0-5 ዓመት ቈልዑ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 8 2023

​ኣብ ናይ መዋእለ ህጻናት ዕድመ ዘሎዉ ቈልዑ ክህልዉኻ ብዙሕ ደስታ፡ ግን ንዓኺ ከም ወላዲት መጠን ድማ ብዙሕ ብድሆታት ማለት እዩ።

ናእሽቱ ቈልዑ ታምፖሊንን ትርያንግል ዝብሃል ጸወታን ይጻወቱ ኣለዉ። ብድሕሪት ሓደ መጻወቲ ክፍልን ሓንቲ እኽልቲ ሰበይትን ይርኣ ኣሎ።

ስእሊ: Colourbox

ኣብዚ ብዛዕባ ጥንሲ ኣብ ዘለዎሉ እዋንን ድሕሪ ጥንሲን ምስ መን ከም ትራኸቢ ብዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ዘይተደልየ ጥንሲ።

ሓንቲ ነፍሰ ጾር ዝኾነት ሰበይቲ ኣልኮላዊ መስተ ክትሰቲ የብላን። ጥንስቲ ከለኺ ኣልኮላዊ መስተ ትሰትዪ እንተ ዄንኪ እቲ ድቂ ነቶም ናይ ኣልኮል ጎዳእቲ ንጥረ-ነገራት ይቃላዕ እዩ። ኣልኮል ናይ ጥንሲ ምኻድ ሓደጋ የዛይዶ እዩ። ከምኡ'ውን ኣልኮል ነቲ ናይ ቈልዓ ምዕባለ ክጎድኦ ይኽእል እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ምስታይ ንምግዳፍ ሓገዝ ትደልዪ እንተ ዄንኪ፡ እታ መሕረሲት (barnmorskan) ብቑዕ ሕክምና ንኽትረኽቢ ክትሕግዘኪ ትኽእል እያ። ከምኡ'ውን ምስ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ዝሰርሕ ንኣብነት ሓደ ሓኪም ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ወለድን ኣልኮልን

ናይ ወለዲ ብብዝሒ ኣልኮል ምስታይ ነቲ ቈልዓ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ናእሽቱ ቈልዑ ብቐሊሉ ይጥቅዑ እዮም። ኣብ ዝሰኸሩ ሰባት ዘለውዎ ከባቢ፡ ናይ ሃንደበታውያን ዓው ዝበሉ ድምጽታትን ዘይፍሉጥ ሽታን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ወለድን ካልኦትን እቲ ቈልዓ ብዘይለመዶ ፈኵስ ዘይኮነ ኣገባብ ነቲ ቈልዓ ክሕዝዎ ይኽእሉ እዮም። ሰብ ኣልኮል ክሰቲ ኸሎ ናይቲ ቈልዓ ድልየት ናይ ምምላእ ዓቕሙ ይጎድል እዩ። ምስ መስተ ብዘይ ግቡእ ምስታይ ዝተተሓሓዘ ምዕባይ ናይ ሓደጋ ምግጣም ተኽእሎ እውን ኣሎ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ናይ ኣልኮል ልምድታትካ ክትቅይሮ ንእትደሊ፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዛት ኣሎ። ካብቲ ናትካ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጕዳያት ሓገዝን ምኽርን ሕተት። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናትካ ወይ ናይ ካልእ ሰብ ናይ ኣልኮል ኣመላት የተሓሳስበካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ናብ ኣልኮሆልሊንየን (Alkohollinjen) እውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ምስ ዝተማህሩ ኣማኸርቲ ክትዛረብ ትኽእል። ናብ ኣልኮሆልሊንየን ብናጻን ብስመ-ስውር (anonymt) ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ስመ-ስውር (anonymt)፡ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ። ብቝጽሪ ተለፎን 020-844 448 ናብ ኣልኮሆልሊንየን (Alkohollinjen) ድውል።

ትምባኾ ትሕዝቶ ናይ ብዙሓት መርዛማት ንጥረ-ነገራት ኣሎዎ። ጥንስቲ ከለኺ ሽጋራ ተክኺ ወይ ስኑስ (ወዲ ዓካር) ትወስዲ እንተ ዄንኪ እቲ ድቂ ነዞም ጎዳእቲ ንጥረ-ነገራት ይቃላዕ እዩ። እዚ ነቲ ድቂን ጥንስን ሓደጋታት ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ እዋን ጥንሲ ሽጋራ ምትካኽ ካልእ ገዲፍካ ነቲ ሓደጋ ናይ ምካድ ጥንሲ፣ ማህሰይቲ ኣብ ድቂ ከምኡ'ውን ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል የዛይዶ እዩ። ኣብ እዋን ጥንሲ ትምባኾ ምጥቃም ምንካይ ወይ ምቍራጽ ነቶም ሓደጋታት ስለ ዘውሕዶም ሓደ ዓቢ መኽሰብ እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ሽጋራ ምትካኽን ስኑስ ምውሳድን ንምቍራጽ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ነታ ማሕረሲትኪ ወይ ሓኪምኪ ምኽሪ ሕተትዮም። ነፍሰ ጾር ከለኺ ሽጋራ ምትካኽ ወይ ስኑስ ንምግዳፍ ክሕግዘኪ ኢልኪ ናይ ኒኮቲን ፕላስተር፣ ማስቲካ ኒኮቲንን ኤለክትሮኒዊ ሽጋራን ከተወግዲ ኣሎኪ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ'ውን ንኣብነት ካብዘን ዝስዕባ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፡

