ናይ’ቲ ቈልዓ ጥዕና

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 28 6 2023

ብዛዕባ ናይ ቈልዓ ጥዕና ንዝምልከት ሕቶታት፡ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ክትራኸብዮም ትኽእሊ ቦታታት ኣሎዉ።

ሓንቲ ቈልዓ ምስ ኣዲአ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ሃንቲ ሓኪም ትራኸብ ኣላ።

ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ

ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ (bvc) ንውላድኪ ናይ ጥዕና መርመራታትን ክታበትን የወፍዩ እዩም። ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ንዅሎም ቈልዑ ክሳብ ደቂ ሓሙሽተ-ሽዱሽተ ዓመት ዝኾኑ ናይ ጥዕና ክንክን ይህብ። ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ኣብ እቲ ናትካ ናይ ወላዲ ግደን ብዛዕባ ናይ ውላድካ ምዕባለ፣ ባህርያትን ሕማማትን ሓገዝን ምኽርን ትረክብ። ዳርጋ ብዛዕባ ኵሉ ነገራት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኵሉ ብዛዕባ ናይቲ ቈልዓ ጥዕናን ምዕባለን ዘሎካ ሻቕሎት ክሳብ ዝተፈላለዩ መዓልታዊ ጸገማት ከም ምግብን ድቃስን ዝኣመሰሉ ሕቶታት።
ውላድካ ሓሚሙ ሕክምና ኣብ ዘድልየሉ እዋንን ናብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ክትከይድ ኣሎካ።
ኣብ ብዙሓት ቦታታት እቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ኣብ ሓደ ማእከል ስድራ ቤት (familjecentral) እዩ ዝርከብ።

ማእከል ስድራ ቤት

ሓደ ማእከል ስድራ ቤት፡ ንስድራ ቤታት ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓይነት ሓገዛት ተኣኪቡ ዝርከበሉ ሓደ ቦታ እዩ። ኣብኡ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን፣ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን ክፉት መውዓሊ ህጻናትን ኣሎ። ከምኡ'ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምኽርን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ናይ ወላዲ ግደ ንምዝታይ ብዙሕ ግዜ ብጕጅለ ምስ ካልኦት ወለዲ ትራኸበሉ ብመራሒ ዝካየድ ናይ ወለዲ ጕጅለታት ንምስታፍ እውን ዕድል ኣሎ።

ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ሕክምናዊ ቅበላ BUM, ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ክሳብ 17 ዓመቶም ፍሉይ ክእለት ዘሎወን ክሊኒካት እየን።

BUM ብዝተረፈ ጥዑያት ኾይኖም ግዝያዊ ሕማም ዝሓመሙ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ዕድመኦም ቈልዑ ይቕበል እዩ።

ህዝባዊ ክንክን ስኒ እቲ ዞባ ዝእለ ክንክን ስኒ እዩ። ህዝባዊ ክንክን ስኒ ንዅሎም ቈልዑን መንእሰያትን ክሳብ እታ 21 ዓመት ዝመልኡላ ዓመት፡ ስሩዕን ምሉእን ክንክን ስኒ ክህብ ኣሎዎ።

ንሓተትቲ ዑቕባ መንእሰያት ንዝምልከት፡ ካብቶም መንበሪ ፍቓድ ዘሎዎም መንእሰያት ብዝፍለ፡ ናይ ዞባ ክንክን ስኒ ናይ ምውፋይ ሓላፍነት እቲ መንእሰይ 18 ዓመት ምስ መልአ የቋርጽ እዩ።

ንቈልዑ ስኖም ሕጸቦም

ሓደ ቈልዓ ገና እታ ናይ መጀመርታ ስኑ ክትወጽእ ከላ ጀሚርካ ስኑ ክትሓጽቦ ክትጅምር ጽቡቕ እዩ። እቲ ቈልዓ ኣቐዲሙ እንተ ለሚድዎ፡ እቲ ምሕጻብ ስኒ ነቲ ቈልዓ ሓደ ልምዲ ንኽገብሮ ዝቐለለ እዩ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ቈልዑ ኣንጻር ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሕማማት ክኽተቡ ይምከሩን ዕድል ይወሃቦምን እዩ። ቈልዑ ኣንጻር ብርቱዓት ሕማማት ሓደ ጽቡቕ መከላኸሊ ንኽረኽቡ ይኽተቡ።

ብመሰረት እቲ ናይ ክታበት መደብ ዘይተኸተቡ ክሳብ 18 ዓመት ዘሎዉ ቈልዑ፡ ዕድል ንናይ መመላእታ ክታበት ክወሃቦም ኣሎዎ።

እቲ ናይ ተምሃራይ ክንክን ጥዕና (Elevhälsan) ኣብ ናይቲ ቈልዓ ቤት ትምህርቲ ይርከብ። እቲ ናይ ተምሃራይ ክንክን ጥዕና፡ ናይ ተምሃሮ ምምህርና፣ ምዕባለን ጥዕናን ንምድጋፍ ይሰርሕ። እቲ ናይታ ቤት ትምህርቲ ሓለቓ ናይቲ ናይ ተምሃሮ ክንክን ጥዕና ሓላፍነት ኣሎዎ።

እቲ ናይ ተምሃራይ ክንክን ጥዕና፡ ምስ ሓኪም ቤት ትምህርቲ፣ ኣላዪት ሕሙማት ቤት ትምህርቲ፣ ኣማኸርቲ፣ ስነ-ኣእምሮኛን ፍሉይ ስነ-ምምህርናዊ ጻዕርታት ክራኸቡ ዕድል ይህቦም።

እቲ ናይ ተምሃራይ ክንክን ጥዕና፡ ንነፍስ ወከፍ ተምሃራይ ንናይ ምርኣይን ምስማዕን መርመራን ክታበትን ዝጠቓለለ ናይ ጥዕና መርመራ ምብጻሕ ክጽውዖም ኣሎዎ።

ውላድካ ንናይ ኣእምሮ ጸገማት ሓገዝን ደገፍን እንተ ኣድልይዎ፡ መጀመርታ ምስ እቲ ናይ ተምሃራይ ክንክን ጥዕና ኣብ ቤት ትምህርቱ ወይ ምስ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ግበር። እንተ ኣድልዩ ውላድካ ክንክን ናይ ክኢላ ክረክብ ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ዕድሚኡ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት እንተ ኾይኑ፡ ንምኽሪ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቈልዓ ካብ 13 ዓመቱ ባዕሉ ምስ ሓደ ክሊኒክ መንእሰያት ርክብ ክገብር እውን ይኽእል እዩ።

ኣእምሮኣዊ ሕማም፡ቅለልቲ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ብርቱዓት ኣእምሮኣዊ ሕማማትን ዘጠቓልል ሓደ ጥርኑፍ ኣምር እዩ።

ቃዝኖት ዕድመ ናይቲ ሰብ ብምምርኳስ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይርአ። ዝቃዘኑ ቈልዑን መንእሰያትን ብዙሕ ግዜ ከም ዝቓዘኑ ብንጹር ኣይርአን እዩ። ኣብ ክንድኡ እቲ ብዝያዳ ንቡር ንኣብነት ይቑጥዑን ይሓርቁን እዮም።

BUP

BUP ነቶም ኣዚዮም ሳይኪያትሪያዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ወይ ሕክምና ዚደልዩ ቆልዑ ወይ መንእሰያት ይከናኑ። ንሳቶም ንክሳዕ 18 ዓመት ዝዕደመኦም መንእሰያት ይቕበሉ። ብድሕሪኡ ናብቲ ናይ ዓበይቲ ሓኪም-ኣእምሮ ምኻድ እዩ።

ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ካብ ብገምጋም 12-13 ክሳብ 25 ዓመት ዘሎዉ መንእሰያት እዩ። እቲ ምብጻሕ ብነጻ እዩ።

ኣብ ክሊኒክ መንእሰያት ነቲ ሕማቕ ዝስምዖ ዘሎን ምስ ገለ ሰብ ክዛረብ ዝደሊ ዘሎን ናይ ዝርርብ ሓገዝ ናይ ምርካብ ዕድል ኣሎ። እዚ ብዛዕባ ናይ ኣካላት ሕቶ ወይ ሕቶ ብዛዕባ ጾታውነትን መከላኸሊ ጥንስን እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ Youmo.se ዝብሃል ብዛዕባ ኣካላት፣ ጾታን ጥዕናን ብብዙሕ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ሓበሬታ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ ኣሎ። Youmo.se ኣብ መንጎ 13-20 ክሊ ዓመት ንዘለዉ መንእሰያት እዩ። ኣብ youmo.se ናይ ኵለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ክሊኒክ መንእሰያት ናይ ርክብ ሓበሬታ እውን ኣሎ።

ከም ወላዲ ናይ ስንክልና ዘሎዎ ቈልዓ፡ ሓደ ሰብ ካብ ሕብረተሰብ ሓገዝ ናይ ምርካብ ሕጋዊ መሰል ኣሎዎ። እቶም ዝበዝሑ ስጕምትታት ንምርካብ ሰብ ባዕሉ ከመልክት ኣሎዎ።

እቶም ስድራ ኣየናይ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘሎዎም፡ ኣብ ናይ እቲ ቈልዓ ዓይነት ስንክልናን ነቲ ቈልዓ ኣብ መዓልታዊ ሂዎቱ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸልዎን ዝተሞርኮሰ እዩ። ክልቲኦም እቲ ቈልዓ ዝነብረሉ ኮሙንን ዞባን እዮም ሓገዝ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዘሎዎም።

ሓደ ሓደ ግዜ ስንክልና ዘሎዎም ቈልዑ ኣብተን ድልየቶም ዘማልኣሎም ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ምኻድ የድልዮም እዩ።

ተሓድሶ ቈልዑ

ተሓድሶ ቈልዑ ከቢድን ንዕምሪ ምሉእ ዝጸንሕን ስንክልና ዘሎዎም ቈልዑን መንእሰያትን ይቕበል።

ናይ ተሓድሶ ተግባራት፡ ምኽሪ፣ ሓገዝን ፍወሳን ከምኡ'ውን ምእዛዝን ምፍታንን ናይ ናውቲ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል እዩ።