ምግዓዝ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 2 2023

ሓደ መንበሪ ምስ ረኸብካ፡ ብዙሕ ዝሕሰብ ኣሎካ። ኣብዚ ብዛዕባ ክትፈልጦም ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ሓበሬታ ትረክብ።

ናይ ቅድሚ ሕጂ ውዕል ክራይ ሰርዞ

ካብ ሓደ ናይ ክራይ ገዛ ትግዕዝ እንተ ኣሎኻ ኴንካ፡ ነቲ ውዕል ምስራዝ ከድልየካ እዩ። እቲ ናይ ውዕል ምስራዝ ግዜ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካረይቲ ይፈላለ እዩ። ሓደ ምኽሪ፡ ነቲ ውዕል ብጽሑፍ ምስራዙ እዩ።

ህዝባዊ ምዝገባ፡ ምቕያር ኣድራሻን ተቐቢልካ ናብ ሓድሽ ኣድራሻ ምልኣኽን

ህዝባዊ ምዝገባ፡ ኣብ ሽወደን ከም ነባሪ ኣብ ሓንቲ ኮሙን ኣብ ብዓል መዚ ግብሪ ምምዝጋብ ማለት እዩ። ብዙሓት ዘለዉኻ መሰላትን ግቡኣትን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ኣብ ምዃንካ ዝተመርኮሱ እዮም። ንኣብነት ናይ ሓደ ሓደ ቍጠባዊ ሓገዛትን ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ክትመርጽ ንምኽኣልን መሰል ንኽህልወካ፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብኻ ክትከውን የድልየካ እዩ።

ክትግዕዝ ከለኻ፡ ሓደ ናይ ምግዓዝ ምልክታ ኣብ ብዓል መዚ ግብሪ ምግባር ኣሎካ። ነቲ ናይ ምግዓዝ ምልክት ትገብሮ፡ እቲ ህዝባዊ ምዝገባኻ ልክዕ ንኽኸውንን ጶስጣካ ናብቲ ሓድሽ ኣድራሻ ንኽመጸካን እዩ። ከምኡ'ውን ጶስጣኻ ተቐቢሎም ናብቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ንምልኣኽ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ኣድራሻኻ ዝለኣኽ ጶስጣ፡ ተቐቢሎም ናብቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ይልእኩልካ ማለት እዩ። ተቐቢልካ ናብ ሓድሽ ኣድራሻ ምልኣኽ ካብ ናይ ሽወደን ምቕያር ኣድራሻ (Svensk Adressändring) ክእዘዝ ይከኣል እዩ።

ውዕልን ወርሓዊ ዓሚልነትን

ብዙሓት ክትቅይሮም ወይ ክትስርዞም ዘድልዩኻ ውዕላትን ወርሓዊ ዓሚልነትን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ውዑላት ናይ መሰረዚ ግዜ ወይ ቀያዲ ግዜ ከም ዘለዎም ዘክር። ስለዚ ቅድሚ ምግዓዝካ ኣቐዲምካ ምስራዞም ጽቡቕ እዩ። እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ናይ ክቕየሩ ወይ ክስረዙ ከድልዮም ዝኽእል ውዑልን ወርሓዊ ዓሚልነትን እዮም፡

  • ወርሓዊ ዝኽፈል ኵንትራት ቀዋሚት ተሌፎን (ናይ ሞባይል ዘይኰነ)
  • ናይ ኢንተርነት ወርሓዊ ዓሚልነት
  • ዝኽፈሎም ናይ ተለቪዥን ካናላት
  • ናይ ኤለክትሪክ ውዕል
  • መዓሸጊ ማኪና
  • ላርም
  • መድሕናት

ናይ ገዛ መድሕን

ንዓኻን ንኣቑሑትካን ውሕስነት ዝኾነካ ሓደ መድሕን ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሽወደን ዳርጋ ኵሉ ገዛውቲ ናይ ገዛ መድሕን ኣለዎ። ሓደ መድሕን ገዛ፡ ኣቑሑትካ እንተ ተሰሪቖም ወይ ኣብ ባርዕ ሓዊ ተበላሽዮም ወይ ብማይ ተበላሽዮም፡ ናቶም ካሕሳ ከውህበካ ዝኽእል ሓደ መሰረታዊ ውሕስነት እዩ። ከምኡ'ውን እቲ ናይ ገዛ መድሕን ንዅሎም ኣብቲ ውዕል መድሕን ኣትዮም ዘለዉን ኣብቲ ገዛ ዝነብሩን ሰባት ውሕስነት ይህብ እዩ። ብተወሳኺ ናይ ገዛ መድሕናት ካልእ ገዲፍካ ትሕዝቶ ናይ መገሻ ውሕስነት ኣሎዎም።

ናይ ምግዓዝ ምጽርራይን ፍተሻን

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ቪላ፡ ሓደ ኮንዶሚምዩም ወይ ሓደ ናይ ክራይ ገዛ ትቕመጥ ኩን ብዘየገድስ፡ ካብ ሓደ መንበሪ ክትወጽእ ከለኻ ናይ ምግዓዝ ምጽራይ ሓላፍነት ኣለካ። ሓደ ናይ ምግዓጽ ምጽራይ፡ ካብቲ ናይ ሰሙናዊ ምጽራይ ኣዚዩ ዝሰፍሐን ብዙሕ ግዜ ዝወስድን እዩ። ናይ ምግዓዝ ምጽራይ ባዕልኻ ከተጽርዮ ወይ ንሓንቲ ትካል ክትቈጽር ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ምግዓዝ ምጽራይ፡ ጽቡቕ ጌይሩ እንተ ዘይጸርዩ፡ ሓደ ካሕሳ ናይ ምኽፋል ዕዳ ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ከም ልሙድ ሓደ መንበሪ እቲ ተኻራያይ ክግዕዝ ከሎ ይፍተሽን ምናልባት ብልሽታት እንተ'ሎ ኾይኑ ሓደ ቅዳሕ ናይ ውዕል ይጽሓፍን። ሓደ ተኻራያይ ኣብ ሓደ ገዛ ንዘጋጠሙ ብልሽታት ክኽሕስ ክሕተት ይኽእል እዩ።

እቲ ሓድሽ ገዛ

ኵሎም መፋትሕ ናይቲ ሓድሽ ገዛኻ ክትወሃብ ኣገዳሲ እዩ። ናብ ሓደ ናይ ክራይ ገዛ እንተ ዄንካ ትግዕዝ ዘሎኻ፡ ምእንቲ ዘይተፈለጡ ብልሽዋት ኣብቲ ገዛ ከይህልዉ፡ ነቲ ናይ ፍተሻ ቅዳሕ ናይ ውዕል (besiktningsprotokoll) ምስ እቲ ገዛኻ ከተረኣእዮ ጽቡቕ እዩ።