Vansbro
ቫንስብሩ፡ ብሉል ኣውራጃ ዳላርና እትፍለጥ ከተማ እያ። እዚ ምምሕዳር ከባቢ’ዚ ኣርባዕተ ንኡሳን ከተማታትን ብርክት ዝበላ ዓዲታትን ይሓቁፍ። ዝነኣድ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ጥጡሕነትን ቅርበትን ገለ ካብ ጸጋታት ናይዚ ምምሕዳር ከባቢ እዩ። ኣብተን ኣካል ናይ’ዚ ምምሕዳር ከባቢ’ዚ ዝኾና ከተማታትን ዓዲታትን ድኳናት፡ ኣገልግሎት ፖስጣ፡ ስሉጥ መጎዓዝያን ኣብያተ-ትምህርታትን ይርከበን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
6794
ስፍሓት መሬት
1657 ኪሜ²
መንበሪ-ገዛ
ኣብ ከተማ ቫንስብሩ፡ ብርክት ዝበላ ዝካረ ኣባይቲ ኣሎ። እታ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ቫንብሩሄም ትበሃል። ብዜካ'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ኣለዋ።
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ኣብ ከተማ ቫንብሩ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኮኑ ነባሮ ኣለዉ። ኣብዚ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታት ንምጥቃስ፡ ዓረበኛ፡ ሶማለኛ፡ እንግሊዘኛ፡ ትግርኛ፡ ዳሪ፡ ታይን ይርከቡዎም።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብ ከተማ ቫንስብሩ፡ ብዜካ'ተን ኣብቲ ከተማ ኣብ መዳይ ባህልን ስፖርትን ዝነጥፋ ማሕበራት፡ ጨንፈር ማሕበር ሶማላውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሽወደን ውን ኣብታ ከተማ ይርከብ።
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ኣብተን ኣካል ምምሕዳር ከተማ ቫንስብሩ ዝኾና ንኣሽቱ ዓድታት፡ ዳኳናት፡ ፋርማሲ፡ መሐንበሲ-ማእከል፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ቤት-ጽሕፈት ማእከል ምሕብሓብ ውልቀ-ሰባትን ስድራቤታትን፡ ማእከል ትያትር፡ እንዳ-ሻሂታት፡ ሲነማን ይርከብ። ኢሪክስሄልፐን ከምኡ ውን ቡመራንገን ዝተባህላ ክልተ ዘገልገለ-ንብረትን ክዳውንትን ዝሽየጠለን ድኳናት ውን ኣብዘን ከባቢታት ይርከባ። ኣብ ድኳን ኣፐልቡ፡ ዘገልገለ ክዳውንትን ኣቍሑ ገዛን ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብ መዳይ ክንክን ቆልዑ ኣብ ከተማ ቫንስብሩ ብርክት ዝበላ ኣማራጺታት ኣለኩም። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ክትኣትዉ ትኽእሉ።
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ኣብ ኩሉ ከባቢታት ምምሕዳር ከተማ ቫንስብሩ፡ መባእታዊ ትምህርቲ ክሳብ ሓሙሻይ ክፍሊ ዝአንግዳ ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ትምህርቲ ግና፡ ኣብታ ኣብ ቫንስብሩ እትርከብ፡ ስሜድባሪስ-ስኩላን ዝተሰምየት ቤት-ትምህርቲ ጥራይ ኣሎ። መደብ ትምህርቲ ንዓበይትን ካልኣይ ደርጃ ትምህርትን ኣብ ቫንስብሩ ይርከብ። እዚ ትምህርቲ'ዚ ኣብ ማእከል ትምህርቲ ቫንስብሩ፡ ይወሃብ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ)፡ ናብ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርቲ ንምቕጻል ዘድልየኩም ኮርሳት ብርሕቀት ውን ክትመሃሩ ትኽእሉ።
ዕድላት ትምህርቲ
ኣብ ከተማ ቫንስብሩ፡ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ትምህርቲ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ከምኡ ውን ነቶም ናይ ምምሃር ጸገማት ዘለዎም ተመሃሮ ዝቐንዐ ፍሉይ መደባት ትምህርቲ ይርከብ።
Hälso- och sjukvård
ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ምምሕዳር ከተማ ቫንስብሩ፡ ተርጓሚ ምስ ዘድልዮ፡ ካብቶም ብትካል ቶልክሰንተር ቡርለንገ ተቀጺሮም ዝሰርሑ ተርገኦምቲ ክቆጽር ይኽእል።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
መጎዓዝያ ካብን ናብን ከተማ ቫንስብሩ ስሉጥ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ኣገልግሎት መጎዓዝያ ብኣውቶቡሳት ጥራይ ዝተባሕተ እዩ። ካብ ቡርሌንገ ባቡር ጌርኩም ናብ ስቶክሆልም፡ ዮተቦሪ፡ ማልሞ፡ ቬስተሮስ፡ ኦረብሩን ያቭለን፡ ክትከዱ ትኽእሉ።
ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ኣብ ከተማ ቫንስብሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንግዳዊ ጽልታት (ዕድጊ፡ ኢንዱስትሪ፡ ሜድያ፡ ኢደ-ጥበብ) ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱ ትካላት ይርከባ። ትካል ክምስርት ዝደሊ ወይ ውን ንንግዳዊ ጽላት ዝምልከት ሕቶታት ዘለዎ ሰብ፡ ምስ ክፍሊ ንግዳዊ ንጥፈታት ምምሕዳር ከተማ ቫንስብሩ ክራኸብ ይኽእል።
ኣብ ከተማ ቫንስብሩ ካብ ዝርከቡ ዓነይቲ-ወሃብቲ ስራሕ፡ ምምሕዳር ከተማ፡ ኦርክላ ፉድስ፡ ስቬደን ትሬን ሊኮን ይርከብዎም።