ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ምስ ተወሃብካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 6 2025

ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ ተመዝገብካን ናይ ሽወደን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትካ ምስ ተወሃብካን፡ ንናይ ሽወደን ወረቐት መንነት፡ ሕሳብ ባንክ፡ ኤለክትሮኒካዊ መንነትን ስዊሽን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ከመይ ትገብር ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ንወረቐት መንነት ኣመልክት።

ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ምስ ተዋህበካ፡ ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ወረቐት መንነት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ዝወሃብ ወረቐት መንነት ኣብ ሽወደን ብቑዕ ሰነድ መንነት እዩ።

ኣብ ሓደ ካብቶም ወረቐት መንነት ዝህቡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ወረቐት መንነት ክወሃበካ ተመልክት። ቅድሚ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ምብጻሕካ ቆጸራ ክትሕዝን ክፍሊት ክትከፍልን ኣለካ።

ብዓል መዚ ግብሪ ሓደ ፊልም ብዛዕባ ወረቐት መንነት ኣድላዩ ኣሎ። እቲ ፊልም ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።

ናይ ባንክ ሕሳብ ንምኽፋት ኣመልክት

ወረቐት መንነት ምስ ተዋህበካ፡ ናይ ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ደሞዝ ንኽትቅበልን ፋክቱራታትካ ንኽትከፍልን ሓደ ናይ ባንክ ሕሳብ የድልየካ እዩ።

ኣብ ሓደ ናይ ሽወደን ባንክ ዓሚል ንኽትከውን መንነትካ ከተረጋግጽ ክትክእልን ንምታንይ እቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ከም ዘድልየካን ዝብሉ ሕቶታት ክትምልስ ከድልየካ እዩ። እቲ ባንክ ገንዘብካ ካበይ ከም ዝመጸን ነቲ ናይ ባንክ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉን ክፈልጥ የድልዮ እዩ።

ምስ ሓደ ባንክ ርክብ ብምግባር ናይ ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ከም እትደሊ ንገሮም። ምስቲ ባንክ ኣኼባ ክትሕዝ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ ዝትርጉመልካ ዝኽእል ሰብ ሒዝካ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ኤ-መንነት ኣውጽእ

ብዙሓት ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት ኤ-መንነት ክህልወካ ይሓቱ እዮም። ኤ-መንነት፡ ሓደ ኤለክትሮኒካዊ ሰነድ መንነት እዩ። ኤ-መንነት ንኣብነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይ ኣፕ ብዝተኣማምን ኣገባብ መንነትካ ንኸተረጋግጽ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ኤ-መንነት ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ፦

  • ናብ 1177.se ንኽትኣቱ
  • ናብ ባንክኻ ንኽትኣቱ
  • ንብዓል መዝታትን ትካላትን መንነትካ ከተረጋግጸሎም
  • ብመንገዲ ኢንተርኔት ሕሳብ ክትከፍል

ክትመጾም እትኽእል ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኤ-መንነት ኣለዉ፦

  • ካብ ባንክካ እትእዝዞ ባንክኢደ
  • ፍረያ ኢኢደ (Freja eID) ኣፕ ብምጽዓን ትእዝዞ ፍሪያ+ (Freja+)
  • ካብ ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) ንወረቐት መንነት ብምምልካት ትእዝዞ ኣበ ስቨንስካ ፓስ (AB Svenska Pass)

ሓደ ኤ-መንነት ኣብ ኢንተርነት ንብዙሓት ኣገልግሎታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፡ ንኹሉ ግን ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ዝመረጽካዮ ኢ-መንነት ኣብ ኩሉ ኣገልግሎታት ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ርግጸኛ ኣይኮነን።

ናይ ሽወደን ቍጽሪ ተሌፎን ኣውጽእ

ናይ ሽወደን ቁጽሪ ተሌፎን ንኽትወሃብ፡ ኣብ ሞባይልካ ናይ ሽወደን ሲም-ካርድ ክህልወካ ኣለዎ። በቲ ሲም-ካርድ ክትድውል፡ ኤሴምኤስ ክትሰድድን ክትቅበልን፡ ከምኡ’ውን ኢንተርነት ክትጥቀምን ትኽእል ኢኻ።

