተኛታት የድልዩ እዮም

ሓደ ዋሕዲ ሞያተኛ፡ ሓደ ሕጽረት ሞያተኛ ዘሎዎ ስራሕ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ክልቲኡ ትምህርቲ ናይ ዩኒቨርሲትይን ታሕተዋይ ትምህርትን ዘለዎም ዝጠልቡ ብዙሓት ሕጽረት ሞያተኛታት ዘለዎም ስራሓት ኣሎዉ።

ሓደ ሓደ ዋሕዲ ሞያተኛ ዘለዎም ስራሓት፡

  • ነርሳት
  • መምህር ህጻናት
  • ሲቪል-መሃንድስ
  • መምህር
  • ሓኪም(ዶክተር)
  • ከሸንቲ
  • ኤለክትሪከኛ
  • ኢድራውሊኮ
  • ተሓጋጋዚ ነርስ

ልምምድ

ልምምድ ምግባር ኣብ ሽወደን ሓደ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ተኽእሎ ንምዝያዳ ሓደ ጽቡቕ መገዲ ክከውን ይኽእል እዩ።

ነዚ ዝስዕብ እንተ ደሊኻ ልምምድ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

  • ናይ ሓደ ፍሉይ ስራሕ ተመኩሮ ክትረክብ።
  • ሓደ ፍሉይ ስራሕ እንታይ ማለት ምኳኑ ክትምሃር።
  • ብሓደ ፍሉይ ስራሕ ዝነፋዕካ ክትከውን።
  • ሓደ ስራሕ ንኽትደሊ ካብ ሓደ ወሃብ ስራሕ ውከሳ ክትረክብ።

ልምምድ ኣብ ትገብረሉ እዋን ካብ ሓደ ዓላማይ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ድሕሪ እቲ ልምምድ ካብቲ ወሃብ ስራሕ ወረቐት ምስክር ክወሃበካ እዩ።

ባዕልኻ ምስ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ስራሕ ምስኦም ልምምድ ክትገብር ትኽእል እንተ ኾንካ ንምሕታት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ እውን ሓደ ናይ ልልምድ ቦታ ንምርካብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ቅልጡፍ መስመር (Snabbspår)

ንስኻ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካን ስራሕ ትደሊ ዘሎኻን፡ ኣብቲ ቅልጡፍ መስመር ዝበሃል ክትከይድ ክፍቀደካ ይኽእል እዩ። ቅልጡፍ መስመር ሓደ መደብ ትምህርቲ ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ እዩ።

ኣብዚ መደብ ትምህርቲ ክትከይድ ክፍቀደካ ዝኽእል፡ ተመኩሮ ስራሕ ናይ ሓደ ኣብ ሽወደን ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ ዘለዎ ስራሕ እንተ'ለካ ኾይኑ እዩ። ከምዚ ዓይነት ስራሕ ዋሕዲ ሞያተኛ ይብሃል።

እዚ ዝስዕብ ክፋል ናይቲ ቅልጡፍ መስመር እዩ።

  • ንሞያኻ ዝኸውን ትምህርቲ ሽወደንኛ።
  • ልምምድ።
  • ነቲ ሞያ ክሳብ ክንደይ ከም ትመልኮ ግምገማ። እዚ ናይ ፍልጠትካ ምርግጋጽ ብቕዓት ይብሃል።
  • ምናልባት ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ናይቲ ሞያ። እዚ መመላእታ ትምህርቲ ወይ ትምህርቲ ዕዳጋ ስራሕ ይብሃል።

ንብዙሓት ዝተፈላለዩ ሞያታት ስሉጥ መስመር ኣሎ።

ኣከባብያዊ መስመር ስራሕ - ንዓኻ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ።

ቤት ጽሕፈት መራኽብቲ ስራሕን ኮሙናትን ብሓባር ሓደ ኣካባብያዊ መስመር ስራሕ ዝበሃል ኣሎዎም። ሓደ ኣካባብያዊ መስመር ስራሕ ሓደ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣቢልካ ክትከዶ ትኽእል መደብ እዩ። ምስ ሓደ ዓቕሚ ሰብ ዚደሊ ጥቓ እቲ ትነብረሉ ዝርከብ ወሃብ ስራሕ ትጋጠም።

ኣካባብያዊ መስመር ስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል።

  • ትምህርቲ ሽወደንኛ።
  • ትምህርቲ ናይቲ ሞያ።
  • ልምምድ

ብዛዕባ ናይ ኣካባቢ ናይ ስራሕ መስመር (lokala jobbspår) ትግደስ እንተ ዄንካ ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ርክብ ግበር።

ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ፖድካስት ነቲ "ኣብ ሽወደን ሓድሽ ንዝኾንካ" (Ny i Sverige) ዝብል ስምዓዮ

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ "ኣብ ሽወደን ሓድሽ ንዝኾንካ" (Ny i Sverige) ዝብሃል ሓደ ፖድካስት ብብዙሕ ቋንቋታት ጀሚሮም ኣለዉ። ንሓደ ፖድካስት ምስማዕ ዳርጋ ከም ናይ ራድዮ መደብ ምስማዕ እዩ፣ ነዚ ግን ብኮምፕዩተር፡ ሱርፍፕላታ ወይ ዘመናዊት ተለፎን ኢኻ ትሰምዖ። ነቲ "ኣብ ሽወደን ሓድሽ ንዝኾንካ" (Ny i Sverige) ዝብሃል ፖድካስት ብምስማዕ ኣብ ሽወደን ስራሕን ትምህርትን ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፡ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ምልክታ ከመይ ጌርካ ከም ትጽሕፍን ንሓደ ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ብኸመይ ከም ትቀራረብን ምኽሪ ርኸብ።