ምኽርን ሓገዝን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 10 2023

ናይ ሓደ ህጻን ኢድ ናይ ሓደ ዓቢ ሰብ መመልከቲቶ ሒዛ ኣላ።

ስእሊ: Colourbox

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕማም ናይ ማሕብራዊ ኣገልግሎት ቈልዑን መንእሰያትን ሓደ ውሑስ ቍልዕነት (ኣተዓባብያ) ንኽህልዎም እዩ። እቲ ስድራ ባዕሉ ክፈትሖም ንዝከበድዎ ዝተፈላለዩ ጸገማት ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ክገብር ይኽእል። ጸገማት ናይ ንስድራ ዝምልከት ሕቶታት፣ ድሮጋ፣ገበን ወዘተ እንተ'ለኪ ኾይኑ ምኽርን ሓገዝን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ሕማቕ ኵነታት ወይ ስቓይ ዘሎ ቈልዓ ወይ መንእሰይ ትፈልጢ እንተ ኾንኪ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትራከቢ ትክእሊ ኢኺ።

ኣገልግሎት ምኽሪ ንወለዲ

ኣብ ሓደ ሓደ ኮሙናት ብዛዕባ ወላዲት ምኳን ሕቶታት እንተ'ለኪ ኾይኑ ክትራከብዮም ትኽእሊ ሓደ ፍሉይ ኣገልግሎት ምኽሪ ንወለዲ ኣሎ።

ሕጊ ክንክን ንመንእሰያት (LVU)

ወለዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ሰብ እቲ ዘድልዮ ወይ ዘድልያ ደገፍ ክህቡ ዘይክእሉ እንተ ኾይኖም፡ ወይ እቲ ቈልዓ ንኣብነት ኣብ ወልፊ ወይ ገበን ኣትዩ ባዕሉ ሓደ ኣዕናዊ ሂወት ይነብር እንተ'ሎ ኾይኑ፡ እቲ ቈልዓ ብመሰረት ሕጊ ክንክን ንመንእሰያት LVU ንኽንክን ክተሓዝ ይኽእል እዩ።

እዚ ንኽትግበር ዝጠልቦ፡ እቲ ዘይቅቡል ኵነታት ነቲ መንእሰይ ኣብ ጥዕንኡ ወይ ምዕባለኡ ዝጎድእ ርኡይ ሓደጋ ከም ዘሎን እቲ ዘድሊ ክንክን ብድልየት ክወሃብ እንተ ዘይተኻኢሉን እዩ።

ከም ጽምዲ (ሰብ ቃል ኪዳን) ወይ ስድራ ኣብ ዝምድናኹም ጸገም ኣለኩም ድዩ? ኣብ ከምዚ ኵነታት ካብ ምኽሪ ንስድራ ቤት ናይ ሓገዝን ምኽርን ምርካብ ዕድላት ኣሎ። ምኽሪ ንስድራ ቤት ምስ ጽምዲ፣ ውልቀ ሰባትን ስድራን ይሰርሕ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምኽሪ ንስድራ ቤት ኣብቲ ናይ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኵሎም ወለዲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ወላዲ ተግባራቶም ሓገዝ ከድልዮም ይኽእል እዩ። ኣብ ናይ ኮሙንኪ መርበብ ሓበሬታ ኣብቲ ኮሙን እንታይ ዓይነት ናይ ወላዲ ሓገዝ ክትረኽቢ ከም ትኽእሊ ሓበሬታ ኣሎ።

እተን ዝበዝሓ ኮሙናት እቲ ቈልዓ ኣብ ዝዓብየሉ ግዜ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲታት ወለዲ የወፍያ።

ኣብ ናይ ወለዲ ትምህርቲ ከም ወላዲት መጠን ምስ ካልኦት ወለዲ ፍልጠትን ተመኹሮን ክትለዋወጢ ትኽእሊ።

ክትፋትሑ እንተ ወሲንኩም እሞ መንኩም መጕዚትነት ቈልዓ ይህልዎ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሕኩም: ምስ ቤ/ጽ ሕጊ ስድራ (familjerätten) ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ መፍትሒ ክትረኽቡ ኪሕግዘኩም ይኽእል'ዩ። እዚ ምስ ዘይከውን እቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ይኸይድ። ቅድሚ ቤትፍርዲ መን ካብ ወለዲ መጕዚትነት ቈልዓ ከም ዚህልዎን: እቶም ደቂ ምስ መን ከም ዚቕመጡን ዚውስን፡ ንቤ/ጽ ሕጊ ስድራ መርመራ ከካይድ ይውከሶ።

ሓደ ማእከል ስድራ ቤት፡ ንስድራ ቤታት ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓይነት ሓገዛት ተኣኪቡ ዝርከበሉ ሓደ ቦታ እዩ። ኣብኡ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን፣ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን ክፉት መውዓሊ ህጻናትን ኣሎ። ከምኡ'ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምኽርን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ናይ ወላዲ ግደ ንምዝታይ ብዙሕ ግዜ ብጕጅለ ምስ ካልኦት ወለዲ ትራኸበሉ ብመራሒ ዝካየድ ናይ ወለዲ ጕጅለታት ንምስታፍ እውን ዕድል ኣሎ።

ክፉት መዋእለ ህጻናት ሓደ ንቈልዑ ዝወሃብ ናይ ጕጅለ ስነ-ምምህርናዊ ንጥፈት እዩ። ክፉት መዋእለ ህጻናት ናእሽቱ ቈልዑን ወለዶምን ወይ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ይቕበል። ኵሉ ሰብ ናብዚ ክመጽእ ቅቡል እዩ፣ ንቦታ ምምልካት እውን ኣየድልየክን እዩ።