6-12 ዓመት ቈልዑ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 8 2023

​እቲ ቈልዓ ትምህርቲ ይጅምር እሞ የዕሩኽቲን ናይ ገዛእ ርእሱ ድልየትን ብዝያዳ ኣገደስቲ ይኾኑ። ከምኡ ኽንሱ ማዕር-ማዕረኡ ድልየት ምስ ስድርኡ ዘሎዎ ዝምድና ዓቢ እዩ።

ሓንቲ ንእሽተይ ጓል ብካሜራ ክነጀው ወገን ኣነጻጺራ ትርኢ ኣላ፡ ብድሕሪት ሰለስተ ቈልዑ ብደብዛዝ ይርኣዩ ኣለዉ።

ስእሊ: Colourbox

ቈልዑ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይምዕብሉ። ብዛዕባ ናይ ውላድኪ ሕቶታት እንተ'ለኪ ኾይኑ ወይ ሓገዝ እንተ ደሊኺ ምስ ናይ ቤት ትምህርቲ ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ (ኣዚለ) ግዴታዊ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ካብታ 6 ዓመት ዝመልኡላ ዓመት ዘላ ወቕተ-ትምህርቲ ቀውዒ ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ይጅምሩ። እቲ ትምህርቲ ናይቶም ቈልዑ ምዕባለ ከነቓቕሕን ንቐጻሊ ትምህርቲ ክቕርቦምን ኣለዎ። ክፍሊ ቅደመ-ትምህርቲ ብናጻ ኾይኑ ትሕዝቶ ናይ መሃዚ ስራሓትን ጸወታን ኣለዎ። ቈልዑ ናብ መውዓሊ ህጻናትን ክፍሊ ቅድመ-ትምህርትን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ይኸዱ። ቀዳም፡ ሰንበትን በዓላትን ዕረፍቲ እዮም።

ቈልዑ ካብ 6 ዓመት ዝመልእሉ ጀሚሮም ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ክጅምሩ መሰል ኣሎዎም፡እዚ ብድልየትካ ዝኽየድ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ሽወደን እቶም ዝበዝሑ ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ቅድመ ትምህርቲ ይኸዱ። ቅድመ ትምህርቲ ብነጻ ኾይኑ፡ሓደ ሰፊሕ መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ምህዞ ስራሕን ጸወታን ኣሎዎ። ቈልዑ ናብ መዋእለ ህጻናትን ቅድመ ትምህርትን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ይኸዱ። ኵሉ ግዜ ቀዳም፣ሰንበትን መዓልታት ዕረፍትን፡ ዕረፍቲ እዮም።

ኣብዚ እዋን ዕድሚኦም እቶም ዝበዝሑ ቈልዑ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታት ዝፍትንሉን ምስ የዕርኽቶም ምኳን ኣገዳሲ ዝኾነሉን ግዜ እዩ።

እቲ ቈልዓ ንኣብነት ስፖርት ንኽገብር፣ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ንኽምሃር ወይ ስነ-ጥበብን ትያትርን ንኽፍትን ኣባል ናይ ገለ ማሕበር ክኸውን ንቡር እዩ።

እቲ ቈልዓ እንተ ሓሚሙ ምስ እቲ ትኸድዮ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ብዛዕባ ናይቲ ቈልዓ ምዕባለ ሕቶታት እንተ'ለኪ ኾይኑ ምስ ክፍሊ ጥዕና ተመሃሮ (አለቭሄልሳን) ) ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ቈልዑ ካብ ትኪ ሽጋራ ናጻ ኣብ ዝኾነ ኣከባቢ ክህልዉ መሰል ኣሎዎም። ንውላድካ ካብ ናይ ትምባኾ ትኺ ተኸላኸለሉን ኣብ ጥቕኡ ኾይኑ ዝኾነ ሰብ ከየትክኽ ኣረጋግጽን። ቈልዓ ነቲ ትኪ ንውሽጡ ከስተንፍሶ ከሎ ልክዕ ከምቲ ኣትካኺ ብሓደ ዓይነት ቀመማዊ ንጥረ-ነገራት ይጥቃዕ እዩ። እዚ ልኡም ምትካኽ ይብሃል።

ቈልዑ ንልኡም ምትካኽ ተኣፈፍቲ እዮም። ከበድቲ ረኽስታት፣ ኣለርጂን ኣዝማን ከስዕበሎም ይኽእል እዩ። ልኡም ምትካኽ ንናይ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል ሓደ ናይ ሓደጋ ረቋሒ እውን እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ንዓኻ ምትካኽ ክትገድፎ ትደሊ፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ። ካብቲ ናትካ ማእከል ኽንክን ጥዕና ምኽርን ሓገዝን ሕተት ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ'ውን ንኣብነት ካብዘን ዝስዕባ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፡

መስመር ሽጋራ ግደፎ (Sluta Röka-linjen) - ብዛዕባ ትምባኾ ካብ ሰራሕተኛታት ብናጻ ብተለፎን ምኽሪ ትረኽበሉ ሓደ ዝያዳ ሓበሬታ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ። ሽጋራ ወይ ስኑስ ንግዳፍ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 020-84 00 00 ደውል።

ውሑድ ኣልኮል ምስታይ ሕማቕ ወልዲ ክገብረካ ኣየድልዮን እዩ። ብኣንጻሩ ናይ ወለዲ ብብዝሒ ኣልኮል ምስታይ ነቲ ቈልዓ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ሰብ ኣልኮል ክሰቲ ኸሎ ናይቲ ቈልዓ ድልየት ናይ ምምላእ ዓቕሙ ይጎድል እዩ። ምስ መስተ ብዘይ ግቡእ ምስታይ ዝተተሓሓዘ ምዕባይ ናይ ሓደጋ ምግጣም ተኽእሎ እውን ኣሎ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ናይ ኣልኮል ልምድታትካ ክትቅይሮ ንእትደሊ፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዛት ኣሎ። ካብቲ ናትካ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓገዝን ምኽርን ሕተት። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናትካ ወይ ናይ ካልእ ሰብ ናይ ኣልኮል ኣመላት የተሓሳስበካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ናብ ኣልኮሆልሊንየን (Alkohollinjen) እውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ምስ ዝተማህሩ ኣማኸርቲ ክትዛረብ ትኽእል። ናብ ኣልኮሆልሊንየን ብናጻን ብስመ-ስውር (anonymt) ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ስመ-ስውር (anonymt)፡ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ። ብቝጽሪ ተለፎን 020-844 448 ናብ ኣልኮሆልሊንየን (Alkohollinjen) ድውል።

ኣብዚ ዕድመ እዚ ኣብ ናይ ስፖርት ቦታታት ሓደጋ ንቡር እዩ። እቲ ቈልዓ እቶም ዝሳተፎም ስፖርትን ንጥፈታትን ዝጠልብዎ እንተ ኾይኖም ከም ንኣብነት መከላኸሊ ቆብዕ ዝኣመሰሉ መከላኸሊ ክገብር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ'ዚ ኮሙን ምኽርን ሓገዝን፡ ናይ ወላዲት ምኳን ትምህርቲ ንምርካብ ወይ ምስ ካልኦት ወለዲ ተመኩሮኺ ንምልውዋጥ ትኸድሎም ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣሎዉ።

ምእላይ ዝሓመመ ቆልዓ (VAB) ማለት፤ ካብ ስራሕ በዂርካ ወይ ካብ ስራሕ ምድላይ ኣቋሪጽካ፤ ንዝሓመመ ቆልዓ ንምእላይ ኣብ ገዛ ምጽናሕ ማለት'ዩ።