Gällivare
የሊቫረ 100 ኪ/መ ልዕሊ ቅናት ሰሜናዊ ዋልታ ትርከብ። ኣብቲ ኮምዩን ልዕሊ 18,000 ሰባት ይነብሩ፡ ጥቓ ስራሕ፡ ጥቓ ኣገልግሎትን ተፈጥሮን። ኣብዚ፡ ሆስፒታልን፡ ግሩም ክንክን ህጻናትን፡ ኣብያተትምህርትን ሃብታም ማሕበራዊ ህይወትን እተፈላለየ ዓይነታት ባህልን ይርከብ። ኣብ ልዕሊ እቲ እተፈላለየ ቁጠባዊ ህይወት፡ ዕደና ንዓሰርተታት ዓመታት መሰረት ቁጠባዊ ህይወት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
22906
ስፍሓት መሬት
20553 ኪሜ²
ኣብዚ፡ እቲ ዝዓበየ ማሕበረሰብኣዊ ለውጢ ይካየድ ኣሎ። ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ 20 ዓመታት 250,000 ትርብዒት ሜተር መንበሪ ኣባይቲ፡ ኮሙናዊ ንጥፈታትን ንግዳዊ ህንጻታትን ኪስራሕ እዩ።
መንበሪ-ገዛ
ኣብ የሊቫረ ሓያል ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሕጽረት ኣሎ። እዚኣተን ትካላት ክራይ ኣባይቲ ኣየን፤ Topbostäder, HSB, Riksbyggen, Hemåt fastigheter, LKAB fastigheter och Focusfastigheter ። ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ፡ ኣብቲ ትካል ኬድካ ብቕልጡፍ ሪጋ ሓዝ።
ዝርዝር ናይ ኣካረይትቲ
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ኣብ የሊቫረ እዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይዝረባ፤ ሽወደን፡ ሳሚስካ፡ ቶርነዳልፊኒስካን ፊኒስካን። ካብተን በቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዚዝረባ ድማ፤ ዳሪ፡ ፋርስ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ እንግሊዝ፡ ሩስያን ታይላንድን።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብ የሊቫረ እተፈላለየ ናይ ዕረፍቲ መዘናግዒ ዘለዎ ሃብታምን ንጡፍን ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ፡ ከም ንኣብነት፡ ናይ ስፖርትን ሙዚቃን ትያትርን ስነጥበብን ትልሂትን ባህልን ፖለቲካን ማሕበራት። ኣብ የሊቫረ ብዙሓት ኣብያተክርስትያን ኣለዋ፤ ሽወደናዊ ቤትክርስትያን፡ ቨስተለስታዲያን ቤትጸሎት፡ ፐንተኮስ ቤትክርስትያን፡ ናይ ድሕነት ሰራዊት፡ ናይ የሀዋ መሰኻኽር፡ ሚስዮን ቤትክርስትያንን ኒት ሊቭን። እቲ ዝቐረበ መስጊድ ኣብ ሉለዮ ይርከብ።
ኣብ ማሕበር ንጡፍ ምዃን ደስ ዘብል እዩ፡ ምስ ብዙሓት ተመሳሳሊ ግዳሴ ዘለዎም ሰባት ከኣ ትራኸብ። ብዙሓት ማሕበራት ንህጻናትን መንእሰያትን ዚምልከት ንጥፈታት ኣለወን። ንኣኻ ዚሰማማዕ ማሕበር ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ናይ ምውህሃድ ኣተሓባባሪ ብተለፎን ርኸቦ ወይ ከኣ ናብዚ ኢመይል ግበር፤integration@gallivare.se.
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ኣብ የሊቫረ ሰንትሩም ድኳናት፡ ሚግራሹንቨርከት፡ ቤትጽሕፈት መድህን፡ ቤትጽሕፈ ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ መሐምበስን ቤትንባብን ይርከብ። ኣስታት ሓደ ኪ/መ ካብ የሊቫረ (ICA, COOP ወዘተ.) ኣሎ። ኣውቶቡሳት ካብ የሊቫረ ሰንትሩም ይብገሳ።
ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብ የሊቫረ ክንክን ህጻናት ኣሎ። ትሰርሕ ወይ ትመሃር ወይ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ምስ ዚህልወካ ወይ ስራሕ ትደሊ ምስ እትኸውን ንውላድካ ኣብቲ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ከተመዝግቦ ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ከመይ ጌርካ መጠየቕታ ከም እተቕርብን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ይርከብ። ብዛዕባ ጌርካ ከም ዚጥየቕ ንኽትፈልጥ ሓገዝ ምስ እትደሊ ነቲ ናይ ምውህሃድ ኣተሓባባሪ ብተለፎን ርኸቦ ወይ ከኣ ናብዚ ኢመይል ግበር፤integration@gallivare.se.
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ኣብ የሊቫረ ኮምዩን ናይ ትምህርታዊ ዓመት 1-9 ዝኾና ብዙሓት መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።
እቲ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣብ ተክኒክ የተኩር፡ ኩሉ ተመሃራይን መምህርን ከኣ ላፕቶፕ ይጥቀም። ኩሉ ተመሃራይ ድማ ናብ ኮለጅ ዘእትዎ ኮርሳት ኪወስድ ተኽእሎ ኣለዎ።
ዕድላት ትምህርቲ
ኣብቲ ኣስታት 5 ኪ/መ ኣብ ሰሜን የሊቫረ ዚርከብ ማልምበርየት ንሓደስቲ መጻእቲ ዝዓለመ ኮምቩክስ፡ ኤስኤፍኢን ኮለጅን ናይ ማሕበረሰብ ምልላይን ትምህርቲ ኣሎ።
ኣገልጎት ጥዕና
ኣብ የሊቫረ፡ ሆስፒታል፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታትን መንእሰያትን ህጻናትን ክሊኒካትን ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐበልን ሕክምና ስንን ኣሎ።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ኣብ የሊቫረ ናይ በረራን ባቡርን ኣውቶቡስን መራኸቢ መስመራት ኣሎ። ክሳዕ ስቶክሆልም ብነፋሪት 2፡30 ሰዓት ይወስድ። ባቡር ንሉለዮ 2፡30 ሰዓት ይወስድ፡ ንኪሩና ድማ ሓደ ሰዓት። ኣብ መንጎ የሊቫረ ሰንትሩምን ማልምበርየትን መዓልታዊ ናይ ኣውቶቡስ ጕዕዞ ኣሎ።
ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ናይ የሊቫረ ዝዓበዩ ወሃብቲ ስራሕ፡ ናይ የሊቫረ ኮምዩን፡ ኤልኮኣበ (LKAB)፡ ቡሊደን (Boliden) ከምኡውን ዞባ ኖርቦተን እዮም። የሊቫረ ኣብ ተክኒክ፡ ኢንዱስትሪ ዕደናን ኣገልግሎት ዝህባን ብዙሓት ናእሽቱ ትካላት ኣሎዋ።