ዝተፈላለየ ኣገባባት መቐመጢ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 12 2022

ኣብ ሽወደን ብዝተፍአለየ ኣገባብ ክትነብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣፓርትማ ክትካረ ወይ ክትገዝእ ትኽእል። ሓደ ገዛ ክትካረ ወይ ክትገዝእ ትኽእል። ኣብዚ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ኣገባብ ምንባር ትረክብ።

ኣብ መላእ ናይ ሽወደን ኮምዩናት ዝካረ ኣፓርትመንት እትደልየሉ ናይቲ ከባቢ ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣሎ። እተን ትካላት ናይ ሓደ ሰብ ወይ ናይ ኮምዩን እየን። ብኮምዩን ዚውነነ ትካል ክራይ ኣባይቲ ህዝባዊ ትካል ኣባይቲ ይብሃል። ኣብ መሰል ተኻራያይ ዝሕለወሉ ቤት ምስ እትቕመጥ ከም ተኻራዪ ኢኻ እትፍለጥ። ነቲ ኣፓርትማ ካብቲ ኣካራዪ ትካረዮ (ትልቅሖ) ኢኻ ዘሎኻ፡ ማለት ካብቲ ነቲ ገዛ ዚውንን ትካል።

ኣብቲ ኣፓርትማ ገለ ምስ ዝስበር

ኣብቲ ገዛ ገለ ምስ ዚስበር እቲ ኣካራዪ እዩ ዘዐርዮ። ከም ተኻራያይ መጠን ንኣብነት እቲ ፎርኖ ወይ ፍሪጅ ምስራሕ ምስ ዚኣቢ ክትከፍል የብልካን። ግን ነቲ ምስባር ባዕልኻ ዝፈጸምካዮ ምስ እትኸውን ክትከፍል ትግደድ። እቲ ኣካራዪ ቅድሚ ኣብቲ ገዛ ምእታውካ ንኹሉ ቍጽጽር ይገብረሉ እዩ። ከምኡ ዚገብር መታን ነቲ ኣቐዲሞም ካልኦት ተኻረይቲ ዘበላሸውዎ ከይትኸፍል ብማለት እዩ።

ዝተፈላለዩ ዓይነት ውዕላት

ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ናይ ምክራይ ኮንትራት ኣሎ። ቀዳማይ ኮንትራክት ማለት ኣብቲ ገዛ ክሳዕ ዝደለኻዮ ግዜ ክትቅመጥ ትኽእል ማለት እዩ። ካልኣይ ኮንትራት ማለት ካብቶም ቀዳማይ ኮንትራት ዘለዎም ሰባት ንግዜኡ ትካረ ኣሎኻ ማለት እዩ።

ጸሊም ኮንትራት

ጸሊም ክንትራት ኣብቲ ብገንዘብ ዝሽየጥን ዚዕደግን ናይ ክራይ ቤት ዚግበር ኮንትራት እዩ። ኣብ ሃገር ሽወደን ተኸራይን ኣካራዪን ናይ ክራይ ኮንትራት ኪሸጡ ወይ ኪዕድጉ ኣይፍቀድን። እቲ ነቲ ንክራይ ቤት ዚግበር ኮንትራት ክፈል ዚብለካ ሰብ ገበን እዩ ዚፍጽም ዘሎ፡ በዚ ተግባርዚ ድማ ኪእሰር ይኽእል።

ተኻራዪ ነቲ ናይ ክራይ ኮንትራት ከቋርጾ መሰል ኣለዎ

ንስኻ ከም ተኻራያይ መጠን ክትግዕዝ እንተ ደሊኻ ነቲ ውዕል ክራይ ገዛኻ ክትስርዞ ኵሉ ግዜ መሰል ኣሎካ። ድሕሪ ነቲ ውዕል ክራይ ገዛኻ ምስራዝካ ንሓደ ዝተወሰነ ግዜ ነቲ ገዛ ክራይ ምኽፋል ምቕጻል ከድልየካ ይኽእል ይኸውን እዩ። እዚ ናይ ምስራዝ ግዜ ይብሃል። እቲ ናይ ምስራዝ ግዜ ኣብቲ ውዕል ካልእ ሰፊሩ እንተ ዘየለ ኾይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ሰለስተ ወርሒ እዩ። እቲ ናይ ምስራዝ ግዜ፡ ድሕሪ ነቲ ውዕል ክራይ ገዛኻ ምስራዝካ ዘላ ትስዕብ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

ኣካራዪ ነቲ ናይ ክራይ ገዛ ኮንትራት ከቋርጾ መሰል ኣለዎ

እቲ ኣካራዪ ነቲ ምስ ተኻራዪ ዝገበሮ ናይ ክራይ ኮንትራት ከቋርጾ መሰል ኣለዎ። ከምዚ ዚኸውን እቲ ተኻራዪ ነዚ ዚስዕብ ምስ ዚፍጽም እዩ፤

  • ብዘይ ፍቓድ ናይ ኣካራዪ ነቲ ገዛ ንኻልእ ሰብ ምክራይ ወይ ምትሕልላፍ።
  • ነቲ ገዛ ብጀካ ንምቕማጥ ንኻልእ ምጥቃም፡ ንኣብነት ንገበናዊ ንጥፈታት ወይ ካብቲ ገዛ ሓደ ዓቢ ትካል ምክያድ።
  • ብሓላፍነትካ ናብቲ ህንጻ ባልዕ ክኣትዉ ወይ ኣብኡ ባልዕ ከም ዝተላብዑ ጸብጻብ ካብ ምሃብ ምቑጣብ።
  • ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንኣብነት ኣብ እዋን ምዕራይ ነቲ ኣካራዪ ንኽኣቱ ምኽልካል፡ ኣካራዪ ናብቲ መንበሪ ንኽኣቱ ምኽልካል።
  • ነቲ መንበሪ ብሕማቕ ምሓዝ።
  • ኣብቲ ውዑል ክራይ ዘሎ እንተ ዘይተማሊኡ።
  • ክራይ ካብ ምኽፋል ሓደ ሰሙን እንተ ሓሊፉ።

ኮምዶሚንዩም ኪብሃል ከሎ ዚካረ ገዛ ኾይኑ እትኸፍሎ ግዴታታት ዘለዎ እዩ። ካብቲ ነቲ ገዛ ዚውንኖ ማሕበር፡ ብርኪ ምግዛእ ማለት እዩ። ሽዑ ናይቲ ማሕበር ኣባል ትኸውን ነቲ ገዛ ድማ ትጥቀመሉ።

ኣብቲ ኮንዶሚንዩም ክትቅመጥ ከሎኻ ነቲ ማሕበር ነፍስወከፍ ወርሒ ኢኻ እትኸፍሎ። ነዚ ንኽትከፍል ካብ ባንካ ተለቂሕካ እንተ ኾንካ ነቲ ባንካ ወለድን ግዴታን ክትከፍል ይግበኣካ።

ኣብ ኮምዩናት ኣየናይ ገዛ ከም ዚሽየጥ ዚሕብሩ ናይቲ ከባቢ ወኪላት ክራይ ኣባይትን ትካላት ክራይ ኣባይትን ኣለዉ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩናት ናይ መርበብ ገጻት እንታይ ዞባውያን ትካላት ከም ዘለዉ ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ኢንተርነት ኣቲኻውን ባዕልኻ ዝሽየጥ ኮንዶሚንዩም ክትደሊ ትኽእል።

ኣብ ሽወደን ገዛ ክትዕድግን ክትካረን ይከኣል። ገዛ ክትዕድግ ምስ እትደሊ እቲ ዋጋ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ከተማታትን ነኣሽቱን ከምኡውን ገጠራትን ይፈላለ እዩ። ኣብቲ ኮምዩናት ናይቲ ከባቢ ኣየናይ ገዛ ከም ዝሽየጥ ዚሕብሩ ወኪላት ክራይ ኣባይን ኣከፋፈልትን ኣለዉ። ጥርሑ መሬት ገዚእካውን ኣብኡ ናይ ውልቂ ገዛ ክትሰርሕ ይከኣል እዩ።

ኣብ ናይ እተን ኮሙናት መርበብ ሓበሬታ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኣየኖት ገዛውትን መሬትን ዝሽየጥ ከም ዘሎ ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብ ሃገር ሽወደን ብሰከንድሃንድ ምክራይ ልሙድ እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ካብ ሓደ ቀዳማይ ኮንትራት ዘለዎ ሰብ ገዛ ትካረ ማለት እዩ። ካብቶም ኣብ ኮንዶሚንዩም ዘለዉ ወይ ድማ ናይ ባዕሎም ገዛ ዘለዎም ክትካረ ትኽእል።

ብሰከንድሃንድ ገዛ ክትካረ ምስ እትደሊ፡ እቲ ኣካራዪ ፍቓደኛ ምዃኑ ከተረጋግጽ ይግባኣካ።

ብሰከንድሃንድ ገዛ ክትካረ ከሎኻ ኮንትራት ምጽሓፍ ኣይትረስዕ። ከምኡ ምስ ዘይትገብር እቲ ቀዳማይ ኮንትራት ዝገበረ ነቲ ገዛ ምስ ዚደልዮ፡ ከውጽኣካ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ኮንትራት ምጽሓፍካ፡ ሰከንድሃንድ ክትካረ ከሎኻ እንታይ መሰላት ከም ዘሎካ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ኣፓርትማ ወይ ገዛ እውን ተኻሪኻ ክትቅመጥ ይከኣል እዩ። ከምዚ ማለት ንስኻ ምስ ሓደ ኮንትራት ዘለዎ ወይ ነቲ ገዛ ዝውንኖ ሰብ ኢኻ ትቕመጥ ዘሎኻ ማለት እዩ። እዚ ድማ ጽግዕተኝነት ይብሃል። ጽግዕተኛ እንተ ኾንካውን ኮንትራት ምግባር ከድልየካ እዩ። ስለዚ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ኣፓርትማ ወይ ገዛ ተኻሪኻ ክትቅመጥ ከሎኻ ኮንትራት ምጽሓፍ ኣይትረስዕ።