Grästorp
ግረስቶርፕ ኣብ መንጎ ቨስትራ ዮታላንድን ደቡባዊ ቀላይ ቨንረን እትርከብ ንእሽቶ ኮምዩን እያ። ጥቓተን ዓበይቲ ከተማታት ትሮልሃታን፡ ቨነርስቦርይን ሊድሾፒን እያ። ኣብዚ ብዙሕ ናይ መራኸቢታት ኣገልግሎት ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
5711
ስፍሓት መሬት
265 ኪሜ²
ኣብዚ እቲ ተፈጥሮ ግሩም ዝኾነን ኣብኡ ድማ ናይ መዘናግዕን እተፈላለየ ስፖርትን ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብ ግረስቶርፕ ሃብታም ማሕበራዊ ናብራን ንጥፈታትን ኣሎ። ኣብዚ ግሩም ናይ ዋኒን ሃዋህው ኣሎ፡ ግረስቶርፕ ድማ ኣብ ሽወደን መበል 43 ደረጃ ትሕዝ።
መንበሪ-ገዛ
ኣብ ግረስቶርፕ ብሕታዊ ኪራይ ኣባይቲ ጥራይ እዩ ዘሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ናይቶም ገዛ ዘካርዩ ዝርዝር ኣሎ። ብዘይካ ኣፓርትማ፡ ዝሽየጡ ቪላታትውን ኣለዉ - ዝበዝሕ ግዜ ብሕሱር ዋጋ፡ ከምኡውን ዝሽየጥ መሬት ኣሎ።
ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ካብ 2006 ግሩም ናይ ስደተኛታት ምቕባል ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ግረስቶርፕ ኮምዩን ብዙሕ ቋንቋታት እዩ ዚዝረብ። ካብቲ ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋታት ንምጥቃስ፤ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ሶማሊን ፋርስን ይርከቡዎም። ከምኡውን ታይላን፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ ሰርብያን ኣልባንያን ዚዛረቡ ኣለዉ።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብ ግረስቶርፕ ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ፐንተኮስት ቤተክርስትያንን ይረከባ። ኣብ ግረስቶርፕ ዓሰርተ ጥንታውያን ኣብያተክርስትያን ኣለዋ። ኣብቲ ጎረቤት ኮምዩን ትሮልሃታን መስጊድ ኣሎ። ኣብተን ጎረባብቲ ኮምዩናት ትሮልሃታንን ቨነርስቦርይ እተፈላለያ ናይ ብሔራት ማሕበራት ኣለዋ።
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ኣብ ከተማ ግረስቶርፕ ቤትጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ ፋርማሲ፡ ከምኡውን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ቤትጽሕፈት፡ ማእከል ጥዕና ምስ ናይ ህጻናትን ኣደታትን ክሊኒክ ይርከብ። ቤትጽሕፈት ዕዮን መድህን ቤትጽሕፈትን ብቖጸራ ናብቲ ቤትጽሕፈት ኮምዩን ኪመጹ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ኣብዚ 30 ድኳናትን ካፈታትን ኣብያተመግብን ኣለዋ።
ኣብ ግረስቶርፕ ብዙሕ ዓይነት ንጥፈታት ይካየድ፡ ንኣብነት፡ ብእግሪ ምዝዋር፡ ቤትንባብ፡ ቤት ባህሊ፡ ቤት ኮንሰርት፡ ሲነማ፡ መሐምበሲ፡ ኣብያተክርስትያን፡ መጻወት ኵዕሶ ምስ ኣርቲፊሻል ሳዕሪ፡ መንሸራተቲ ኣደራሽ፡ መጋለቢ፡ ጂም፡ ናይ ኵዕሶ ኣደራሽ፡ ናይ ተኒስ ሜዳ፡ ናይ ጎልፍ መጻወቲን ካልእን። ዘገልገለ ኣቕሑን ክዳንን ኣቕሑ ክሽነን ዝሽየጦ ሰከንድሃንድ ድኳን ኣሎ።
ኣብቲ ኮምዩን ስራሕ ንዝደልዩ ዚድግፍ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣሃዱ ኣሎ፡ ከምኡውን ብዕሉ ዘመሓድሮ ናይ ስደተኛታት መቐበልን ንስደተኛታት ናይ ሽወደን ቋንቋ ትምህርትን ኣሎ።
ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብ ግረስቶርፕ ብዙሕ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ድማ ቦታ ኪርከብ ይከኣል (ውሑስ)።
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ኣብ ግረስቶርፕ ከተማ እተን ኣብያተትምህርቲ ኣብ ጥቓ ናይ ስፖርት ትካላት እየን ዘለዋ፡ ስለዚ እቲ ናይ ስፖርት ትምህርቲ ጽቡቕምንቅስቓስ ኣለዎ። ነቶም ነኣሽቱ ተመሃሮ ናይ F-3 ትምህርታዊ ዓመት፡ ባከንስኩላንን ሉነቪስኩላን ዚብሃላ ኣብያተትምህርቲ ኣለዎም። ነቶም ናይ ትምህርታዊ ዓመት 4-9 ከኣ ሰንትራልስኩላን ኣለዎም።
ኣብ ግረስቶርፕ ካለኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ስለ ዘየሎ እቶም ተመሃሮ ናብተን ጎረባብቲ ኮምዩናት ትሮልሃታን፡ ሊድሾፒንን ቫራን ይኸዱ።
ዕድላት ትምህርቲ
ግረስቶርፕ ኮምዩን ባዕሉ ዘመሓድሮ ናይ ሽወደን ንወጻእተኛታት ዚብል ትምህርታዊ መደብ ኣለዎ። ካልእ ትምህርቲ ንዓበይቲ ድማ ምስቲ ናይ ግረስቶርፕ ኮምዩን ብምርኻብ ክትካፈል ትኽእል። ምስተን ካልኦት ናይ ስካራቦሪ ኮምዩናት ብምትሕብባር እቲ ናብ ሓደስቲ መጻእቲ ዝዓለመ ምልላይ ምስ ማሕበረሰብ ዚብል ትምህርቲ ይዳሎ፡ መብዛሕትኡ እዋን ድማ ኣብ ጎረቤት ኮምዩናት ይካየድ።
ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።
ኣገልጎት ጥዕና
ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ቤት ወይ ኮሙነንስሁስ፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ ከምኡውን ናይ ህጻናት ክሊኒክ ኣሎ። ናይ ስኒ ሕክምና ኣብቲ ውሽጢ ከተማ ይርከብ።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ሓደስቲ መጻእቲ ኣብቲ ናይ ከተማ ምምሕዳር ኪበጽሑ ከለዉ ናይ ትርጉም ደገፍ ንምርካብ ተኽእሎ ኣሎ። ከምኡውን ኣቐዲሞም ቆጸራ ብምግባር ኣብቲ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ/ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ወይ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት ናይ ትርጉም ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን ኣገልግሎት ኣሎ።
ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብዚ ኮሙን
ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ግረስቶርፕ ኮምዩን ኣብቲ ቦታ እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብኡ ብዙሓት ነኣሽቱ ዋኒናት ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ ኣብተን ጎረቤት ኮምዩናት ትሮልሃታን፡ ቨነርስቦሪ፡ ሊድሾፒንን ቫራን ኣብ ውሽጢ 20-36 ኪሎመትር ሓያሎ ወሃብቲ ስራሕ ኣለዉ። ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን ኣገልግሎት