መስመር ሽጋራ ግደፎ (Sluta Röka-linjen) - ብዛዕባ ትምባኾ ካብ ሰራሕተኛታት ብናጻ ብተለፎን ምኽሪ ትረኽበሉ ሓደ ዝያዳ ሓበሬታ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ። ሽጋራ ወይ ስኑስ ንምግዳፍ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 020-84 00 00 ደውል።

ቈልዑ ካብ ትኪ ሽጋራ ናጻ ኣብ ዝኾነ ኣከባቢ ክህልዉ መሰል ኣሎዎም። ንውላድካ ካብ ናይ ትምባኾ ትኺ ተኸላኸለሉን ኣብ ጥቕኡ ኾይኑ ዝኾነ ሰብ ከየትክኽ ኣረጋግጽን። ቈልዓ ነቲ ትኪ ንውሽጡ ከስተንፍሶ ከሎ ልክዕ ከምቲ ኣትካኺ ብሓደ ዓይነት ቀመማዊ ንጥረ-ነገራት ይጥቃዕ እዩ። እዚ ልኡም ምትካኽ ይብሃል።

ቈልዑ ንልኡም ምትካኽ ተኣፈፍቲ እዮም። ከበድቲ ረኽስታት፣ ኣለርጂን ኣዝማን ከስዕበሎም ይኽእል እዩ። ልኡም ምትካኽ ንናይ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል ሓደ ናይ ሓደጋ ረቋሒ እውን እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ውላድካ ንስኻ ዝገበርካዮ ስለ ዝገብሩን ካባካ ዝምሃሩን ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ኣገዳሲ ኣብነት ኢኻ። ንዓኻ ምትካኽ ክትገድፎ ትደሊ፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ። ካብቲ ናትካ ማእከል ኽንክን ጥዕና ምኽርን ሓገዝን ሕተት ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ'ውን ንኣብነት ካብዘን ዝስዕባ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፡

መስመር ሽጋራ ግደፎ (Sluta Röka-linjen) - ብዛዕባ ትምባኾ ካብ ሰራሕተኛታት ብናጻ ብተለፎን ምኽሪ ትረኽበሉ ሓደ ዝያዳ ሓበሬታ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ። ሽጋራ ወይ ስኑስ ንግዳፍ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 020-84 00 00 ደውል።

ኣብ ሽወደን ዝውለዱ ቈልዑ ከምቲ ወለዶም ዘሎዎም ዜግነት ይወሃቡ። እቶም ወለዲ ዜጋታት ናይ ካብ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ወጻኢ ሃገር እንተ ኾይኖም፡ ነቲ ቈልዓ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክሓትሉ ኣሎዎም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ቈልዓ ከም ናይ ወለዱ ፍቓድ ይረክብ።

ሰነድ ምስክር ኣቦነት

እንድሕር ወልድቲ ህጻን ምርዑዋት ኮይኖምን፣ እታ ኣደ ኣብ ሽወደን ምዝግብቲ ኾይናን ኣቦ ከም ወላዲ ይምዝገብ። እንድሕር ወለድቲ ምርዑዋት ዘይኮይኖም ኣቦ ህጻን ክረጋገጽ ኣለዎ። ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ሽማግለ ህዝባዊ ጉዳያት እዮም ናይ ኣቦነት ምርግጋጽ መስርሕ ዘካይዱ፣ ግን ኣብ ገሊኡ ዞባዊ ሽማግለታት ወይ ምምሕዳራዊ ሽማግለታት እውን ከካይድዎ ይኽእሉ። ምስ ምምሕዳርካ ተወከስ ኣብቲ እትነብሮ እንታይ ከምዝምልከት።

እቲ ህጻን ክውለድ እንኮሎ ወላዲት እንድሕር ዑቕባ ሓታቲት ኮይና'ሞ። ምስ ኣቦ ህጻን ምርዕውቲ ዘይኮይና፣ ኣቦነት ምስ ህዝባዊ ምዝገባ ክረጋገጽ ኣለዎ። እዚ እቲ ህጻን ድሕሪ ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ምርካቡ ይፍጸም።

እቲ ቈልዓ ብዙሕ ደረጃታት ምዕባለ የሕልፍ፡ ወለዲ ድማ ብዛዕባ ናይ ውላዶም ምዕባለ ብዙሕ ሕቶታት ክህልዎም ንቡር እዩ።

ኣብ እዚ ክሊ ዕድመ ዘሎ ቈልዓ እንተ'ለኪ ኾይኑ ገዛኺ ቈልዓ ድሕነቱ ዝሕለወሉ ክትገብርዮ ኣገዳሲ እዩ።

ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ምውሳድ፡ ንውላድካ ክትሕዝ ካብ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ዕረፍቲ ኢኻ ማለት እዩ። ክልቲኦም ኣንስትን ሰብኡትን ኣብ ገዛ ምስ ደቆም ንምህላው ካብ ስራሕ ድዩ ትምህርቲ ዕረፍቲ ክወስዱ ንቡር እዩ። ምምቅቓል ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣብ መንጎ እቶም ወለዲ ምስ ኣረኣእያ መሰል ቈልዑ ዓቢ ምትእስሳር ኣሎዎ። ሓደ ቈልዓ ጥቡቕ ዝምድና ምስ ወለዱ ክህልዎ መሰል ኣለዎ።

