Borås
ቡሮስ ብዙሕ ገጻት ዘለዋ ከተማ እያ። ከተማ ቦሮስ ምስ እቶም ልዕሊ 112 000 ነበርታ፡ ናይ ምዕራብ ሽወደን ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማን ናይ ሹሄራድ ማእከልን እያ።
ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
112178
ስፍሓት መሬት
910 ኪሜ²
ቦሮስ ብዙሓት ኣህጉራውያን ርክባት ዘለዋ ናይ ንግዲ ከተማ እያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስቲ ዘለዋ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ዓለባ ባህሊ፡ ኣብ ቅዲን ምዕባለን ዓለባ ሓደ መሪሕ ቦታ ንኽልህዋ ጌይራ እያ። ቦሮስ 13,000 ተመሃሮ ዘለዎ ኮለጅ ኣለዋ።
መንበሪ-ገዛ
ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ንኣኻ ገዛ ንእትደሊ እኩብ ሓበሬታ ኣሎ። ባዕልና ገዛ ኣይነከፋፍልን ግን ብመገዲ ናይ ኣባይቲ መራኸቢ ባዕልኻ መንበሪ ኣባይቲ ክትደሊ ትኽእል።
ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ፎልሾፒን ኣብዚ እዋንዚ በዞም ዚስዕቡ ቋንቋታት ኣደ ትምህርቲ ትህብ፣ ዓረብ፡ ኩርድ፡ ቦስንያ/ሰርቦክሮሽያ፡ ፖላንድ፡ ፊንላንድ፡ ሆላንድ፡ ሶማሊ፡ ኣልባንያን ሮማኒን። እዚ ካብ ሰመስተር ናብ ሰመስተርን ብመሰረት ዚምዝገቡ ይለዋወጥ።
እቶም ኣብዚ ዚምህሩ መምህራን ካብቲ እቶም ህጻናት ዝመጹሉ ቦታን ባህልን ዝመጹ እዮም። እቲ ናይ ኣደ ቋንቋ ዚምህር መምህር፡ ብቑዕ ናይ ሽወደን ቋንቋን ማሕበረሰብን ፍልጠት ኪህልዎ ይግባእ።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብ ፎልሾፒን ኮምዩን ኣስታት 450 ማሕበራት ዘለዎ ሃብታም ማሕበራዊ ናብራ ኣሎ። መብዛሕትአን ማሕበራት ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ማሕበራት ደብተር ምስ ምሉእ ሓበሬታን ኣስማት ሰባትን ተመዝጊበን ኣለዋ።
ኣብኡ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ማሕበራት ኣለዋ፡ ከምታ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ማሕበራዊ ሰራሕተኛታትን መራኸቢ ቦታ ኮይና እትነጥፍ ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ፎልሾፒን። ካልኦት ሓያሎ ሃይማኖታውን ባህላውን ማሕበራት ኣለዋ።
ብዛዕባ ማሕበራዊ ሂወት ኣብ እዚ ኮሙን ብዝያዳ ኣንብብ።
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ቡሮስ ኣብቲ ህዝቢ ዝበዝሖ ናይ ቨስትስቨርየ ዞባ ትርከብ። ኣብ ውሽጢ ናይ 100 ኪ/መ ራድዩስ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ይቕመጥ። እታ 106,000 ተቐማጦ ዘለዋ ቡሮስ ናይ ሽወደን መበል 13 ዝዓበየት ኮምዩን እያ። ኣብቲ ኮምዩን ብዘያካ እታ ቀንዲ ከተማ ዝኾነት ቡሮስ፡ ካልኦት 20 ከተማታት ኣለዋ። እተን ዝዓበያ፡ ዳልሾፉሽ፡ ፍሪስታ፡ ሳንዳረድን ቪስካፉሽን እየን። ኣብቲ ዞባ እንታይ ከም ዚርከብ ንምፍላጥ ኣብቲ ናይ ቡሮስ ከተማ ወብሳይት ረአ።
ኣብኡ ኣስታት 600 ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ 14 ደጋዊ መዘናግዒ ቦታታት፡ 70 ኪሎመተር ብሩህ መገዲ፡ መሐምበሲ፡ ናይ ተኒስ ሜዳ፡ 15 ናይ ዕረፍቲ ግዜ መዘናግዒ፡ ናይ ጎልፍ ሜዳ ከምኡውን ናይ ሞቶ ስታድዩም ኣሎ።
