መሰላትን ግቡኣትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 10 5 2023

ሕጊ ወላዲ: ንቘልዓን ንስድራን ዚምልከት እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ሕጊ’ዩ። ኣብዚ ሕጊ’ዚ: መሰላት ቈልዓ ምስ ወለዱ: ግቡኣት ወለዱ ከኣ ምስ ቈልዓ ብምዝማድ ተገሊጾም ይርከቡ።

መሰላት ወለድን ቈልዑን ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና

ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ከምኡ'ውን እቲ ቈልዓ: ክልቴኹም ብሓደ ኮይንኩም ኢኹም: ንኽንክን ኣብ ዚምልከቱ ጕዳያት ሓበሬታ ትረኽቡን መርገጽ ትሕዙን። ንኣብነት ኣስተርጓሚ የድልየካ'ዩ ማለት ኪኸውን ይኽእል'ዩ።

መሰላት ወለዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ

ኵላቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዚሰርሑ: ንትሕዝቶን ንጥፈትን ቤት ትምህርቲ ንምምዕባል: ምስ ወለዲ ኪተሓባበሩ ኣለዎም።

እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መንፈቕ ትምህርቲ: ኵነታት ትምህርቲ ተመሃራይ ንምዝታይ: መምህር ንወለዲ ናብ ዝርርብ ምዕባለ ተመሃራይ (utvecklingssamtal) ኪጽውዕ ኣለዎ።

ብመሰረት ሕጊ ወላዲ: ቈልዑ ንኽንክን: ንድሕነትን ጽቡቕ መዕበያን መሰል ኣሎዎም። ቈልዑ ብዅለንትኖኦምን ውልቃውነቶም ብኣኽብሮት ኪተሓዙ ደኣ ኣሎዎም እምበር ንኣካላዊ መቕጻዕቲ ወይ ካልእ ክብሪ ዘጕድል ኣተሓሕዛ ኪቃልዑ የብሎምን።።

ግቡእ ትምህርቲ

ዳርጋ ኵላቶም ኣብ ሽወደን ዚቕመጡ ቈልዑ ግቡእ ትምህርቲ ኣሎዎም። ግቡእ ትምህርቲ ተመሃሮ ማለት: ሓደ ቈልዓ ቅቡል ምኽንያት ንተ ዘይብሉለዉ ብቤት ትምህርቲ ኣብ ዚዳሎ ንጥፈታት ኪሳተፍ ኣለዎ ማለት'ዩ። ናይ ትምህርቲ ግቡእ ዘሎዎ ቈልዓ ዘሎዎም ወለዲ: ውላዶም ግቡእ ትምህርቱ ከም ዘማልእ ኪገብሩ ኣለዎም።

ሓላፍነት ኣለይመለይ

ሓላፍነት መዕበያ ወለዲ: ክሳዕ ቈልዑ 18 ዓመት ዚመልኡ ይቕጽል። ድሕሪ 18 ዓመት ዕድመ ቈልዑ ገና ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተለዉ: ትምህርቶም ክሳዕ ቀጸለ (ማለት እንተ ነውሐ ክሳዕ 21 ዓመት ዚመልኡ): ወለዶም ናይ መዕበያ ሓላፍነት ኣሎዎም።

ከም መዕበያ: መንበሪ ገዛን ምውሳእን ኣብ ዝኣመሰሉ ጕዳያት: ጥቕሚ ቈልዓ ቀዳምነት ኪወሃቦ ይግባእ። ንዕድመን ብስለትን ኣብ ግንት ብምእታው: ኵሉሳዕ ንድላይ ቈልዓ ሓልዮት ኪግበሮ ይግባእ። ንጥቕሚ ቈልዓ ዘርብሕ እንተኾይኑ: እቲ ዕላማ ሓባራዊ መጕዚትነት ኪኸውን ኣለዎ።

መጕዚትነት ቈልዓ

መጕዚትነት ቈልዓ ማለት እቶም ኣለይቲ፡ ዝበዝሕ ግዜ ወለዲ፡ ኣብቱ ቈልዓ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዎም ማለት'ዩ። ቈልዓ ክትኣሊ መሰልን ግቡእን ምህላው ማለት'ዩ። ብመሰረት ሕጊ ቈልዑ ክሳብ 18 ዓመት ዚመልኡ መጕዚት (መዕበዪ) ኪህልዎም ኣለዎም።

ሰነድ ምስክር ኣቦነት

ሓደ ህጻን (ክሳብ 18 ዓመት) ፍቓድ ክረክብ እንኮሎ ኣቦ እንድሕር ምስ ኣደ ምራዑው ዘይኮይኑ ኣቦነት ከረጋግጽ ኣለዎ። እዚ ብዘየገድስ እቲ ኣቦ ኣብ ሽወደን ምስቲ ስድራ ኣሎ ድዪ የልቦን እዩ ዝምልከት። ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ሽማግለ ህዝባዊ ጉዳያት እዮም ናይ ኣቦነት ምርግጋጽ መስርሕ ዘካይዱ፣ ግን ኣብ ገሊኡ ዞባዊ ሽማግለታት ወይ ምምሕዳራዊ ሽማግለታት እውን ከካይድዎ ይኽእሉ። ምስ ምምሕዳርካ ተወከስ ኣብቲ እትነብሮ እንታይ ከምዝምልከት።

