ካብቲ ኣብ ኡክረይን ዘሎ ውግእ ዝሃደምካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 4 3 2024

ካብቲ ኣብ ኡክረይን ዘሎ ውግእ ንዝሃደምካ ዝኸውን ኣብዚ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣሎ።

ንስኻ ካብ ኡክረይን ናብ ሽወደን ዝመጻእካ፡ ባዮሜትሪካዊ ፓስፖርት እንተ ኣለካ ኾይኑ ብዘይቪዛ ን90 መዓልታት ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ክትሰርሕ ንኽትክእልን ውላድካ ክምሃር ንኽኽእልን፡ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንመንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ከድልየካ እዩ።

ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት ንዕቑባ ኣመልክት።

ካብቲ ኣብ ኡክረይን ዘሎ ውግእ ዝሃደምካ፡ ብመሰረት ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት፡ ግዝያዊ ዕቑባ ዝህብ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መን ንግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ከመልክት ከም ዝኽእል ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ከመይ ገርካ ከም ተመልክትን ድሕሪ ውሳነ እንታይ ከም ዘጋጥምን እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት ሓደ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ

መምርሒ ጃምላዊ ስደት ናይዚ ዝስዕብ መሰል ይህበካ፦

  • መንበሪ ቦታ ብመንገዲ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን (ከተማ ክትመርጽ ኣይትኽእል ኢኻ)
  • ክጸንሕ ዘይክእል ሕክምና
  • ዝተወሰነ ቍጠባዊ ሓገዝ
  • ቤት ትምህርቲ ንቘልዑ
  • ኣብ ሽወደን ምስራሕ

መንበሪ ኣብ ሽወደን

መንበሪኻ ባዕልኻ ከተዳሉ ወይ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንመንበሪ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ባዕልኻ መንበሪኻ ከተዳሉ እንተ መሪጽካ፡ ነቲ ክራይ ገዛ ናይ ግድን ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ። ባዕልኻ መንበሪኻ እንተ ኣዳሊኻ ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣድራሻካ ምሕባር ዘክሮ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዝርዝር ናይ ማሕበራውን ቍጠባውን ብድሆታት ዘለዎም ናይ መንበሪ ከባቢታት ከም ዘለዎ ኣስተብህል ። እቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ከባቢ ክነብር ዝመርጽ ሰብ ነቲ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዝወሀብ ናይ ቍጠባዊ ሓገዝ ምርካብ መሰል ከጥፍኦ ይኽእል እዩ። ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ እቲ ክትግዕዞ ትደሊ ዘለኻ ኣድራሻ ነቲ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰልካ ኣብ ዝጸልዎ ከባቢ ዝርከብ እንተ ኾይኑ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

ኮሙናት ኣብ ሽወደን

ኵሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ኮሙን ይነብር። ሓደ ኮሙን፡ ሓደ ከተማ፡ ሓደ ቁሸት ወይ ብዙሓት ቁሸታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን 290 ኮሙናት ኣለዋ።

ኣብ Informationsverige.se ብዛዕባ ኵለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኮሙናት ሓበሬታ ኣሎ። ኣብተን ዝተፈላለያ ኮሙናት እንታይ ከም ዘሎ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ፡ ስራሕን መንበርን ዝኣመሰለ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት (Samordningsnummer)

ንስኻ ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ዝወሃበካ፡ ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ስለ ዘይትምዝገብ ናይ ሽወደን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) እውን ክትወሃብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ይኹን’ምበር ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ከተመልክት ከለካ ሰነዳት መንነት ኣርኢኻ እንተ ዄንካ ሓደ ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት (samordningsnummer) ክወሃበካ እዩ።

ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት (samordningsnummer)፡ ንኣብነት ምስ ብዓል መዝታት ርክብ ኣብ ትገብረሉ፡ ናይ ስራሕ ምቝጻር ውዕል ኣብ ትፍርመሉ ወይ ሕሳብ ባንክ ኣብ ትኸፍተሉ ዘቃልለልካ ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት እዩ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቶም ሰነድ መንነት ዘርኣዩን ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቡን ሰባት ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት ንኽወሃቦም ይሓተሎም። ብዛዕባ ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት ዝውስን ብዓል መዚ ግብሪ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት (Servicekontor)