ሲም-ካርድ ብኽልተ መንገዲ ክትረክብ ትኽእል፦

  • ናይ ሽወደን ቁጽሪ ተሌፎን ንኽትወሃብ፡ ኣብ ሞባይልካ ናይ ሽወደን ሲም-ካርድ ክህልወካ ኣለዎ። በቲ ሲም-ካርድ ክትድውል፡ ኤሴምኤስ ክትሰድድን ክትቅበልን፡ ከምኡ’ውን ኢንተርነት ክትጥቀምን ትኽእል ኢኻ።
  • ውዕል ወርሓዊ ዓሚልነት ሞባይል ተሌፎን (mobilabonnemang) ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ምስ ሓደ ናይ ሞባይል ኦፐረይተር ውዕል ትፍርም ማለት እዩ። ኣብቲ ውዕል እቲ ዋጋ ንኽንደይ ዝኣክል ኢንተርኔት፡ ብዝሒ ጻውዒትን ኤስ.ኤም.ኤስን ከም ዝሽፍን ሰፊሩ ኣሎ። ድሕሪኡ ወርሓዊ ፋክቱራ ይመጸካ።

ቅድሚ ሞባይል ካርድ ምዕዳግካ ወይ ውዕል ወርሓዊ ዓሚልነት ሞባይል ተሌፎን ምእታውካ መንነትካ ከተረጋግጽ ክትክእል ከድልየካ እዩ። ወረቐት መንነት፡ ፓስፖርት ወይ ባንክ-ኢደ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ብሞባይል ገንዘብ ምስዳድን ምቕባልን

በቲ ናይ ስዊሽ ኣፕ ብሞባይልካ ገንዘብ ክትሰድድን ክትቅበልን ትኽእል ኢኻ። ናብ ውልቀሰባትን ትካላትን ገንዘብ ከተሰጋግርን ክትከፍልን ትኽእል ኢኻ።

ስዊሽ ንምጥቃም፡ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ባንክ-ኢደን ናይ ሽወደን ቍጽሪ ተሌፎንን የድልየካ። ስዊሽ ንምጥቃም ትኸፍሎ ክፍሊት የለን።

ስዊሽ ንኽህልወካ ከምዚ ዝስዕብ ትገብር፦

  1. ነቲ ስዊሽ ዝብሃል ኣፕ ናብ ሞባይልካ ጸዓኖ።
  2. ባንክ-ኢደ ኣፕ ጸዓን። ናይ ሞባይል ባንክ-ኢደ ክህልወካ ካብ ባንክኻ ኢኻ እተመልክት።
  3. ናብ ናይ ባንክኻ ኢንተርነት ባንክ ኣቲኻ ንቝጽሪ ተሌፎንካ ምስ ስዊሽ ተሓሕዞ።
  4. ንስዊሽ ኣፕ ከፊትካ ምስ ቍጽሪ ተሌፎንካ ኣራኽቦ።

ምምሕዳር ዞባ ኣብ ዳላና ሓደ ብዛዕባ ኣገልግሎታት መኽፈሊ (betaltjänster) ዝገልጽ ብሮሹር ኣድላዩ ኣሎ። ኣብኡ፡ ብካርድ ከመይ ጌርካ ከም ትኸፍል፡ ናብ ኢንተርኔትባንክ ከመይ ጌርካ ከም ትኣቱን ብዛዕባ ባንክኢደን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሕቶታትን መልስታቱን

ምስ ሓደ ካብቶም ኤ-መንነት ዝህቡ ርክብ ግበር። ካብኦም ኤ-መንነት ከተውጽእ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንኣብነት ናይ ሽወደን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ወይ ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ንሶም እዮም ዝውስኑ።