Boden

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 30 11 2022

ቡደን ዳርጋ ናብ ኩሉ ቀረባ ዝኾነት ከተማ እያ። ኣብዚ ኣብ ሓደ ኮምዩን፡ ከተማውን ገጠራውን ህይወት ኣሎ። ኣብ ቡደን ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ፡ ብሕሱር ኪንበር ድማ ይከኣል እዩ። ኣብ ከባቢ ናይታ ከተማ ነኣሽቱ ግን ሓያል ናይ ዋኒን መንፈስ ዘለወን ገጠራት ኣለዋ።

Kommunens logotype

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ቡደን መንበሪ ቤት ክትካረ ወይ ክትዕድግ ትኽእል። ክትካረ ምስ እትደሊ ኮሙናዊ ዝኾነ BodenBo ዚብሃል ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ናይቶም ኣብ ቡደን ዚርከቡ ኩሎም ኣካረይትን ደልደልቲ መንበሪ ኣባይትን ዝርዝር ኣሎ።

ቡደን ነቶም ብሚግራሹንቨርከት መንበሪ ኣባይቲ ዚረኽቡ ሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ተቐባሊት ኮምዩን ድማ እያ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ሽወደን ዚዝረቡ ቋንቋታት፡ ዳሪ፡ ፋርስ፡ ሶማሊ፡ ዓረብ፡ ፈረንሳ፡ ትግርኛን ሩስያን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ቡደን ኩሉ ካብ ስፖርታዊ ማሕበራት ጀሚርካ ክሳዕ ባህላዊ ማሕበራት ከምኡውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ማሕበራት ኣለዋ። ስለዚ ፉትቦል እንተ ደለኻ፡ መዝሙር እንተ ደለኻ፡ ቲፎዞ፡ ቸስ ወይ ዝኾነ ካልእ እንተደሊኻ፡ ንዕኡ ዚኸውን ማሕበር ኣሎ። መብዛሕትአን ማሕበራት ኣብቲ ናትና ደብተር ማሕበራት ክትረኽበን ትኽእል።

ኣብ ቡደን ናይ ሶማሊ ማሕበርውን ኣሎ። ከምኡውን ናይ ኣፍጋኒስታን ማሕበር ኣሎ። ብ studieförbundet ABF ጌርካ እትረኽቦ ናይ ሕብረ-ባህላዊ ማሕበር እውን ኣሎ።

ABF

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ቡደን ሚግራሹንቨርከትን ቤትጽሕፈት ዕዮን ኣሎ። እቲ ኮምዩን ምስ ሰበስልጣን ኣብ እትገብሮ ርክብ ዚሕግዘካ ወይ ምስ ሕቶታትካ ናብቲ ዚምልከቶ ኣካል ዚመርሓካ ናይ በይኑ ናይ ምውህሃድ ኣሃዱውን ኣለዎ።

ኣብ ማእከል ቡደን ቤትንባብን ብዙሕ ድኳናትን ኣሎ። ሕሱር ኣቕሑ ገዛን ክዳውንትን እትዕድገሉ ሰከንድሃንድ ቡቲካትውን ኣሎ። ኣብ ማእከል ቡደን፡ ኩፓን እተባህለ ናይ ቀዪሕ መስቀል ቡቲክን ናይ እተሓደሰ ኣቕሑ ዕዳጋን ኣሎ። ካብቲ ሰንትሩም ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ናይ ፐንተኮስት ቤትክርስትያን ሰከንድሃንድ ቡቲክ ኣሎ።

ብዙሓት ግሮሰሪታትውን ኣለዉና፡ ሒደት ንምጥቃስ፣ Willys, ICA ከምኡውን Coop።

ናይ ካልኣይ ኢድ (ሰከንድ ሃንድ) ዱኳን

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ቡደን ኮሙናውን ብሕታውን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ውላድካ ኣብቲ ቤትትምህርቲ ህጻናት ንኺጅምር ቦታ ክትደልየሉ ይግባእ። ነዚ ከኣ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ክትጥቀም ትኽእል። ንኸተመልክት ሓገዝ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን ነቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ክትውከሶ ይከኣል። ገለ ናይ ቀትሪ መደባት ከም ናብ ህጻናትን ወለድን ዝዓለመ ናይ መዝሙር ግዜ ኣለዎም እንተ ኾይኑ ንምፍላጥ ምስ ቤትክርስትያንካውን ክትዛረብ ትኽእል።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ቡደን ን 6 ክሳዕ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ዘገልግላ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ቋንቋ ኣደኡ ሽወደን ዘይኮነ ህጻን ኣብቲ መዳለዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኪጅምር ይኽእል፡ ብድሕሪኡ ናብቲ መደበኛ ይሓላፍ።

