Norberg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 30 11 2022

ኖርበርይ ናይ ዕደና ኮምዩን እዩ፡ ካብተን ናይዚ ሃገር ጥንታውያን ናይ ዕደና ቦታ ከኣ እዩ። እቲ ኮምዩን ብከተማታት ኖርበርይ፡ ሸርግሩቫንን ካርበኒንግን ካልኦት ሓያሎ ናይ ዕደና ቁሸታት ዝቖመ እዩ።

Kommunens logotype

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ኮምዩን ኣብ ቨስማንላንድ ሰሜናዊ ክፍሊ ኮይኑ ምስ ፋየርስታን ሳላን ከምኡውን ሳላን ዳላርናን (ስመድየባከን፡ ሀደሙራን ኣቨስታን) ይዳወብ። እቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ መሬት ብዱርን ሕርሻን እተሸፈነ እዩ፡ ቀላያትውን ብዙሕ እዩ። 80% ካብቲ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይነብር።

መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ኮሙናውን ብሕታውን መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኖርበርይ ኮምዩን ወብሳይት ጥርሑ ኣፓርትማን ሓበሬታ ብዛዕባ ኣካረይትን ክትረክብ ትኽእል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኖርበይ እዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይዝረባ፤ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ሶማሊን ዳሪን ወዘተ. ብዝሒ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ብምምጻእን ምኻድን ስደተኛታ ይጽሎ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኖርበርይ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ናይ ኢደጥበብን ስፖርትን ካልእን። ንመንእሰያት ዚምልከት ከኣ ናይ ኵዕሶ እግሪ፡ ምንሽርታትን ብሽግለታን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኖርበርይ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ እተን ንጡፋት ማሕበራት ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣንብብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኖርበርይ ዚርከቡ፤ፋርማሲ፡ ባንክ፡ ቤትንባብ፡ ማእከል ጥዕና፡ ሕክምና ስኒ፡ 2 ዓበይቲ ግሮሰሪታት፡ ናይ መጻወቲ ድኳን፡ ቨተሪነሪ፡ ሓደ ፍሉጥ እንዳ ከይክ፡ ኤልሳ ኣንደሾን እንዳ ከይክ፡ ካፈ፡ ሰከንድሃንድ ድኳናትን ኣብያተመግብን። ዝቐረበ ናይ ኢከያ ድኳን ኣብ ቨስተሮስ እዩ። ዪስክ Jysk ኣብ ኣቨስታ ኮምዩን ይርከብ። ኣብያተጽሕፈት ዕዮን፡ መድህንን ቀረጽን ኣብ ፋየርስታ ኮምዩን ይርከቡ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኖርበርይ ሓሙሽተ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ሓደ ከኣ ብሕታውን ኣሎ። ብዛዕባ ኩሉ ብተወሳኺ ኣብ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ከተንብቦ ትኽእል። ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ምስ ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ብምትሕብባር ይሰርሕ።

ንቅሩብ ዕብይ ዝበሉ ህጻናት ድማ ናይ መንእሰያት ንጥፈታት ኣብ ማእከል መንእሰያት ኡንካን ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኖርበርይ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ከምኡውን መባእታ ቤትትምህርቲ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ይርከብ። ከምኡውን ኣብ ፋየርስታ ኤስኤፍኢ sfi ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ንዓበይቲ እውን ምስ ፋየርስታ - ከምኡውን ምስ ኺንስካተበርይ ኮምዩን ብምትሕብባር እዩ ዚካየድ።

ኣገልጎት ጥዕና

ማእከል ጥዕናን ህዝባዊ ሕክምና ስንን ኣብ ማእከል ኖርበርይ ይርከብ። ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክ ከምኡውን ፋሚልየሰንትራለን "Lärkan" ኣብኡ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ኮምዩን ንቨስትማንስላንድ ናይ ትርጁማን ኣገልግሎት እዩ ዚውከስ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ብዛዕባ ናይ ቨስትማንላንድ መራኸቢታት ሓበሬታ - ባቡርን ኣውቶቡስን፡ ኣብ Västmanlands Lokaltrafik. ርኸቦ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኖርበርይ ከባቢኡን ዚርከቡ ክፉታት ናይ ስራሕ ቦታትት ኣብ Platsbanken ርኸቦ።