ባንክ፡ ናይ ባንክ ኣገልግሎታትን ዲጂታላዊ ናይ መኽፈሊ ኣገልግሎታትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 12 2022

ኣብ’ዚ ብዛዕባ ባንክ፡ ናይ ባንክ ካርድ፡ ናይ ኢንተርነት ባንክን ዲጂታላዊ ናይ መኽፈሊ ኣገልግሎትን ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ባንክኢደን (BankID) ብናይ ሞባይል ኣፕ ምኽፋል ብኸመይ ከም ዝሰርሕን እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጥቃ ሓንቲ ላፕቶፕ ኮፍ ኢላ ኣላ፡ ኣብቲ ስክሪን ኣብ መስመር ዘሎ ናይ ባንክ ገጽ ይርኣ ኣሎ። ኣብ ሓደ ኢዳ ናይ ሞቢልት ባንክ-ኢደ ኣፕ ተኸፊትዋ ዘላ ሓንቲ ሞባይል ተሌፎን ሒዛ ኣላ።

ባንክ

ባንክ ምስዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ነገራት ዝሰርሕ ትካል እዩ፣ ክፍሊት፣ ውህለላን፣ ልቃሕ ገንዘብን። ባንክታት ወይ ናይ ልቓሕ ትካላት ክፍሊት ንክትከፍል ይሕግዙኻ። ገንዘብካ ከተዋህልልን ንከተዋፍር ክትክእልን ዕድል ከም ዝፍጠረልካ እውን ይገብሩ። ስለዚ ቑጠባ ብጉቡእ ንኽሰርሕ ኣገደስቲ እዮም። ናይ ክፍሊት ኣገልግሎትን ኤለክትሮኒካውዊ ገንዘብን ዝህባ፣ ንተጠቐምቲ ገንዘብ ዘለቕሓ፣ ብወለድ ገንዘብ ዘቐምጣ፣ ምልውዋጥ ገንዘብ ዝገብራን ካልኦት ናይ ፋይናንስ ትካላትንእውን ከም ባንክ እየን ዝቑጸራ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ ገንዘብ ክትልቓሕ ኣይትኽልን ኢኻ ግና መጕዚኻ እንተኣፍቒዱ ከተዋህልልን ክትከፍልን ትኽእል ኢኻ። ዝበዝሕ ግዜ መጕዚ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ወለዱ እዮም ። ንክተዋህልልን ክትከፍልን ባንክታት ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣለወን። ንኣብነት ሕሳብ ባንክ፣ ናይ ባንክ ካርድ፣ ናይ ኢንተርነት ባንክን ቴለፎን ባንክን።

ኣብ ባንክ ዓሚል ቕድሚ ምኻንካን ናይ ባንክ ኣገልግሎታት ቐድሚ ምጅማርካን እቲ ባንክ መንነትካ ክፈልጥ የድልዮ። ባንክ ገንዘብካ ካበይ ይመጽእ ከም ዘሎን ብኸመይ ኣገልግሎታት ባንክ ክትጥቐም ምኻንካን ክፈልጥ እውን የድልዮ እዩ። ስለዚ ኢኻ ቕድሚ ኣገልግሎታት ባንክ ምጅማርካ ገለ ገለ ሕቶታት እትሕተት።

ኣብ ባንክ ዓሚል ምዃን

ንስኻ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካ ኣብ ምዝገባ ህዝቢ(folkbokföra) ብዝቐልጠፈ ክትኣቱ ይግብኣካ። ሽዑኡ ናይ ሽወደን ውልቓዊ መለለዩ ቑጽሪ ትወሃብ። እዚ ምስ ተዳለወ ንመለለዩ መንነት ሽወደን ተመልክት። ናይ ሽወደን መለለዩ መንነት ምስ ተወሃብካ ንባንክ ሕሳብ ከተመልክት ትኽእል።

ኣብ ባንክ ዓሚል ቕድሚ ምኻንካን ናይ ባንክ ኣገልግሎታት ቐድሚ ምጅማርካን እቲ ባንክ መንነትካ ክፈልጥ የድልዮ። ባንክ ገንዘብካ ካበይ ይመጽእ ከም ዘሎን ብኸመይ ኣገልግሎታት ባንክ ክትጥቐም ምኻንካን ክፈልጥ እውን የድልዮ እዩ። ስለዚ ኢኻ ቕድሚ ኣገልግሎታት ባንክ ምጅማርካ ገለ ገለ ሕቶታት እትሕተት።