ኣብ ቡደን ን 16-20 ዝዕድመኦም ዘገልግል ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብዚ ከከም ድሌታትካ እተፈላለየ መደባት ክትመርጽ ትኽእል፡ ንኣብነት፡ ተክኒክ፡ ሙዚቃ፡ ማሕበራዊ ናብራ፡ ተሽከርካሪ ወይ ክንክን ጥዕና። ብዛዕባዚ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ናይ ብዮርክነስ ዪምናስዩም ወብሳይት ክትረክብ ትኽእል። ናይ ኣደኻ ቋንቋ ሽወደን ምስ ዘይከውን ኣብቲ መዳለዊ ክላስ ክትጅምር ይግባእ።

ዕድላት ትምህርቲ

ከም ዓቢ ወይ በጽሒ ብብዙሕ መገዲ ክትምሃር ትኽእል። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ለረሰንትሩም ንኣኻ ከም ሓዲሽ መጻኢ ብዙሕ ኮርሳት ኣሎ።ኣብኡ ኤስኤፍኢ፡ ሽወደን ንወጻእተኛታት ክትወስድ ትኽእል። ቋንቋ ኣደኻ ሽወደን ምስ ዘይከውን ናብ ጠለባትካ ዝዓለመ ስልጠና ክትወስድ ትኽእል።

ካብ ቡደን ናብ ሉለዮ ዩኒቨርሲቲ ቀረባ እዩ። ኣብኡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ክትቅጽል ትኽእል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ቡደን ኣርባዕተ ማእከላት ጥዕና ኣሎና፡ ኣብ ብዮርክነስ፡ ሳንደን፡ ኤሪክስሉንድን ሃራድስን ከኣ እየን ዚርከባ። እቲ እትቕመጠሉ ቦታ ኣበየናይ ማእከል ጥዕና ክትከይድ ከም ዘሎካ ይውስኖ እዩ። ኣብ መብዛሕተአን ማእከላት ጥዕና ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒካት ይርከብ እዩ። ኣብ ብዮርክነስ ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ካብ ቡደን ውጽእ ኢልካ እቲ ናይቲ ወረዳ ዝዓበየ ሱንድበሪ ሆስፒታል ዚብሃል ኣሎ። ኣብዚ ኣብ እተፈለየ ጽፍሕታት ክኢላታት ሓከምቲ ኣለዉ። ናብዚ ሆስፒታልዚ ኬድካ ንምሕካም ቅድም ነቲ ናይ ከባቢኻ ናይ ማእከል ጥዕና ሓኪም ክትውከሶ ይግባእ።

ምሸት ወይ ቀዳመሰንበት ምስ እትሓምም እሞ ሓገዝ ምስ እትደሊ ምኽሪ ንምርካብ 1177 ክትድውል ትኽእል።

እቲ ሕማምካ ግዜ ዘይህብ ምስ ዚኸውን ግን ኩሉ ግዜ ናብ 112 ደውል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ትካላት ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ቡደን ካብ ጥቓቲ መነሃርያ ባቡራት ዚርከብ ናይ ኣውቶቡሳት መነሃርያ ዚብገሳ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ብባቡር ጌርካውን ናብ ኪሩና ወይ ኡመዮ፡ ስቶክሆልምን ደቡብ ሽወደንን ክትከይድ ትኽእል።

ኣብ ቡደን ናይቲ ከባቢ ኣውቶቡሳትውን ኣለዋ። ኣብቲ ናይቲ ሎካል ትራፊክ ወብሳይት ብዛዕባ ናይ ኣውቶቡሳት ሰዓታትን ዝወስድኦ መገድታትን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ሉለዮ መዓርፎ ነፈርቲ 42 ኪሎመተር ካብ ቡደን ርሒቑ ይርከብ። ካብኡ ተላዒልካ ናብ ውሽጥን ወጻእን ሽወደን ክትበርር ትኽእል።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝያዳ ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እታ 2500 ሰራሕተኛታት ዘለዋ ናይ ቡደን ኮምዩን እታ ዝዓበየት ወሃቢት ስራሕ እያ። ኣብዚ ንሓጺር ወይ ነዊሕ እዋን ከም መተክእታ ኴንካ ስራሕ ኣብ ንኣብነት ክንክን ኣረጋውያን ኪርከብ ይከኣል። ኣብቲ ኮምዩን ናይ ምክልኻል ሚኒስተር ኣሎ። ንሱ ካብቶም ዓበይቲ ወሃብ ስራሕ እዩ።

ናይቲ ኮምዩን ዝዓበየ ብሕታዊ ወሃብ ስራሕ፡ ኢንረ ክራፍት ዚብሃል ትካል እዩ።

ናይ ውልቅኻ ዋኒን ክትጅምር ምስ እትደሊ ካብቲ ኤንተርፕረነርስሰንትሩም ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።