13-18 ዓመት ቈልዑ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 5 2023

ከም ወላዲት ናይ መንእሰይ መጠን ኣብቲ ናይቲ ውላድኪ ሂወት ጌና ዓቢ ኣገዳስነት ኣሎኪ። ወላዲት ምኳን ዘይምቍራጽን ቀልጢፍኪ ኣዚዩ ብዙሕ ሓልፍነት ነቲ መንእሰይ ዘይምሃብን ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ መንእሰይ ወዲ ግንባሩ ሒዙ ኣሎ።

ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ግዜ ጉብዝንኦም ካብ ወለዶም ነጻ ክኾኑ ይጅምሩ። ነብሶም ክኽሉን ናብ ናይ ዓቢ ሰብ ሂወት ክቀራረቡን ክጅምሩ ይደልዩ። ወለዲ ንደቆም ኣብቲ ናይ ዓቢ ሰብ ሂወት ንምእታው ዝገብርዎ ጕዕዞ ክድግፍዎም ሓላፍነት ኣሎዎም። ነቲ ቈልዓ ገደብ ክትገብረሉ ንምኽኣል ሓደ ሚዛን (ሜላ) ክትረኽቢ ኣገዳሲ እዩ። ማዕር-ማዕረኡ እቲ ቈልዓ ኣብዛ ሓዳሽ ዓዲ ክምዕብል ክኽእል ኣሎዎ።

ጕብዝና፣ ጕርዝና

ኣብ እዋን ጕብዝና ኣካላት ካብ ቈልዓ ናብ ዓቢ ሰብ ይቕየር። ጕብዝና ምዓስ ከም ዝጅምር ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ፡ ንመብዛሕትኦም ግን ኣብ መንጎ ዓሰርተን ዓሰርተ ሰለስተን ዕደመ ይጅምሮም። መንእሰያት ብዛዕባ ጾትኦምን ኣካላቶምን ክሓስቡ ክጅምሩ ንቡር እዩ። ከምኡ'ውን ኣፍቃሪ ወይ ኣፍቃሪት (መሓዛ ናይ ወዲ ወይ ጓል) ክህልዎም ንቡር እዩ።

ቈልዑ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ይኸዱ። ኣብ ሽወደን ኵሎም ናይ መባእታ ትምህርቲ ዝወድኡ መንእሰያት፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃሩ መሰል ኣሎዎም። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ንቐጻሊ ትምህርትን ናይ መጻኢ ግዜ ናይ ስራሕ ሂወትን መሰረታዊ ፍልጠት የቕስሙ።

ኣብ ሓደ ናይ መንእሰይ ኣካላት ብኽልቲኡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ብዙሕ ነገራት የጋጥም እዩ።

መንእሰይ ውላድኪ እንተ ሓሚሙ ምስቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ግበሩ።

ሓደ ሓደ መንእሰያት ከዛርብዎ ዝኽእሉ ገለ ሰብ ከድልዮም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት ምስ አለቭሄልሳን ወይ ክሊኒክ መንእሰያት ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም።

ነጻ ግዜ (ግዜ ዕረፍቲ) ሓደ ኣገድሲ ክፋል ናይ መንእሰያት ሂወት እዩ። እዚ እቶም መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ንከማዕብሉ እውን ኣገዳሲ እዩ።

ብዙሓት መንእሰያት ሙዚቃ ይሰምዑ፣ ኢንተርነት ይጥቀሙ፣ ተለቪዥን ይርእዩ፣ ምስ የዕሩኽቶም ብሓባር ነገራት ይገብሩ ወዘተ።

እቶም ቈልዑ እንዳ ዓበዩ ክኸዱ ኸለዉ ኣባልነት ኣብ ማሕበር እንዳ ነከየ ይከይድ።

ሳዕቤን ኣልኮላዊ መስተ

ኣልኮል ንኣእምሮ ዝጎድእ ስሚ እዩ። ነኣሽቱ ክሳብ 25 ዓመት ዝመልኡ ኣእምሮኦም ኣብ ምምዕባል ስለዝርከብ ንጉድኣት ኣልኮል ተኣፋፈፍቲ ይገብሮም።