ናይ ቡሮስ ዞባ መጣየሲ ማእከል (BREC) ኣብ ሽድሽተ ኮምዩናት ንምቕባል ስደተኛታት ይሰርሕ፤ ቡሮስ፡ ቦልቢግድ፡ ማርክ፡ ትራነሞ፡ ኡልሪሰሃምንን ቮርጎርዳን።
ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ከተማ ቡሮስ ኣስታት 90 ኣብያተትምህርቲ ህጻናት፡ 20 መውዓሊ ስድራቤት፡ 41 ከኣ መባእታ ኣብያተትምህርቲ የመሓደር። ኣብ ቡሮስ ኣስታት 40 ናይ ዕረፍቲ ግዜ ቤት። እዚ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ናይ መባእታ ቤትትምህርቲ ህንጻ እተተሓሓዘ እዩ። ብዘይካተን ኮሙናውያን ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን መደበኛ ኣብያተትምህርትን፡ ትሽዓተ ፍሉያት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ፡ ክልተ ካባታተን ድማ ብሕታውያን እየን።
ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ፡ ንወለድን ህጻናትን ወለንታዊ እዩ፡ ነቲ ኮምዩን ግን ግዴታዊ እዩ። ደቂ 6 ዓመት ኣብ መንጎ ክፍሊ ቅድመ ትምህርትን ቤት ትምህርትን ምጅማርን ኪመርጹ ይኽእሉ እዮም። እቶም ቈልዑ ኣብ ሰሙን ን15 ሰዓታት ይምሃሩ። እቲ ዘይክፈሎ ትምህርቲ፡ ኣብ መንጎ ቅድመ ትምህርትን ቤት ትምህርትን ንዘሎ ስነ-ኣገባብን ስነ-ምምህርናን ባህሊ የተሓሕዞ እዩ።
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ኣብ ቡሮስ እተፈላለየ መደባት ዘለዎ ናይ ካልኣይ ደረጃ ፕሮግራማት ዘቕርባ ሓሙሽተ ኮሙናውያን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ንተምሃሮ ናይ ምርጫታት ተኽእሎታት ዘለዎ መዳለዊ ኮለጅን ናብ ሞያ ዘተኮረን ስልጠና ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሞያ ስልጠና፡ ምስ ናይ ሹሀራድ ቁጠባዊ ትምህርቲ ዝተኣሳሰረ ናይ ምምህርና ስልጠናውን ኣሎ።
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ዕድላት ትምህርቲ
ንናይ ወጻኢ ምሁራን ሓጺር መገዲ KOVA
ንስራሕ እቲ ዝሓጸረ መገዲ ወይ ኮርታ ቨገን ውሰድ። ኮርታ ቨገን ንኣኻ ናይ ወጻኢ ድሕረባይታ ዘሎካን ኣብ ናይ ወጻኢ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ሰለስተ ዓመት እተመሃርካን ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ከም ደላይ ስራሕ እተመዝገብካን ዝዓለመ ትምህርቲ እዩ። እቲ ኣብ ናይ ቡሮስ ኮለጅ ዚውሃብ ትምህርቲ ብተልእኾ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ንዕዳጋ ስራሕ ዝዓለመ እዩ። ናይቲ ትምህርቲ ዕላማ፡ እቲ እትደልዮ ስራሕ ምስቲ ኣብ ሃገርካ ዝቐሰምካዮ ትምህርቲ ወይ ሞያ ዚሰማማዕ ከም ዚኸውን ንምግባር እዩ።
ሽወደን ንወጻእተኛታት ምሁራን
ሽወደን ንወጻእተኛታት ወይ ኤስኤፍኢ፡ ነቶም ኣካደምያዊ ትምህርቲ ዘለዎም ስደተኛታት ዝዓለመ እዩ። እቲ ትምህርቲ ብጽዑቕ መገዲ እዩ ዚካየድ፡ ብምትሕብባር ናይ ከተማ ቡሮስ ኮሙናዊ ትምህርቲ ንዓበይትን ቤትጽሕፈት ዕዮን ድማ ኣብ ተግባር ይውዕል። ናይ ምቕባል ቦታታት፡ ናይ ቡሮስን ሹሀራድን ከባቢታት እዩ።
Centrum för flerspråkigt lärande, CFL