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ንኣብነት ካብ ብዓል መዚ ግብሪ፡ ኣርበትስፎርመድሊኘንን ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ብዓል መዝታት ሓገዝን ሓበሬታን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቶም ሰራሕተኛታት ንኣብነት ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ንኽትጥቀም፡ ቅጥዕታትን ምልክታታትን ንኽትመልእ ክሕግዙኻ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዘሎ ጕዳያትካ ሓበሬታ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሓያሎ ዓበይቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ብጀካ ብሽወደንኛ ብብዙሕ ካልኦት ቋንቋታት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ኡክረይን ፍትዊ እንስሳ ሒዝካ እንተ መጺእካ ዄንካ

ካብ ኡክረይን ከልብኻ፡ ድሙኻ ወይ ካልእ ፍትዊ እንስሳ ሒዝካ ምስ እትመጽእ፡ ናብ ሽወደን ነቲ እንስሳ ሒዝካዮ ንኽትኣቱ ኣየኖት ሕግታት ከም ዝምልከቱ ክትፈልጥ የድልየካ እዩ።

እዚ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ዩክረይን ዓመታዊ ብዙሕ ሕማም ዕብደት ከልቢ ከጋጥማ ከሎ ኣብ ሽወደን ግን እዚ ሕማም ስለ ዝጠፍኣ እዩ። ዕላማኡ ዝርግሓ ሕማም ዕብደት ከልቢ ንምዕጋት እዩ።

ክንክን እንተ ኣድልዩካ

ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቡ በጽሕታት ህጹጽ ሕክምና፡ ህጽጹ ሕክምና ስኒ ከምኡ’ውን ክጸንሕ ዘይክእል ሕክምና ንኽረኽቡ መሰል ኣለዎም። ኣየናይ ሕክምና ክጸንሕ ከም ዘይክእል ዝውስኑ ሰራሕተኛታት ክንክን ሕማም እዮም። ክንክን ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ክንክን ኣብ እዋን ምንጻል ጥንሲ፡ ምኽሪ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ክንክን ጥዕና ኣዴታትን ክንክን ብመሰረት ሕጊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ( ሓደ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ከይላብዑ ዝኽልክል ሕጊ) ክትረኽቢ እውን መሰል ኣሎኪ። ነዚ ክንክን እዚ ንምርካብ ፈለማ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትምዝገብ ኣሎካ። እዚ ንቘልዑን ዓበይትን ይምልከቶም እዩ። ከም’ውን ሽዑ ናይ ጥዕና መርመራ ንኽትገብር ዕድል ክወሃበካ እዩ።

እንተ ሓሚምካ፡ ተጎዲእካ ወይ ስነ እእምሮኣዊ ሕማቕ ኣለካ ዄንካ፡ ፈለማ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ግበር። ምዓስ ሕክምና ከም ትደሊ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ኵሉ ግዜ ናብ 1177 ቮርድጋይደን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ቍጽሪ ተለፎን +46 771 1177 00 እዩ። ንህይወት ሓደ ሰብ ዘስግእን ህጹጽ ኵነታትን እንተ ኾይኑ፡ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ክትድውል ኣለካ።

ናይ ሓገዝ መስመር ንዓኻ ካብ ውግእ ዝሀደምካ

ብሪስ (Bris)፡ ማሕበር መሰላት ቈልዑ ኣብ ሕብረተ ሰብ፡ ንቘልዑ ደገፍ ይህብ። ብሪስ ንዓኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾንካ ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ክትዛረብ ምስ ዘድልየካ ክትድውለሉ እትኽእል ሓደ ናይ ሓገዝ መስመር ኣለዎም። እዚ ንኣብነት ሓደ ነገር ከቢድ ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ፡ ተሻቒልካ እንተ ኣለኻ ዄንካ ወይ ጽምዋ ምስ ዝስምዓካ ክኸውን ይኽእል። ብቋንቋታት ሩስያን ዩክረይንን ክትዘራረብ ዕድል ይህቡ። ናብኡ ምድዋል ካብ ክፍሊት ናጻ ኾይኑ ስምካ ምንጋር ኣየድልየካን እዩ።

