ናይ ባዕልኻ ትካል ምብጋስ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 27 2 2024

ናትካ ትካል ምብጋስ ናይ ኣብ ሽወደን ስራሕ ምድላይ ጽቡቕ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሽወደን ሓደ ትካል ንምብጋስ እንታይ ይጠልብ?

ኣብ ሽወደን ትካል ንምብጋስ ሓደ ኣምር ዋኒንን ሓደ ውጥን ዋኒንን የድልየካ። ከምኡ'ውን ፍልጠት ብዛዕባ ምምሕዳርን ቍጠባን የድልየካ።

ግብሪ ትካል

ናትካ ትካል ከተበግስ ንኽፍቅደካ ናይ ግድን ናይ ትካል ግብሪ ፍቓድ ዘሎካ እውን ክትከውን ኣሎካ። ናይ ትካል ግብሪ ኵሉ ግዜ ብ ኤፍ-ስካት ይሓጽር።

ናይ ትካል ግብሪ ንኽፍቀደካ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ መርበብ ሓበሬታ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ሓገዝ ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ

ናትካ ትካል ከተበግስ እንተ ደሊኻ ንኣብነት ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ሓገዝን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ሓደ " ደገፍ ምብጋስ ንጥፈታት ዋኒን" ዝብሃል መደብ ኣሎዎም። ምስ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ እዚ ንዓኻ ክትሳተፎ እዋናዊ ክኸውን ዝኽእል እንተ ኾይኑ ተዘራረብ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ነቲ ናትካ ትካል ትዕወተሉ እንተ ዄንካ ንምግምጋም ናትካ ኣምር ዋኒንን ውጥን ዋኒንን ክርእይዎ ይደልዩ እዮም።

ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ እዚ ዝስዕብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፡

  • ልምምድ ናይቲ ሞያ ወይ ዓውዲ ስራሕ እቲ ክተበግሶ ሓሲብካ ዘሎኻ ትካል።
  • ትምህርቲ ብኣስተርጓሚ ብዛዕባ እቶም ንሰብ ትካል ዝምልከቱ ከም ግብሪ፡ ኣተሓሕዛ መዝገብን ፍቓድ ናይ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕን ዝኣመሰሉ ሕግታት።
  • ሓገዝ ካብ ሓደ ኣማኻሪን ብቋንቋኻ ናይ ውልቂ ምኽርን።
  • ምሕባር ናብ ዝተፈላለዩ ርክባትን መርበባትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሓት።
  • ትካልካ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ምክትታል ብቋንቋኻ።

ምኽሪ ብዛዕባ ናይ ባዕልኻ ትካል ምብጋስ

ቅድሚ ሓደ ትካል ምብጋስካ ካብ ሓደ ኣማኻሪ ሓገዝ ምርካብ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። መርበብ ሓበሬታ verksamt.se ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ ዝሕግዙኻ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣማኸርቲ ኣኪቡ ኣሎ።

በዓል መዚ ቀረጽ (Skatteverket) ናይ ውልቂ ትካል ንምምስራት ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሽወደን ብነጻ ዝውሃብ ናይ ሓበሬታ ሰሚናራት የካይድ። ብዓል መዚ ቀረጽ፡ ትካልኩም ብኸመይ ተመዝግቡ ከምኡ'ውን ኣብ ምጅማር ናይቲ መስርሕ ዝጠቕመኩም ሓበሬታታት ይልግሰልኩም።