ኣልኮል የስክር ብምዃኑ፡ እንወስዶም ገምጋማትን ስጉምታትን በዚ ክጽሎ ይኽእል። ኮተቴ ባዕላቶም ከም ዝብልዎ፡ ክሰትዩ እንከለዉ ንዓበይቲ ሽግራት ከም ዝሳጥሑ ይሕብሩ። እዚ ሽግራት'ዚ ንኣብነት ባእሲ፡ ዓመጽ፡ ሓደጋ፡ ዘይተደልየ ስጋዊ-ርክብ፡ ሰኺርካ መኪና ምዝዋር ወይ ውን ምስ ዝሰተየ ኣውቲስታ ተጻዒንካ ምኻድን ካልእ የጠቓልል።

ሓበሬታ

  • ካብ መሸጢ መስተ ትካል ሲስተም-ቦላገት መስተ ንምግዛእ ሓደ ሰብ ብውሑዱ 20 ዓመት ዝመልአ ክኸውን ኣለዎ።
  • ኣብ ኣብያተ-መግቢ መስተ ንምእዛዝ ሓደ ሰብ ብውሑዱ 18 ዓመት ዝመልአ ክኸውን ኣለዎ።
  • ኣብ ድኳናት ውን እንተኾነ ህዝባዊ መስተ ነቶም ብውሑዱ 18 ዓመት ዝመልኡ ክሽየጥ ኣለዎ።
  • ንነኣሽቱ መስተ ዝዕድግ ሰብ መቕጻዕቲ ወይ ውን ማእሰርቲ ክብየነሉ ይኽእል።

ሳዕቤናት ትምባኾ

ሽጋራ ምትካኽን ትምባኾ ምቑሓምን ዝጀመሩ መንእሰያት ወልፈኛታት ይኾኑ'ሞ ከቋርጽዎ ኣሸጋሪ ይኾኖም። ኒኮቲን ወልፊ ዘትሕዝ ኣብ ኩላቶም ዓይነታት ትምባኾ ዝርከብ ባእታ ኢዩ። ኒኮቲን ናይ ልቢ ህርመት ዘዛይድን ጸቕጢ።

ደም ዘብዝሕን ኢዩ። ዑደት ደምን ሓፈሻዊ ዓቕምናን ዝተዳኸመ ይኸውን። ምትካኽ ሽጋራ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተቓላዕና ይገብረና። ንኣብነት፥ ኣዝማ፡ ሕማም ሽኮርያ ቁጽሪ 2፡ ኮል (Kol) ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ዝመጽእ ሕዳ'ር (kronisk) ናይ ሳንቡእ ሕማም ፡ ናይ ልቢን ናይ መትንታት ደምን ሕማም፡ ከምኡ'ውን መንሽሮን (cancer) ።

ሓበሬታ

  • ደረት ዕድመ 18 ዓመት።
  • ትምባኾ ንካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ጥራሕ ኢዩ ዝሽየጥ።
  • እቲ ገዛኣይ እቲ ትንባኾ ንትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ክህቦም ኢዩ ዝብል ጥርጣረ ምስዝህሉ ምሻጥ ኣይፍቀድን። ምዕዳል (ምሽቃጥ) (langning) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • ኣብ ናይ መዋእለ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲን ናይ ቆልዑትን መንእሰያትን ንጥፈታት ዝካየደሎም ኣባይቲታት ምትካኽ ክልኩል ኢዩ።
  • ሽጋራ ኣብ ቀጽሪታት ቤት ትምህርቲ፡መዋእለ ህጻናትን መዘናግዒ ቈልዑትን (fritids) ምትካኽ ክልኩል ኢዩ። እዚ ናይ ምትካኽ እገዳ ብቀትሪ ይኹን ብለይቲ ኣብ ዝኾነ ግዜን መዓልቲን ኢዩ።
  • ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ኩላተን ናይ ሓለዋ ጥዕና ኣባይቲታት ዝተኣገደ ኢዩ።
  • ኣብ ኩላተን ህዝባውያን ኣባይቲታት ንኣብነት ኣብ ኣባይቲ ትያትር፡ኣባይቲ ሲነማ፡ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን፡ናይ ዕዳጋ ኣባይቲታትን ከምኡውን ኣብ እንዳ ሻሂን ቡንን ቤት መግብን ሽጋራ ምትካኽ ዝተኸልከለ ኢዩ።

