ከምዚ ጌርካ መንበሪ ትረክብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 5 2023

ኣብ ገለ ቦታ መንበሪ ትረኽበሉ ብዙሕ ዝተፈላለየ መገዲ ኣሎ። ኣብዚ ብዛዕባ ከመይ ትገብር ሓበሬታ ኣሎ።

ናይ ሽወደን ራድዮ ትምህርቲ (UR) ንዓኻ መንበሪ ትደሊ ምኽሪ ዘለዎ ሓደ ፊልም ኣዳልዮም ኣሎዉ። እቲ ፊልም ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ትካላት ክራይ ኣባይቲን መራኸብቲ ኣባይቲን

ኣብ ኵለን ናይ ሽወደን ኮሙናት ናይ ኣከባቢ ትካላት ክራይ ኣባይቲ ኣሎ። ብዙሓት ኮሙናት መራኸብቲ ኣባይቲ ኣሎወን። ከም ደላይ መንበሪ ናብ ዝተፈላለያ ትካላት ክራይ ኣባይቲን መራኸብቲ ኣባይቲን ኣመልክት። ተመልክተሉ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርኔት ክህልወን ንቡር እዩ።

ብዙሓት ትካላት ክራይ ኣባይቲን መራኸብቲ ኣባይቲን ሓደ ሪጋ መንበሪ ዝበሃል ኣሎወን። ኣፓርተማ ንኽትረክብ ዘሎካ ዕድል ዝነውሐ ኣብቲ ሪጋ መንበሪ እንተ ጸኒሕካ ይዛይድ እዩ። እቲ ሕጊ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ክራይ ኣባይቲ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ነጢፍካ መንበሪ ምድላይ

ሽሕኳ ኣብቲ ትካላት ክራይ ኣባይትን ኣከፋፈልትን ተመዝጊብካ እንተ ኾንካ፡ ብኻልእ ሸነኻት ሃሰው ምባል ጽቡቕ እዩ። ኣብ ኢንተርነት ብቐጥታን ብሰከንድሃንድን ዚካረ ኣባይቲ ሓበሬታ ዚህባ ብዙሓት ዋኒናት ኣለዋ። ኣብኡውን ምሳታቶም ዘቐምጡ ሰባትን ዝካረ ገዛውቲ ዚሕብርን ረክላማት ትረክብ ኢኻ። ኣብ ጋዜጣታት ብዛዕባ ጥርሑ ዚካረ ኣባይትን ክፍልን/ክላስን ዚሕብር ረክላም ምድላይውን ጽቡቕ እዩ።

ክትምዝገበሎም ዘይትኽእል ግን ዝካረ ገዛውቲ ክትረኽበሉ እትኽእል ወብሳይት ዘለዎም ብዙሓት ነኣሽቱ ትካላት ክራይ ኣባይቲ ኣለዉ። ኣብዚኣቶም ተገዳስነትካ ምርኣይ ጽቡቕ እዩ።

ኣብ ገለ ቦታ ኣፓርትማ ምስ እትደሊ ኣብቲ ኣስካላ ደዪብካ ኣካራዪ መን ምዃኑ ክትርኢ ትኽእል። እቶም ኣካረይቲ ነቲ ገዛ መን ከም ዘመሓድሮን ከመይ ጌርካ ከም እትረኽቦምን ሓበሬታ ኪህቡኻ እዮም።

ካልእ መገዲ ከኣ ኣብ ግሮሰሪታትን ኣብያተንባብን ናይ ገዛ መእተዊ ኣስካላታትን ወይ ኣብ ካልእ መለጠፊ ዘለዎ ቦታታት ወረቐት ምልጣፍ እዩ።

ኮምዶሚንዩምን ገዛን

ኮምዶሚንዩም ወይ ገዛ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ነቶም ናይቲ ከባቢ ናይ ገዛውቲ ወኪላት ተወከሶም። ኣብ ኢንተርነት እውን ብዙሓት ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ዘሎ ናይ ኮምዶሚንዩም ገዛ ወይ ዝሽየጥ ጥርሑ መሬት ረክላም ዘውጽኡ ዋኒናትን ቤትጽሕፈት ኣገልግሎትን ኣለዉ። ኣብ ጋዜጣታትውን ረክላም ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ናይ ኮሙናት መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣየኖት ገዛውትን መሬትን ንመሸጣ ከም ዘሎ ሓበሬታ ኣሎ።