CFL, Centrum för flerspråkigt lärandeንመባእታን ንካልኣይ ደረጃን ተምሃሮ ዝዓለመ ሓባራዊ ናይ ከተማ ቡሮስ ቤትትምህርታዊ ውድብ እዩ። CFL ንሓደስቲ መጻእቲ ተመሃሮ ዚቕበልን ዚምዝግብን ብቓንቋ ኣደ ዚምህርን ትምህርታዊ መምርሒ ዚህብን እዩ።
ዕላማ CFL ኩሉ ሓዲስ መጻኢ ተምሃራይ፡ ሪፖርት ምስ መጸና ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ክላስ ኣትዩ ኮፍ ከም ዚብል ንምግባር እዩ።
ዕድላት ትምህርቲ
ኣገልጎት ጥዕና
ኣብ ቡሮስን ኸነን Södra Älvsborgs Sjukhus, SÄS ይርከብ። ንሱ ካብተን ናይ ቨስትራ ዮታላንድ ዞባ ኣርባዕተ ጉጅለ ሆስፒታላት ሓደ እዩ። ኣብቲ ሆስፒታልና ክኢላታት ዘለዎ ናይ ወረዳ ክንክን ጥዕናን ብዞባዊ ክንክን ጥዕና ዚምራሕ ናይ ቱሞርን ጨረርን ሕክምናን ኣሎ። ኣብ ቡሮስ ብዙሕ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብቲ Närhälsanተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።
ብዛዕባ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ክንክን ሕማም ብዝያዳ ኣንብብ።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ንኣገልግሎት ትርጉም ብመገዲ Tolkförmedling Västትረኽቦ።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ቡሮስ ግሩም መራኸቢታት ዘለዋ ሰሓቢት መንበሪ ከተማ እያ። ጥሙር ናይ ባቡር መራኸቢታት ብምህላዋ ኣብ ከባቢ ቦታታት ናብ ትምህርትን ስራሕን በጺሕካ ምምላስ ተኽእሎታት ኣሎ፡ ንኣብነት ናብ ዮተቦሪ።
ኣብ ቨስትራ ዮታላንድን ኣብ ቡሮስ ኮምዩንን Västtrafik ንሓባራዊ ጕዕዞ ይቆጻጸር። ኣብ ዮተቦሪን ቨስትስቨርየን፡ ኣውቶቡሳን ባቡርን ናይ ከተማ ባቡራትን መርከባትን ይንቀሳቐሱ።
ናይ ቡሮስ ስትራተጅያዊ ቦታ ንብዙሓት ዋኒናት ከም ዝመርጻኣ ይገብራ። ቡሮስ ንኣርባዕተ ሃገራውያን ጽርግያታት መራኸቢት እያ፡ ንኣብነት ቀንዲ ጽርግያ ዮተቦርን ስቶክሆልምን። ናብ ኣርባዕተ ሸነኻት ዚኸይድ መገዲ ባቡር ድማ ኣሎ። በታ X2000 ንስቶክሆልም ሰለስተ ሰዓታት ይወስድ። ብማኪና ናይ 30 ደቒቕ ጕዕዞ ርሒቑ ድማ ናይ ላንድቨተር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎ።
ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ኣብ ከተማ ቡሮስ ኣስታት 10,000 ሰባት ኣብ 248 እተፈላለየ ሞያታት ይሰርሑ። እዚ ከኣ ንቡሮስ ዝዓበየ ናይ ስራሕ ቦታ ይገብሮ።
ቡሮስ ናይ ቅድን ንግድን ማእከል እያ፡ ጥንታዊ ናይ ዓለባ ፋብሪካ ድማ ኣለዋ። ኣብዚ ግዜዚ ናይ ዓለባ ቅድን ምዕባለን ንግድን ማእከል እያ። ብዙሓት ናይ ቅድን ሞዳን ዋኒናት ቀንዲ ኣብያተጽሕፈተን ኣብ ቡሮስ እዩ፡ ከም Hemtex, Gina Tricot, SVEA ከምኡውን 8848 Altitude። ብዘይካዚውን ምስናዕን ኤለክትሮኒክስን ክፋላት ናይ ቡሮስ ኢንዱስትሪ እዩ። ኣብዚ ከም Ericsson, Volvo Bussar ከምኡውን Parker Hannifin ዝኣመሰላ ዓበይቲ ዋኒናት ይርከባ።
ከተማና ንኽትምዕብል ግሩም ቢዚነሳዊ ሃዋህው ምህላው ኣገዳሲ እዩ። መታን ዋኒናትና ኪምዕብላን፡ መታን ኢንፕረዛነትን ቢዚነስን ሓደስቲ ዋኒናትን ወፍርን ናብ ቡሮስ ኪሰሓብ፡ ግሩም ቅድመኩነታት ክንፈጥር ኢና።