ቍጽሪ ተሌፎን ናይቲ ሓገዝ መስመር (stödlinjen) 020-48 48 48 እዩ።

ውላድካ ሕክምና እንተ ኣድልይዎ

ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ቈልዑን መንእሰያትን፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቈልዑ፡ ናይ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ማዕረ መሰል ኣሎዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ንቘልዑ ዝወሃብ ሕክምና ብናጻ እኳ እንተዀነ ከከም’ቲ ትነብረሉ ቦታ ግን ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ከም’ውን ቈልዑ ጸረ ናይቶም ልሙዳት ዝኾኑ ተመሓላላፊ ሕማማት ቈልዑ ንኽኽተቡ መሰል ኣለዎም።

ቍጠባዊ ሓገዝ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ ዘይብልካ እንተ ኴንካ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንቝጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቲ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዝወሃበካ ገንዘብ ንመግቢ፡ ክዳውንትን ውልቃዊ ወጻኢታትን ክኣክል ኣለዎ።

ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትበጽሕ ከለካ ወይ መመልከቲ ቅጥዒ ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብጶስጣ ብምልኣኽ ንቝጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ባንክ ሕሳብ

ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ዘለካ፡ ኣብ ሓደ ናይ ሽወደን ባንክ ሕሳብ ባንክ ክትከፍት መሰል ኣለካ። ኣብ ሓደ ናይ ሽወደን ባንክ ዓሚል ንኽትከውን፡ ናይ ግድን መንነትካ ከተረጋግጽን ሕቶታት ብዛዕባ ስለምንታይ ናይ ባንክ ሕሳብ ከም ዘድልየካ ክትምልስን ኣለካ።

መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ንቘልዑ

ግዝያዊ ዕቝባ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቡ ቈልዑን መንእሰያትን ናብ መውዕሊ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ክኸዱ መሰል ኣለዎም። ኣብ ሓፈሻዊ መውዓሊ ህጻናት፡ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ፡ መባእታዊ ቤት ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ምምሃር ኣይክፈሎን እዩ። ምስ’ቲ ትንብረሉ ኮሙን ተራኺብካ ደቅኻ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ክምሃሩ ከም ትደሊ ሓብሮም

ግዝያዊ ዕቝባ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ቈልዑን መንእሰያትን ናይ ግድን ናብ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ኣየድልዮም እዩ። ግዴታ ትምህርቲ የብሎምን። ናብ ቤት ትምህርቲ ሽወደን ክኸዱ እንተ መሪጾም ግን ናይ ግድን ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ትምህርትታት ክሳተፉ ኣለዎም። ሓደ ተምሃራይ ብዙሕ ግዜ ወይ ንነዊሕ እዋን ካብ ቤት ትምህርቲ እንተ ርሒቑ፡ እቲ ርእሰ መምህራን ዋላ እቲ ተምሃራይ ግዴታ ትምህርቲ ኣይሃልዎ ስለምንታይ የብኩር ከም ዘሎ ክምርምር ኣለዎ።

ኣብ ሽወደን ምስራሕ

ኣብ ናይ ኣርበትስፎርመድሊኘን (ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ) መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ስራሕ ትደሊ እንተ ኣለኻ ዄንካ እንታይ ከም ዝምልከት ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።

ስራሕ እንተ ረኺብካ ምእንቲ ግብሪ ክትከፍል ኣብ ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) ክትምዝገብ ኣለካ።

ስራሕ ምስ እትረክብ፡ ንስኻን ወሃብ ስራሕን ናይ ስራሕ ውዕል ክትፈራረሙ ከለኹም ፡ ኣብ’ቲ ውዕል ደሞዝካ ክንደይ ምዃኑ ክሰፍር ኣለዎ። ስራሕ እንተ ረኺብካ ናይ ግድን ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትሕብሮም ኣለካ።

ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካን ስራሕ እንተ ኣለካ ኾይኑን፡ ንኣብነት ስለ ዝሓመምካ ክትሰርሕ ዘይትኽእል ዄንካ መሰል ናይ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክህልወካ ይኽእል እዩ። ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ኢኻ ተመልክት።

ትምህርቲ ንዓበይቲ

ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (ኤስ.ኤፍ.ኢ)

ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (sfi).ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ’ውን ኣብ ገሊኤን ኮሙናት ድሕሪ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (sfi) ምምሃርካ፡ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ (svenska som andraspråk) ዝብሃል ትምህርቲ ኣሎ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (sfi) ከምኡ’ውን ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ (svenska som andraspråk) ምስ’ቲ ትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር።

ሽወደንኛ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ (Svenska från dag ett)

ንስኻ ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ኣብቲ ሽወንኛ ካብ ቀዳመይቲ መኦኣልቲ ዝብሃል ትምህርቲ ክትምሃር መሰል ኣለካ። ኣብቲ ትምህርቲ ሽወደንኛ ክትምሃር ትኽእል። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ክትመሃር ክትክእል ኢኻ። እዚ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ሽወደንን ብቐጥታ ብኢንተርኔትን ኣሎ።

ነዚ ትምህርቲ ዕድል ዝህባ፡ ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርትን ማሕበር ትምህርቲ ንኣባጽሕን (studieförbund) እየን። ኣብኡ ምስታፍ ኣይክፈሎን እዩ።

"ሽወደንኛ ተምሃር" - ንዓኻ ሽወደንኛ ክትመሃር ትደሊ ዝኸውን ገጻት

እቶም "ሽወደንኛ ተምሃር" ዝብሉ ገጻት ኣብ Informationsverige.se ኣለዉ። ኣብኡ ብሓገዝ ኮምፕዩተር ወይ ሞባይል ተሌፎን ሽወደንኛ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ልምምዳትን ፊልምታትን ኣለዉ። ብናጻን ብቐሊሉ ክትጥቀመሉ እትኽእልን እዩ።

ምልላይ ምስ ሕብረተ ሰብ ንዓኻ ካብ ዩክሬይን ዝሃደምካ

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንዅሎም ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቡ ሰባት፡ ሓደ ምልላይ ምስ ሕብረተ ሰብ ዝብሃል ዲጂታላዊ ትምህርቲ የዳሉ እዩ።

ኣብቲ ምልላይ ምስ ሕብረተ ክትሳተፍ ንኽትሳተፍ ኢንተርነት ክህልወካ ኣለዎ። ናብቲ ምልላይ ምስ ሕብረተ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ ዝወስድ መላግቦ ዝሓዘ ደብዳበ ክመጸካ እዩ።

እቲ መላግቦ ዝሓዘ ደብዳበ ናብ ኵሎም ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቡን ዕድሚኦም 15 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾነን ሰባት ይልኣኽ። ደብዳበ እንተ ዘይመጺኡካ ምስ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣሃዱ ምቕባል ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ምምሃር

ንስኻ ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት ግዝያዊ ዕቑባ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተወሃብካ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንኽትምሃር ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ንመመዝገቢ ወይ ንመምሃሪ ዝኸውን ክፍሊት ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ። ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ (ሲ. ኤስ. ኤን) ቍጠባዊ ደገፍ ትምህርቲ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ሽወደን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ክትምሃር ብቑዕ ንምዃን ነቲ ናይ ብቑዕነት ጠለባት ከተመልእ የድልየካ።

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ Universityadmissions.se ኣቲኻ ንኮርሳትን ፕሮግራማትን ተመልክት። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ናብቶም ዝተፈላለዩ ኮርሳትን ፕሮግራማትን ንምእታው ብቑዕ ንምዃን ዝጠልብዎ ኣብ Universityadmissions.se ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል።

ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣለካ ኾይኑ

ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ እቲ ናትካ ናይ ቅድሚ ሕጂ ትምህርቲ መዳርግቲ ኣየናይ ትምህርቲ ኣብ ሽወደን ምኳኑ ገምጋም ክግበረሉ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሽወደን ስራሕ ክትደሊ ወይ ክትምሃር ክትደሊ ከለኻ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነዚ ገምጋም ዝገብሮ ሽማግለ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን (UHR) እዩ።

ስንክልና እንተ ኣለካ ኾይኑ

ስንክልና ዝደኸመ ዓቕሚ ትግባረ ናይ ኣካላዊ፡ኣእምሮኣዊ ወይ ዓቕሚ ኣእምሮ እዩ ።

ንኣብነት ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወይ ካልኦት ብዓል መዝታት ርክብ ኣብ ትገብረሉ እዋን ንኽትረዳዳእ ዘጸግመካ ስንክልና ምስ ዝህልወካ፡ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ስንክልና ነቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንኽትረክብ ዘሎካ ተኽእሎ ኣይጸልዎን እዩ።

