Simrishamn
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 22 1 2021
ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይ ስኮነ ኩርናዕ ኣብ ሕምብርቲ ኦስተርለን ትርከብ ሲምሪስሃምን ኮምዩን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
19,429ስፍሓት መሬት
1,254 ኪሜ²ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት
- Lund 78 ኪሜ
- Kristianstad 79 ኪሜ
- Malmö 93 ኪሜ

ስእሊ: Jutta Jönsson
ኣብዚ ሃብታም ተነጻጻሪ ባህሊ ዘለዎ ምምሕዳር ከተማና ብዙሓት ናእሽቱን ማእከሎትን ከተማታት ኣለዋ። ኣብ ደቡብ ሰፊሕ ሕርሻ ዘለዎ ለሰ ኣሎ፡ ኣብ ሰሜን ድማ ዱርን ኩርባታት ዝበዝሖ መሬትን ኣሎ። እቲ ገማግም ባሕሪ ሰፋሕቲ ሑጻዊ ገማግምን ኣኻውሕን ከምኡ'ውን ዝለዋወጥ ባህሪ ዘለዎ ኾይኑ፡ ኣብ መንጎ ድማ ነኣሽቱ ባህርያውያን ናይ ዓሳ ዚገፋፍቲ ቁሸታት ኣለዋ። ጥቓ ባሕሪ ብምዃንና ኩነታት ኣየር ጥዑም እዩ፡ እዚ ድማ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ይስሕበልና። ኣብዚ ኮምዩን ልዕሊ 3,000 ዋኒናት ኣለዋ፡ ሓደ ሲሶ ወነንቲ ትካል ድማ ደቂኣንስትዮኣንስቲ እየን፡ ኣብ ምጅማር ሓደሽቲ ትካላት ኣብዚ ሃገርዚ ንሕና ዝበለጽና ኢና።
መንበሪ-ገዛ
ኣብቲ ኮምዩን ዝዓበየ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓዳሪ እቲ ኮሙናዊ Simrishamnsbostäder እዩ፡ ግን ብዙሓት ናይ ኣባይቲ ትካላትን ኣወዓዓልትንውን ኣለዉና።

ስእሊ: Ivar Svensson
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ቋንቋታት ይዝረብ፡ ከም ዓረብ፡ ዳሪ፡ ኣልባንያ፡ ፍረንሳ፡ እንግሊዝ።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ስእሊ: Folke Graff
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ዳርጋ ኩሉ ዘድሊ ዝበሃል ነገር ኣሎ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ቤት-ንባብ፡ ድኳናት መዓልታዊ ኣስቤዛ፡ ካልእ ኣገልግሎታት ዝህባ ድኳናት ቡቲካትን ይርከባ። ብዜካ'ዚ፡ ማእከላት ስፖርታዊ ንጥፈታትን ብርክ ዝበለ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታትን ዝአንግዳ ማሕበራትን ይርከባ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ከም ዘሎን ካልእ ዝርዝራትን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ስእሊ: Folke Graff
ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።
ዕድላት ትምህርቲ
ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ስእሊ: Brita Martinsson
ኣገልጎት ጥዕና
ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ኣድላዪ ምስ ዚኸውን ናብ ኣገልግሎት ተለፎን 042-13 96 44 ደውል።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ናይ Skånetrafikens ኣውቶቡሳት ንኹሉቲ ኮምዩን የገልግላ፡ እታ ናይ ስኮነ ቅልጥፍቲ ኣውቶቡስ ድማ ናብ ክሪስትያንስታንድ ወይ ሉንድ ትወስደካ። ናይ ስኮነትራፊከን ምቾት ዘለወን ባቡራት ብኢስታድ ገይረን ክሳብ ማልመ ይኸዳ። ኣብ ቀረባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎና፤ ማለመ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ክሪስትያንስታድ-ኦስተርለን መዓርፎ ነፈርትን ኮፐንሃገን መዓርፎ ነፈርትን።

ስእሊ: Bengt-Åke Larsson
ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ናይቲ ኮምዩን ቁጠባዊ ህይወት ኣብ ኩሉ ሰክተር ብእተዋፈራ ብነኣሽቱን ማእከሎትን ዋኒናት ዝተዓብለለ እዩ። እተን ዝዓበያ ዋኒናት እዘን ዚስዕባ እየን፤ Plastal, Praktikertjänst, Kiviks musteri, Nordic Sea Winery, Gärsnäs och Skillinge Fisk-Impex.

ስእሊ: Ivar Svensson