ናይ ወለዲ መድሕን፡ ወለዲ ንውሉዶም ንክሕዙ ዕረፍቲ ከም ዝወስዱ ይገብር። እዚ ዕረፍቲ ወላዲ ይብሃል። ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ኣብ ትወስድሉ እዋን ናይ ወላዲመተካእታ ደሞዝ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ።

ንዓኻ ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ዘሎኻ ኣብ ናይ ዕረፍትኻ ግዜ ምስ ካልኦት ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉ ክትራኸብ እንተ ደሊኻ ክትገብሮ ትኽእል ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሎ።

ክፉት መውዓሊ ህጻናት ንስኻ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ተራኺብካ ክትዘነጋዓሉ እትኽእልን እቶም ቈልዑ ምስ ካልኦት ቈልዑ ብሓባር ንኽጻወቱ ዕድል ክረኽብሉ ዝኽእሉን መራኸቢ ቦታ እዩ። ኵሉ ሰብ ናብኡ ክኸይድ ብሓጐስ ቅቡል እዩ፣ ኣቐዲምካ ምምልካት ኣየድልየካን እዩ፣ ዝኾነ ዝኽፈል እውን የብሉን። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ኣብኡ ሽወደንኛ ንኽትምሃር ሓገዝ ናይ ምርካብ ዕድል ዝህባ ብፍላይ ናብ ሓደሽቲ መጻእቲ ወለዲ ዘድሃባ ክፉታት መውዓሊ ህጻናት ኣሎዋ። ክፉታት መውዓሊ ህጻናት ብኮሙን እየን ዝካየዳ ግን ብኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበራትን እውን ክካየዳ ይኽእላ እየን።

ካልኦት ንጥፈታት ናይ ህጻውንቲ ርክብ (babyträffar)፣ ኣብ ቤት ንባብ፣ ናይ ወለዲ ካፈታት (föräldracaféer)፣ ናይ ህጻውንቲ ረምታ (barnrytmik) ናይ ህጻውንቲ ምሕምባስን (babysim) ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሓደ ሓደ ማእከል ድኳናትን ዓበይቲ መሸጣ ቤትን ናይ ስድራን መጥበዊ ክፍልን ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብኡ ኮፍ ኢልኪ ከተጥዊ፣ ፓምፐር ክትልውጢን ኣብ ህዱእ ቦታ ኴንኪ ናይቲ ህጻን መግቢ ከተሙቕን ዕድል ኣሎ።

ሽወደንኛ ምስ ቆልዓ

ብመገዲ 'ሽወደንኛ ምስ ቆልዓ'፡ ካልኦት ወለዲ ክትረኽቡን ሽወደንኛ ክትለማመዱን ትኽእሉ ኢኹም።

ትሰርሒ ወይ ትምሃሪ እንተ ኾንኪ ውላድኪ ካብ ሓደ ዓመት ዝመልኣሉ ጀሚሩ ምሉእ መዓልቲ ኣብ መዋእለ ህጻናት ክጸንሕ ይፍቀዶ እዩ። እዚ ሓደ መሰል እዩ። ዘይትሰርሒ ወይ ዘትምሃሪ እንተ ኾንኪ እውን ውላድኪ ካብ 3 ዓመት ዝመልኣሉ ጀሚሩ ንገለ ሰዓታት ንመዓልቲ ናብ ሓፈሻዊ መዋእለ ህጻናት ክኸይድ ይኽእል እዩ።

መዋእለ ህጻናት ናይ ምህላውን ቈልዑ ኣብኡ ቦታ ናይ ምርካብን ኮሙናት ሓላፍነት ኣሎወን።

ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ካብ ዝውለዱ ክሳብ ምጅማር ቅድመ ትምህርቲ ንዘሎዉ ቈልዑ ዝቐንዐ እዩ። ቀንዲ ስራሕ ናይ ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ናይ ቈልዑ ጥዕና፣ ምዕባለን ኵነታት ናብራን ምክትታል እዩ።

ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡መርመራ ጥዕናን ክታበትን ይወሃብ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኵሉ ንናይ ውላድኪ ምዕባለ ዝምልከት ምኽሪ እውን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ውላድኪ እንተ ሓሚሙ እሞ ሕክምና ዘድልዮ እንተ ኾይኑ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ኣሎኪ።

ኣብ'ዚ ኮሙን ምኽርን ሓገዝን፡ ናይ ወላዲት ምኳን ትምህርቲ ንምርካብ ወይ ምስ ካልኦት ወለዲ ተመኩሮኺ ንምልውዋጥ ትኸድሎም ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣሎዉ።