ናይ’ቲ ቈልዓ ድሕነት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 2 2023

ብዛዕባ ናይ’ቲ ቈልዓ ድሕነት ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ውላድኪ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ንዘሎ ተኽእሎ ክንክዮ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ከመይ ገርኪ ኣቐዲምኪ ሓደጋታት ክትከላኸሊ ከም ትኽእልን ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ እንታይ ክትገብሪ ከም ትኽእልን ክተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ክልተ ናይ ብሽክለታ ቈቢዕ ዝገበሩ ቈልዑ ኣብ ጥቓ ናይ ሓደ ዓቢ ሰብ ብሽክለታ ጠጠው ኢሎም ኣለዉ። እቶም ቈልዑ ናይ ሃሩር ክዳን ተኸዲኖም ኣለዉ፡ ብድሕሪት ሓምላይ ኣታኽልቲ ይርኣ ኣሎ።

ስእሊ: Colourbox

ቈልዑ ብዝቐልጠፈ ምሕንባስ ክምሃሩ ኣገዳሲ እዩ።

ቈልዑ ኣብ ማይን ጃልባን ክህልዉ ኸለዉን ኣብ ገምገም ባሕሪ ክጻወቱ ኸለዉን መንሳፈፊ ጃኬት ክወድዩ ኣሎዎም። እቲ ሓደጋ ግን ዋላ ኣብ ክፍሊ መሕጸቢ ሰብነት ኣብ ገዛ እውን ኣሎ። ቁሩብ ሰንቲ ሜተር ማይ እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንውላድኪ ኣብ ጥቓ ማይ ጨሪሽኪ ንበይኑን ኣይትግደፍዮ፡ ከምኡ'ውን ብኢድኪ ክትሕዝሉ ካብ ዘይትኽእልሉ ቦታ ኣይትርሓቒ።

መንሳፊፊ ጃኬት ዘይብልኪ እንተ ኾንኪ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ መንሳፈፊ ጃኬት ካብቲ ኮሙን ክትካረዪ ትኽእሊ ኢኺ።

ኵሎም ክሳብ 15 ዓመት ዕድሚኦም ቈልዑ ናይ ግድን ናይ ብሽክለታ ቆብዕ ክገብሩ ኣሎዎም። ንሓደ ቈልዓ ብዘይ መከላኸሊ ቆብዕ ኣብ ብሽክለታ እንተ ኣስቂልክዮ (ኣጎርቢትክዮ) ብገንዘብ ክትቅጽዒ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ መከላኸሊ ቆብዕ ኣብ ርእሲ ትኽ ኢሉ ኮፍ ክብልን ጸኒዑ ክሕዝን ኣሎዎ። ንድሕሪት ወይ ንቕድሚት ተደፊኡ እንተ ተኣሲሩ ኣይከላኸልን እዩ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ብማኪና ዝጕዓዙ ኣብ ቅድሚትን ድሕሪትን ኮፍ መበሊ ዕጣቕ መንበር (ቍልፊ ድሕነት) ክጥቀሙ ኣሎዎም ዝብል ሕጊ ኣሎ። ካብ 135 ሰንቲ ሜተር ዝሓጽሩ ቈልዑ ብተወሳኺ ፍሉይ መከላኸሊ ናውቲ፡ መከላኸሊ ህጻን፣ ናይ ቈልዓ መንበር ናይ ማኪና ወይ ክብ መበሊ መንበር ክጥቀሙ ኣሎዎም።

ቈልዑ ኵሉ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓደጋ ከየስተብሃሉ ተሃንጥዮም ንኸባቢኦም ይድህስሱ።

ንስኺ ከም ወላዲት ውላድኪ ንሱ ወይ ንሳ ኣብ ኢንተርነት እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ምስ በዓል መን ይራኸብ ከም ዘሎን ብምልኡ ክትፈልጢ ከቢድ ኾይኑ ይስምዓኪ ይኸውን። መብዛሕትኡ ኣብ ኢንተርነት ዝፍጸም ሓደገኛ ኣይኮነን። ኾይኑ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ቈልዑ ንኣብነት ንምድሃልን ምድፋርን ክቃልዑ ወይ ንሶም ንኻልኦት ንምድሃልን ምድፋርን ከቃልዑ ዘጋጥም እዩ።

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ መራኸቢ ብዙሓን ሽወደን ንውሉድካ ብጽቡቕ ኣገባብ ንኽትድግፎ ዝሕግዘካ ብሮሽርን ፊልምታትን ኣዳልዩ ኣሎ።

በዓል መዚ ድሕነት ሕብረተሰብን ምድላዋትን MSB፡ ብዛዕባ ከመይ ገርካ ዳግመ ምብርባር ልብን ሳንቡእን ከም ትፍጽም ዝገልጽ ክልተ ፊልምታት ኣዳልዩ ኣሎ።

ካብ 1 ዓመት ዝንእሱ ቈልዑ

ካብ 1 ዓመት ዝዓብዩ ቈልዑ