ምስ ድልየታትካ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መንበሪ ቦታ ንኽወሃበካ እውን መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እንታይ ዓይነት ደገፍ ክትረክብ ከም ትኽእል ምስ ናትካ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣሃዱ ቅበላ ተዛረብ።

ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ብመሰረት ኤል. ኤስ. ኤስ (ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን) ደገፍ ንኽትረክብ መሰል የብልካን። ይኹን’ምበር ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘሎ ምስ ኮሙንካ ተራኺብካ ሕተቶም።

ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ሓገዝን ደገፍን ዝህባ ሓያሎ ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ዘሎ ንጥፈታት

ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሎ ኮሙናትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ሰባት ክትላለየሉን ቋንቋ ሽወደንኛ ክትለማመደሉን እትኽእል ንጥፈታት ኣለወን። ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደንን ዕዳጋ ስራሕን ብዝያዳ ክትፈልጠሉ እትኽእል ንጥፈታት ኣሎ። ብዛዕባ ምምሕያሽ ጥዕና ትሕዝትኡ እተፈላለየ ንጥፈታት እውን ኣሎ።

ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣየኖት ንጥፈታት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ ኮሙንካ ተራኸብ ወይ ኣብቲ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ድለ።

ግዳይ ዓመጽ ወይ ንግዲ ደቂ ሰባት እንተ ዄንካ

ብዙሓት ሰባት ክሃድሙ ከለዉ ሓገዝቲ ዝመስሉ ግን ነቲ ኵነታት ክምዝምዝዎ ዝደልዩ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ናይ ንግዲ ደቂ ሰባትን ካልእ ዓይነት ዓመጽን ሓደጋ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሰብ መገሻ፡ መንበሪ ወይ ስራሕ ንኸዳልወልካ ክጋብዘካ ከሎ ነዚ ዝስዕብ ዘክሮ ኢኻ፦

  • ፓስፖርትካ፡ ካልእ ኣገዳሲ ሰነዳት ወይ ተሌፎንካ ጨሪሽካ ኣይትሃብ።
  • ነቶም ዝሕግዙካ ሰባት መንነቶም ከፍልጡካ ሕተቶም።
  • ብዛዕባ ናይቶም ነቲ ጕዕዞ ዘዳልዉ ዘለዉ ናይ ርክብ ሓበሬታን ብዛዕባ መወዳእታ ናይ መገሻን ሓበሬታ ከም ትረክብ ግበር። ነቲ ክትፈልጦ ዝኸኣልካ ሰንዶ።
  • ኣበይ ከም ዘለኻ፡ ናበይ ትኸይድ ከም ዘለኻን ምስ መን ትጕዓዝ ከም ዘለኻን ንሓደ ትኣምኖ ሰብ ሓብሮ።
  • ኣብ ሽወደን ትሰርሕ እንተ ዄንካ ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። መንበሪ ቦታ፡መግቢ ወይ ካልእ ኣቕሑ ንምርካብ ክትሰርሕ ንዝቐርበልካ ዕድመ ኣይትቀበሎ ኢኻ።
  • ምስ ብዓል መዝታት ሽወደን ተራኸብ። ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ተመዝገብ።

ንስኻ ወይ እትፈልጦ ሰብ ግዳይ ዓመጽ እንተ ዄንኩም፡ ክወሃበኩም ዝኽእል ሓገዝ ኣሎ። ናብ + 46 77-114 14 00 ብምድዋል ብዛዕባ ገበን ኣመልክት ወይ ሓበሬታ ሃብ። ህጹጽ ኵነታት እንተ ኣጋጢሙ ናብ 112 ደውል።

ንስኺ ወይ ንስኺ እትፈልጥያ ሰብ ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን እንተ ዄንክን ናብ ክቪኖፍሪድስሊንየን (Kvinnofridslinjen) ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ክቪኖፍሪድስሊንየን (Kvinnofridslinjen) ኵሉ ግዜ ክፉት እዩ። ናብኡ ምድዋል ብናጻ እዩ። ክትድውሊ ከለኺ ስምኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ። ቍጽሪ ተለፎን +46 20-50 50 50 እዩ። ክቪኖፍሪድስሊንየን ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ዝትርጕሙ ተርጐምቲ ኣለወን።

