ናይ’ቲ ቈልዓ ናይ ነጻ ግዜ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 1 2024
ቈልዑ ንኽጻወቱ፣ ከዕርፉን ነጻ ግዜ ክህልዎምን መሰል ኣሎዎም። ሓደ ጠቕሚ ዘሎዎ ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈት ኣብቲ ምዕባለ ናይቲ ቈልዓ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ኣብ ነጻ ግዜኦም ምስ የዕርኽቶም ክኾኑ ይፈትዉ። ኢንተርነት ክጥቀሙ፣ ተለቪዥን ክርእዩን ሙዚቃ ክሰምዑን ንቡር እዩ። ብዙሓት ብዝያዳ ዝተወደበ ንጥፈታት ይገብሩ።
መብዛሕትኦም ቈልዑ ኣብ ሽወደን ኣብ ግዜ ቍልዕነቶም ኣባላት ናይ ገለ ስፖርታውያን ማሕበራት ይኾኑ። ዳርጋ ማዕረ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ንጡፋት እየን። ናይ ስፖርት ማሕበራት ኣብ ኵሉ ክሊ ዕደም ንዝርከቡ ሰባት ልሙዳት እየን፡ ኾይኑ ግን እቶም ዝበዝሑ ኣብ ስፖርት ዝነጥፉ ቈልዑ ኣብ ክሊ ዕድመ 10-12 ይርከቡ። እቶም ልሙዳት ስፖርት ኵዕሶ እግሪ፣ ምውጣሕ ፈረስ፣ ኢነባንድይ፣ ተኒስ፣ ስፖርት ምሕንባስ፣ ቃርሳ፣ ጂምናስቲክ፣ ኵዕሶ ኢድ፣ ኵዕሶ ሰክዔትን ኣትለቲክስን እዮም።
ናይ ሽወደን ስፖርት ሓደ ዓይነት ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ማሕበር ማሕበርተኛ ብምኳንን እቶም ኣባላት ናይ ማሕበርተኛ ክፍሊት ብምኽፋልን ይቐውም። ኣብ ናይ ሽወደን ስፖርት መብዛሕትኦም መራሕቲ (ኣሰልጠንቲ)፡ ናይቶም ኣባላት ቈልዑ ወለዲ እዮም። እቶም መብዛሕትኦም ኣሰልጠንቲ ብዘይ ደሞዝ ይሰርሑ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ናይ'ቲ ቈልዓ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝተተሓሓዘ ዝግበር ንጥፈታት ወለዲ ክሕግዙ ትጽቢት ኣሎ።
ቤት ትምህርቲ ባህሊ
ቤት ትምህርቲ ባህሊ ቈልዑን መንእሰያትን ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ስነ-ጥበባውን ባህላውን ንጥፈታት ንኽሳተፉ ዕድል ይህብ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ባህሊ ውላድኪ ድሕሪ ትምህርቲ ካብ ብዙሕ ገለ ንምጥቃስ፡ መሳርሒ ሙዚቃ ፣ ምድራፍ፣ ምስዕሳዕ፣ ምውሳእ ክምሃርን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስነ ጥበብ ክሳተፍን ይኽእል።
ቤት ንባብ
ቤት ንባብ ንዅሉ ሰብ እዩ። ኣብያተ ንባብ መብዛሕትኡ ግዜ ንቈልዑን መንእሰያትን ዝተፈላለየ ንጥፈታት፣ ጸወታታትን መዘናግዕን ኣሎዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ኢንተርነት ክትጥቀመለን ትኽእል ኮምፕዩተራት ከምኡ'ውን ፊልምታት፣ ጸወታን ናይ ድምጺ መጻሕፍትን ክትልቃሕ ይከኣል።
መዓልታዊ ምንባብ ንናይቲ ቈልዓ ቃላዊ ብቕዓት፣ ናይ ትምህርቲ ድሉውነትን ውጽኢት ትምህርትን ይጸልዎ እዩ። ጽውጽዋይ ምንጋር ንናይቲ ቈልዓ ማህደረ-ቓላት ይውስኾ፣ ዘንብቦ ንኽርድኦ ይሕግዞን ሓሳባቱ ንኽገልጽ ዓቕሙ የማዕብሎን።
ቈልዑ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ምጥቃም ኢንተርነት ክጅምሩ ንቡር እዩ።
ናእሽቱ ቈልዑ ብዙሕ ግዜ ሓጸርቲ ፊልምታት ይርእዩ እዮም። እቶም ቈልዑ እንዳ ዓበዩ ክኸዱ ከለዉ፡ ክሳብ 10 ዓመቶም፡ ምጽዋት ይዛይድ። ድሕሪኡ ተገዳስነት ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይዛይድ።
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ መራኸቢ ብዙሓን ሽወደን ንውሉድካ ብጽቡቕ ኣገባብ ንኽትድግፎ ዝሕግዘካ ብሮሽርን ፊልምታትን ኣዳልዩ ኣሎ።
ኣብ ማእከል መዘናግዒ መንእሰያት ብሰራሕተኛታት ናይ ነጻ ግዜ መራሕቲ ዝምራሕ ንጥፈታት ኣሎ። ኣብኡ ቈልዑ ካብ ናይ ቤት ትምህርቲ ግዜ ወጻኢ ክራኸቡ ይኽእሉ። ንጥፈታት፣ ውራያት፣ ምሸታዊ ቴማታትን ናይ ጕጅለ ንጥፈታትን ካብ ናይ እቶም መንእሰያት ምንዮትን ድልየትን ተበጊሱ ይስራዕን ይምደብን።
ኣብ ሽወደን ንቈልዑን ዓበይትን ዝኾና ማሕበራት ዘሎዎ ሓደ ሓያል ማሕበራዊ ሂወት ኣሎ።