ሳዕቤናት ናይ ካናቢስ

መብዛሕትኦም ካናቢስ ዘትክኹ መንእሰያት ካናቢስ ፍሱህን ሕጉስን ይገብረካ ፡ ሓደሓደ እዋን ፍሽኽ ፍሽኽ የብለካ ጸኒሑ ግን ህዱእን ዝተዛነኻን ይገብረካ ይብሉ። ግን ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ስምዒት ኣይስመዖን ኢዩ።

ካናቢስ ነባሪ ዝኾነ ዘይተጸበናዮ ሳዕቤናት የስዕብ። ኣእምሮና ምስተተንከፈ ሓሳባትና ፋሕ ይብልን እንህቦ መልሲ ድማ ሓሲብና እንምልሶ ኣይከውንን። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ነገር ክንዝክር የሸግረና፡ ሓድሽ ነገር ክንመሃር'ውን ኣጸጋሚ ይኾነና። ካልኦት ከበድቲ ሳዕቤናት ድማ ከም፡ ከቢድ ፍርሒ፡ ምርባጽን ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጸቕጥን (depression) ኢዮም። ብተወሳኺ ትኪ ናይ ካናቢስ ካብ ናይ ሽጋራ ትኪ ዝያዳ ሓማም መንሽሮ (cancer) ከስዕብ ይኽእል።

ካናቢስ ምውሳድ እዞም ዝስዕቡ ማሕበራዊ ሳዕቤናት የኸትል፡ ሽግር ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ምቅይያራት ናይ ኣዕሩኽን ግርጭትን። ውላድካ ዕጸ ፋርስ (narkotika) ዘዘውትር እንተድኣኰይኑ እሞ እዚ ተግባር'ዚ ንፖሊስ እንተተሓቢሩ፡ ንኣብነት መዘወሪ ማኪና ፍቓድ ምርካብ፡ ናብ ኣሜሪካ ንምጋሽ ፍቓድ ምርካብ ዝኣመሰሉ ኣጸገምቲ ይኾኑ። ገለ ገለ ስራሓት ንምርካብ'ውን ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።

ሓበሬታ

  • ካናቢስ እቲ ኣብ መንእሰያት ኣዝዩ ግኑን ዝኾነ ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ (drog) ኢዩ።
  • ካናቢስ ምስዝርከበካ ምኽንያቱ ብዘየገድስ ዘይሕጋዊ ኢዩ፣ ምብቋል፡ ምሻጥ፡ ምዕዳግ፡ ምጥቃምን ምቕማጥን።
  • እዚ ሕጂ ዝሽየጥን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ካናቢስ ካብቲ ብ 70'ታት ዝነበረ ካናቢስ ዝሓየለ ኢዩ።
  • ስፓዪስ (spice) ብዙሕ ዝውቱር ኮይኑ ዘሎ፡ ዝደርቑ ዓይኒ ዓተራት ዝሓዘ ክነሱ ናይ ካናቢስ ጋዝ ዝተነፍሖ ኢዩ።
  • ዝበዝሑ ካናቢስ ዘትክኹ መንእሰያት ብሽጋራ ምትካኽ ኢዮም ዝጅምሩ።
  • ካናቢስ ንመጀመርያ ግዜ ክፍትኑ ከለው፡ ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምስታዮም ኢዩ።
  • ዝበዝሕ እዋን ካናቢስ ካብ ዓርኪ ወይ ናይ ዓርከይ ዓርኪ ኢዩ ዝርከብ። ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ናእሽቱ ግላዊ ፌስታታት ይዝውተር።

ኣብ'ዚ ኮሙን ምኽርን ሓገዝን፡ ናይ ወላዲት ምኳን ትምህርቲ ንምርካብ ወይ ምስ ካልኦት ወለዲ ተመኩሮኺ ንምልውዋጥ ትኸድሎም ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣሎዉ።