ናብ ሽወደን ምግዓዝካ ኣመልኪትካ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ተወሃብ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 1 9 2025
ንስኻ ናብ ሽወደን ዝገዓዝካን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኵነት ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካ ክትከውን ኣለካ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብ ማለት፡ ኣብ ሽወደን ከም ትቕመጥ ተመዝጊብካ ኣለኻን ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ይወሃበካን ማለት እዩ። ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እዩ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ትኽእል እንተ ዄንካ ዝውስን።

ምግዓዝካ ኣመልኪትካ ናይ መንነት ቍጽጽር ንምግባር ቆጸራ ሓዝ
እንተ ወሓደ ኣብዚ ንሓደ ዓመት ክትነብር መደብ ምስ ዝህልወካ፡ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካ ክትከውን ኣለካ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ንኽትምዝገብ፡ ናብ ሽወደን ከም ዝገዓዝካ ናይ ግድን ከተመልክት ኣለካ። ነዚ ትገብሮ ነቲ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ”Flytta till Sverige” ዝብል ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ብምጥቃም እዩ። ነቲ ኣገልግሎት ንምጥቃም ዝኾነ ትኸፍሎ የለን።
እዚ ኣገልግሎት ብሽወደንኛ፡ እንግሊዝኛን ዩክራይኛን ኣሎ። ነዚ ኣገልግሎት ንምጥቃም ካብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት (servicekontor) ሓገዝ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ።
ኩሎም ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ኣባላት ስድራ ቤትካ ነናቶም መመልከቲ ከእትዉ ኣለዎም። እዚ ንቘልዑ እውን ይምልከቶም እዩ።
ድሕሪኡ ንስኻን ምሳኻ ዝተሰዱ ኣባላት ስድራ ቤትካን ናይ ግድን ናይ መንነት ቍጽጽር ንምግባር ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ቆጸራ ክትሕዙ ኣለኩም። ኣብ’ቲ እዋን ምብጻሕ፡ ሰነዳት መንነትኩምን ካርድ መንበሪ ፍቓድኩምን ከተርእዩ ኣለኩም።
ብዓል መዚ ግብሪ ብዛዕባ ናብ ሽወደን ምግዓዝ ምምልካት ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ፊልም ብሽወደንኛ፡ እንግሊዝኛን ተዳልዩ ኣሎ።
ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ ተመዝገብካ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ይወሃበካ
ብዓል መዚ ግብሪ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ መዝገበካ ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ክወሃበካ እዩ። ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትኻ ዝሓዘ ሓደ ደብዳቤ ናብቲ ከም ዝገዓዝካ ዝሓበርካዮ ኣድራሻኻ ክመጸካ እዩ።
እቲ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ንኽትገብር የድልየካ
- ወረቐት መንነት ክወሃበካ ንምምልካት
- ኤለክትሮኒካዊ መንነት፡ ንኣብነት ባንክ-ኢደ ንምውጻእ
- ኣብ ናይ ኣርበትስፎርመድሊንግ መደብ መትከል እግሪ ንምስታፍ
- ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ናይ መትከል እግሪ ክፍሊት ክኽፈለካ ንምምልካት
- ናይ ባንክ ሕሳብ ንምኽፋት።
ብዓል መዚ ግብሪ ብዛዕባ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ዝገልጽ ፊልም ኣድላዩ ኣሎ። እቲ ፊልም ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።