ሓባራዊ መጕዚትነት

ሓባራዊ ሞግዚነት ማለት ክልቲኣቶም ወለዲ ኣብ ውላዶም ሓባራዊ ሓላፍነት ኣለዎም ማለት እዩ። ንውላዶም ዚምልከት ጕዳይ'ውን ግድን ብሓባር ኪውስኑ'ለዎም። ክልቲኦም ወለዲ ብሓደ እንተ ዘይተቐመጡ'ውን ሓደ ዓይነት ግቡእ ኣለዎም። መጕዚት እንተ ኾይንካ ብዛዕባ ውላድካ ሓበሬታ ክትረክብ'ውን መሰል ኣለካ። እዚ ማለት: ካብ ቤት ትምህርቲ: ሓለዋ ጥዕና: ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ፖሊስን ካልኦት ትካላት መንግስትን ንውላድካ ዚምልከት ጕዳይ ክትፈልጥ መሰል ኣለካ ማለት'ዩ።

ውልቃዊ መጕዚትነት

ውልቃዊ መጕዚትነት ማለት ሓደ ካብ ወለዲ ጥራይ ሓላፍነት ቈልዓ ኣለዎ: እዚ ወላዲ ከኣ'ዩ ንውልቁ ኣብ'ቲ ጕዳይ ቈልዓ ኪውስን ዚኽእል። ምርዑዋት እንተ ኾይንኩም ኣብ ደቅኹም ብቐጥታ ሓባራዊ መጕዚትነት ኣለኩም ማለት'ዩ። ሰብ ሓዳር እንተ ዘይኮይንኩም ኣብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቦ ቘልዓ መን ምዃኑ ወረቐት ክትመልኡ ኣለኩም። ሽዑ ሓባራዊ መጕዚትነት ትረኽቡ።

ጉድ ማን

ነቶም ናብ ሽወደን ብዘይ ወለዲ ወይ ምስ ብዘይ ካልእ በጽሒ ሰብ ንውልቆም ዚመጹ ቈልዑ ብዓል-ሕድሪ (ጉድማን) ይምዘዘሎም። ጉድማን ኣብ ብሕታዊ ኵነታት ቈልዓ ሓላፍነት ይስከም፤ ኣብ ክንዲ ወላዲ ወይ መጕዚት ከኣ ንጥቕሚ ቈልዓ ቀዳምነት ይህብ።

ሕጊ ስድራ

ክትፋትሑ እንተ ወሲንኩም እሞ መንኩም መጕዚትነት ቈልዓ ይህልዎ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሕኩም: ምስ ቤ/ጽ ሕጊ ስድራ (familjerätten) ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ መፍትሒ ክትረኽቡ ኪሕግዘኩም ይኽእል'ዩ። እዚ ምስ ዘይከውን እቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ይኸይድ። ቅድሚ ቤትፍርዲ መን ካብ ወለዲ መጕዚትነት ቈልዓ ከም ዚህልዎን: እቶም ደቂ ምስ መን ከም ዚቕመጡን ዚውስን፡ ንቤ/ጽ ሕጊ ስድራ መርመራ ከካይድ ይውከሶ።

ኣብ ሽወደን: ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ኣካላዊ ይዅን ስነ-ኣኣእምሮኣዊ መቕጻዕቲ (ዓመጽ) ምጥቃም ብሕጊ ክልኩል'ዩ። እዚ ሕጊ ደቂ ንዘዕብዩ ወለድን ንኣብያተ ትምህርትን ይምልከት።

ቈልዑ ኣብ ዘቤታዊ ገበን ንዝፍጸም ገሊኡ ገበናት ክርእይዎ ወይ ክሰምዕዎ ምቅላዕ ገበን እዩ። ንኣብነት ቈልዑ ኣብ መንጎ ወለዲ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ወይ ኣዝማድ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ምፍርራሕ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ክርእዩ ወይ ክሰምዑ ኣየድልዮምን እዩ። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ወለዲ ዝፍጸም ጐነጽ፡ ኣብ ልዕሊ ቈልዓ እውን ይፍጸም ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ገበን፡ ገበን ጥሕሰት ናይ ቈልዓ ክብሪ (Barnfridsbrott) ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ብማእሰርቲ ድማ ከቕጽዕ ይኽእል እዩ። ናይ ዘቤታዊ ገበን ምስክራት ዝኾኑ ቈልዑ፡ ግዳያት ገበን እዮም፣ ንኻሕሳ ድማ መሰል ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ኣካላዊ ዓመጽ: ዝኾነ ናብ ኣካላት ሰብ ዝቐንዐ ዓመጽ ማለት'ዩ። ጠፍ ኣቢልካ ምህራም: ጸጕሪ ምምንጫጭን ምቕንጣውን ከይተረፈ ከም ኣካላዊ ዓመጽ ይቝጸር።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓመጽ: ምፍርራሕ: ምስንባድ: ምግላል ወይ ንቘልዓ ኣብ ገዛ ምዕጻው ኪኸውን ይኽእል። ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓመጽ: ካብ ኣካላዊ ዓመጽ ብዘይፍለ: ናይ ቈልዓ ርእሰ-ክብርን ምዕባለን ኪጐድእ ይኽእል።

ሓደ ቈልዓ ይጕዳእ ከይህሉ ትሻቐል እንተ ኾይንካ: ምስ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ቈልዓ ዓመጽ ከም ዝወረዶ ናይ ዓይኒ ምስክር እንተ ኾይንካ: ብቝጽሪ ስልኪ 114 14 ንፖሊስ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።