ሕቶታትን መልስታቱን

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንዓኻ ካብ ዩክሬይን ንዝመጻእካ ብዛዕባ መምርሒ ጃምላዊ ስደት ዝምልከቱ ዝውቱራት ሕቶታትን መልስታቶምን ትረክብ።

መምርሒ ጃምላዊ ስደት እንተ ነውሓ ንሰለስተ ዓመት ጥራይ ግዝያዊ ዕቑባ ከውህብ ዝኽእል ኮይኑ ድሕሪ 4 መጋቢት 2025 ድማ ክናዋሕ ኣይክእልን እዩ። ድሕሪ እዚ ዕለት እዚ ነቶም ናብ ዩክራይና ክምለሱ ዘይክእሉ ኣየኖት ሕግታት ከም ዝምልከቶም መንግስትን ብዓል መዚ ኢሚግረሽንን ይምርምሮ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምስ’ቶም ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት ዕቑባ ዝተዋህቡ ሰባት ተራኺቡ እቲ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ግዚኡ ከይወደቐ ከሎ ብኣጋ ከመይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ክሕብሮም እዩ።

ኣይፋልን፡ ሓቂ ኣይኮነን። ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ክትወሃብ ምስ ተፈቕደካ፡ ኣብ ሽወደን ብቐጥታ ክትሰርሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ስራሕ ምድላይ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ንስኻ ኣብ ኣርቤትስፎርመድሊንኘን ምዝጉብ ዝኾንካ ኣብ ዝተወሰኑ ስራሓት፡ ንኣብነት ከም “Nystartsjobb” ዝኣመሰለ ደገፍ እናረኸብካ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

“Nystartsjobb” ስሩዕ ስራሕ ኮይኑ እቲ ስራሕ ዝቖጽረካ ሰብ ቍጠባዊ ክፍሊት ይረክብ። ወሃብ ስራሕ ብናይ “Nystartsjobb” ደገፍ ስራሕ ክቖጽረካ ንኽኽእል፡ ንስኻ ኣብ ኣርቤትስፎርመድሊንኘን እንተ ወሓደ ንሽዱሽተ ወርሒ ከም ደላይ ስራሕ ተመዝጊብካ ዝጸናሕካ ክትከውን ኣለካ።

ሓድሽ ናይ ዩክረይን ፓስፖርት እንተ ኣድልዩካ ምስ ኣብ ስቶኮልም ዝርከብ ናይ ዩክሬይን ኤምባሲ ርክብ ግበር። ተሌፎን ብምድዋል ወይ ኢ-መይል ብምስዳድ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

ኣይፋልን። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትካ ንኽትውድእ መንበሪ ፍቓድካ ንኽናዋሕ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ግዝያዊ ዕቑባ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድካ ክሳብ 4 መጋቢት 2025 እዩ ዘገልግል። ድሕሪ እዚ ዕለት እዚ ነቶም ናብ ዩክራይና ክምለሱ ዘይክእሉ ኣየኖት ሕግታት ከም ዝምልከቶም መንግስትን ብዓል መዚ ኢሚግረሽንን ይምርምሮ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምስ’ቶም ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት ዕቑባ ዝተዋህቡ ሰባት ተራኺቡ እቲ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ግዚኡ ከይወደቐ ከሎ ብኣጋ ከመይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ክሕብሮም እዩ።

ኣይፋልን። ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት ዝወሃብ ግዝያዊ ዕቑባ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ምስ ኣብ ሽወደን ኣብ ትምሀርቲ ተሳተፍ ኣይትሳተፍ ዝኾነ ምትእስሳር የብሉን። ውሉድካ ኣብ ሽወደን ትምህርቱ እንተ ኣቋሪጹ ንመንበሪ ፍቓዱ ኣይጸልዎን እዩ።

