ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ዝግበር ነገራት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 10 6 2025

መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ ኣብ ሽወደን ህይወትካ ንኽትጅምር ምስ ዝተፈላለዩ ብዓል መዝታት ክትራኸብ የድለየካ እዩ። ኣብዚ ገጽ ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ ዝገልጽ ዝርዝር ክትረክብ ኢኻ።

መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ ትገብሮም ሓሙሽተ ነገራት

  • ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ንኽወሃበካ ናብ ሽወደን ምግዓዝካ ኣመልክት
  • ወረቐት መንነት ንኽወሃበካ ናብ ብዓል መዚ ግብሪ ኣመልክት
  • ኣብ መደብ መትከል እግሪ ንኽትሳተፍ ናብ ኣርበትስፎርመድሊንግ ኣመልክት
  • ኣብ ናይ ሽወደን ባንክ ዓሚል ኮንካ ናይ ባንክ ካርድ ኣውጽእ
  • ኣብ ኢንተርነት መንነትካ ንምርግጋጽ ኤ-መንነት ኣውጽእ
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ማእከል ኣገልግሎት።

ምግዓዝካ ኣመልክትን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ተወሃብን

መንበሪ ፍቓድ ምስ ተቐበልካ እቲ ቀዳማይ ክትገብሮ ዘለካ፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ንምምዝጋብ ናብ ብዓል መዚ ግብሪ ምግዓዝካ ምሕባር እዩ። ሽዑ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ክወሃበካ እዩ።

En hand håller i en mobiltelefon. I bakgrunden syns en dator.

ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትካ (personnummer) ምስ ተወሃብካ

ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ ተመዝገብካን ናይ ሽወደን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትካ ምስ ተወሃብካን፡ ንናይ ሽወደን ወረቐት መንነት፡ ሕሳብ ባንክ፡ ኤለክትሮኒካዊ መንነትን ስዊሽን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ሓንቲ ሰበይቲ ህንጻ አብ ዝህነጸሉ ቦታ ትሰርሕ ኣላ።

ኣብ መደብ መትከል እግሪ ንምስታፍ ኣመልክት

መንበሪ ፍቓድ ምስ ተወሃብካ ኣብ ናይ ኣርበትስፎርመድሊንግ (ቤ/ጽ ዕዮ) መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ዕድል ኣለካ።

ሕቶታትን መልስታቱን

እወ፡ ናብ ሽወደን ምስ ገዓዝካ፡ ኣብዚ ሃገር ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ኣለካ። ኮነ ኢልካ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዘይምምዝጋብ ገበን እዩ።

መግለጺ ቃላትን ኣምራትን

መንበሪ ፍቓድ

መንበሪ ፍቓድ ምህላው ማለት፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ኣብ ሽወደን ንምቕማጥ ዘመልከትካዮ ተቐቢሎሞ ማለት እዩ።

ህዝባዊ መዝገብ

ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብ ማለት ከም ነባሪ ሽወደን ተመዝጊብካ ኣለኻ ማለት እዩ። ኵሎም ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገቡ ሰባት ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ይወሃቦም እዩ። ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እዩ ሓላፍነት ህዝባዊ መዝገብ ዘለዎ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ምዃን ምስ መንበሪ ፍቓድ ምህላው ሓደ ኣይኮነን።