ናይ ምቾት ሕጊታት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 12 2022

ኣብ ትነብሮ ቦታ ንስኻ ምስ ጎረባብብትኻ ብሓባር ኢኹም ምሕዝነትን ምስናይን እትፈጥሩ። ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዝቅመጥዎ ገዛ (flerfamiljshus) ብሰላም መታን ክነብሩ ኩሎም ተቐመጥቲ ክስዕብዎ ዘለዎም ናይ ምስናይ ሕጊ ይርከብ እዩ።

ዝተፈላለዩ ኣካረይቲ ወይ ወነንቲ ገዛውቲ ዝተፈላለዩ ሕግታት ክህልዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ገለ ልሙዳት ሕግታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዝቅመጥዎ ገዛ ጥቓ ጎረባብትኻ ኢኻ እትቕመጥ። እዚ ማለት ክብረት ከተርኢ፣ ትዕግስቲ ምስ ካልኦት ዘለዎ ኣገባብ ኣነባብራ ከተርኢ ትግደድ ማለት እዩ። እዚ ዓይነት መንገሪ ንኽሎም ኣብኡ ዝነብሩ ነንሓድሕዶም ከይረባበሹ፣ ነቶም ቖይሞም ዝርከብ ናይ ምስናይን ኣገባብን ሕግታት ክኽተሉ ጠለብ የቕርብ።

ኣብ ግዜ ምሸትን ለይትን ድምጺ ከተወሃህድን ንጎረባብትካ ክብረት ከተርእን ይግበኣካ እዩ። ንኣብነት ኣብ ተለቭጅንካ ወይ ብመጉልሒ ድምጺ ኣዝዩ ልዑል ድምጺ ከይትገብርን፣ ከይትኹዕትን ወይ መስማር ኣብ መንደቕ ከይትሃርምን፣ ናይ ገዛ ማሽናት ኣዝዩ ምሸት ወይ ለይቲ ከይትጥቐምን ክትሓስብ ማለት እዩ።

ንናይ ባርዕ ድሕነትን ጽርየት ንምቕላልን ኣብ ኣስካላ፣ ኮረድዮ ወይ መኻዚኖ ነገራት ከተቐምጥ የብልካን።

ኣብ ባልኮን ክትጠብስ ዝበዝሕ ግዜ ፍቑድ ኣይኮነን። ኣብ መዘናግዒ ጀርዲን ክፍቐድ ይኽእል እዩ። ካብ ጥብሲ ዝብገስ ትኪ ግና ንጎረባብትኻ ክርብሾም ከም ዝኽእል ክትዝክር ኣለካ።

ኣብ ከም በዓል ኣስካላ፣ ኮረድዮ፣ መኻዚኖን መሕጸቢ ክዳውንቲ ክፍሊን ዝኣመሰሉ ናይ ሓባር ክፍልታት ሽጋራ ምትካኽ ኩልኩል እዩ። ኣብ ባልኮንግ ምትካኽ ክፍቐድ ይኽእል እዩ። ንጎረባብትኻ ክብረት ከተርእን ውዳእ ሽጋራ ካብ ባልኮንግ ከይትድርብን ግና ክትሓስብ ኣለካ።

ክፍሊ መሕጸቢ ክዳውንቲ ኩሎም ዝእከብሉ ናይ ሓባር ክፍሊ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ መሕጸቢ ክፍሊ ድሕሪ ምሕጻብ ክጸሪ ዘለዎ። ኣብተን ዝበዝሓ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዝቅመጥዎ ገዛ ንክትሓጽብ ናይ ሕጽቦ ግዜ ክህልወካ ኣለዎ። ብናይ መመዝገቢ መስርሕ እዩ ሪጋ ዝትሓዝ።

ናይ ዘቤት እንስሳታትካ ንጎረባብትኻ ከይርብሽዎም ወይ ንመጻወቲ ቦታታት፣ መሬት ዕንባባን, ናይ ሳዕሪ መንጸፍን ካልኦት ኣብ ከባቢ ገዛ ዝርከብ ቦታታትን ከይብክልዎም ንስኻ ኢኻ ሓላፍነት ትወስድ።

ኣንተና ወይ ዲሽ ክትተክል እንተደሊኻ ካብ ኣካራይኻ ወይ ወነንቲ ገዛ ፍቓድ ክትረክብ ከድልየኻ ይኽእል እዩ።

ናይ ምስናይ ሕግታት ኣብ ዝተፈላለዩ መንበሪ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ትነብሮ ቦታ ኣየኖት ምኻኖም ተኸታተል።