ኣብ ሽወደን ማኪና ክትዝውር ንኽፍቀደካ ናይ ግድን 18 ዓመት ዝመላእካን መምርሒ ፍቓድ ዘለካን ክትከውን ኣለካ።

እቲ መምርሒ ፍቓድካ ኣብ ዩክሬይን ብቁዕ እንተ ኾይኑ ኣብ ሽወደን ክትዝውረሉ ይፍቀደካ እዩ። ፖሊስ ደው እንተ ኣቢሎምኻ፡ እቲ መምርሒ ፍቓድ ብቑዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ምስ ናይ ዩክሬይን ብዓል መዚታት ክራኸቡ ወይ ወረቐት መንነትካ ከተርእዮም ክሓቱኻ ይኽእሉ እዮም። መምርሒ ፍቓድካ ዘይተተርጎመ ምስ ዝኸውን፡ ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ከም ዘለካ ንምርግጋጽ ብቑዕ ካርድ መንበሪ ፍቓድካ (UT-kort) ከተርእዮም ክሓቱኻ እውን ይኽእሉ እዮም።

ዋላ ናይ ወጻኢ ሃገር መምርሒ ፍቓድ ይሃልካ እቶም ናይ ሽወደን ሕግታት ትራፊክ እዮም ዝትግበሩ። ንሕግታት ትራፊክ ሽወደን እንተ ጥሒስካ፡ እቲ መምርሒ ፍቓድ ዋላ ናይ ወጻኢ ሃገር ይኹን ፖሊስ ወይ ብዓል መዚ መጓዓዝያ ንመምርሒ ፍቓድካ ክወስድዎ ይኽእሉ እዮም።

እወ። ናይ ዩክሬይን ማኪናኻ ኣብ ሽወደን ከየመዝገብካ ክትሸጣ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ሓድሽ ወናኒ እዩ ነታ ማኪና ዘመዝግባ።

ሕጋዊ ምኽሪ ምስ ዘድልየካ፡ ምስ ጕዳይ ስደት ዝተተሓሓዘ ዝሰርሕ ሓደ ክኢላ ሕጊ ክትራከብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ዩክሬይን ስደተኛታት ዝምልከት ሕግታትን መምርሒታትን ኣፍልጦ ኣለዎም።

ፖሊስ ሽወደን ሩስያ ንዩክረይን ወሪራትሉ ኣብ ዘላ እዋን ብዛዕባ እተፈጸመ ገበናት ውግእ ዝምርምር ሓደ ጕጅለ ኣለዎ። ንሳ’ቶም ድሕሪ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ዩክረይን ብዕጥቃዊ መጥቃዕቲ ወይ ብተመሳሳሊ ዓመጽ ዝተቓላዕካ ወይ ካልኦት ሲቪል ሰባት ክቃልዑ ዝመስከርካ ምስ እትኸውን፡ ብዛዕብኡ ክሰምዑኻ ይደልዩ እዮም።

ናብ registrator.kansli@polisen.se ኢ-መይል ስደድ። ነቲ መልእኽትካ ድማ ”till gruppen för utredning av krigsbrott” ኢልካ ምልክት ግበረሉ። ወይ ብቐጥታ ናብ ማእከል ርክብ ናይ ፖሊስ ብቝጽሪ ተሌፎን +46 77-114 14 00 ደውል እሞ ምስቲ ዝምልከቶ ሰብ ንኽትራኸብ ክሕግዙኻ እዮም።

www.informationsverige.se ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ብብዙሕ ቋንቋታት እኩብ ሓበሬታ ዝሓዘ መርበብ ሓበሬታ እዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ብመንግስቲ ሽወደን ብዝተዋህበ ዕማም መሰረት ብምምሕዳራት ዞባታት ይመሓደር።

ሽወደን ከም ሃገር ከመይ ከም ትሰርሕ ወይ ንኣብነት ዑቕባ ከመይ ጌርካ ከም እትሓትት ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ፡ እቲ ሕቶ ንዝምልከቶ ብዓል መዚ ክትሓትት ይግባእ። ምስ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት እውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ናይቲ ኮሙን ቤት ጽሕፈት ዜጋታት (medborgarkontor) ንሕቶታት ክምልስ ይኽእል እዩ።

ገለ ካብቲ ኣብ ገሊኡ ገጻት ዘሎ ሓበሬታ ሓፈሻዊ ምዃኑ ኣስተብህል። እዚ ማለት ንዓኻ ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ ምናልባት ኵሉ እቲ ሓበሬታ ኣይምልከተካን ይኸውን ማለት እዩ።