ሕሳብ ባንክ

ውልቃዊ ቍጠባኻ ንምእላይ ናይ ባንክ ሕሳብ ናይ ግድን ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ንዓካ ዘድልየካ ሕሳብ-ባንክ ዝተፈላለየ ስም ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት lönekonto, transaktionskonto, personkonto, privatkonto ወይ betalkonto። እቲ ሕሳብ-ባንክ እንታይ ከም ዝኾነ ስሙ ኣየገድስን እዩ። እቲ ዘገድስ ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ክትረክብ ክትክእል እዩ፦

  • ከም ደሞዝን ቍጠባዊ ሓገዝን ኣብ ሕሳብ ምእታው
  • ክፍሊታት ብምትሕልላፍ ባንክ፣ ባንክጂሮ(brevgiro)፣ ኣውቶጂሮ(autogiro)
  • ምውጻእ ጥረ ገንዘብ

ባንክ ካርድ

ሕሳብካ ብጉቡእ ንክትኣሊ ባንክ ካርድ እውን የድልየካ እዩ። ብካርድ ክትከፍል ከለኻን ገንዘብ ከተውጽእ ከለኻን ገንዘብ ካብ እቲ ካርድ ተላጊብዎ ዘሎ ሕሳብ ይውሰድ። ዝተፈላለዩ ዓይነታት ካርድታት ኣለው ንኣብነት ቪዛ ወይ ማስተርካርድ። ብካርድ እዞም ዝስዕቡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፣

  • ኣብ ድኳን ክትከፍል
  • ብኢንተርነት ክትከፍል
  • ካብ ናይ ገንዘብ ማሽን ገንዘብ ከትውጽእ

ናይ ኢንተርነት ባንክ

ብኢንተርነት ባንክ ናይ ብሕታውያን ሰባት፡ ሕሳብካ ክትከፍል፣ መድሕን ክትክትም፣ ኣብ ዝጥዕመካ ልቓሕካ ክትርኢን ትኽእል። ንቘልዑን፣ መንእሰያትን ንዓኻ ናይ ብሕቲ ትካል ትውንን እውን ኢንተርነት ባንክ ኣሎ። ብመገዲ ኢንተርነት ባንክ ናይ ባንክ ጕዳያትካ ኣብ ዝደለኻዮን ብህድኣትን ከተሰላስል ትኽእል ኢኻ። ናብቲ ኣገልግሎይ ምስ ኣተኻ፡ ንሕሳብካ፣ ካርድኻ፣ ልቓሕካን ርእሰ-ማልካን ብቐሊሉ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ከም ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ስዊሽን (Swish) ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ከተሳልጥ ትኽእል ኢኻ።።

ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID)

ባንክኢደ፡ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነት እዩ፣ ኢ-ለጂቲማሽን(e-legitimation) እውን ይበሃል እዩ። ስምምዕ ንክትፍጽምን ብኢንተርነት ክፍሊት ክትክትምን ዝቐለለ መገዲ እዩ። ብኤለክትሮኒካዊ ክታም ምግዳፍ ልክዕ ከም ብኣካል ምኽታም ብሕጊ ቐያዲ እዩ።

ባንክ እዩ ንኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ዝዕድል። ኤለክርትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነት (BankID) ንኽትከፍት ናይ ሽወደን ውልቓዊ መለለዩ ቑጽሪ (personnummer) ክህልወካ ኣለዎ።

ውሕስነት፣

  • ባንክኢደ ውልቓዊ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ(e-legitimation) እዩ። ካልእ ሰብ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ መንነት መረጋገጺ ክትከፍት እንተሓቲቱካ፣ ንኣብነት ብቴለፎን ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢ፡ ኤልክትሮኒካዊ መንነት መረጋገጺ ኣይትጠቐም።
  • ናይ ናትካ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ናይ ውሕስነት ቑጽሪ (Säkershetskoden) ውልቓዊ እዩ። ናይ ውሕስነት ቑጽሪ ብፍጹም ንዝኾነ ሰብ ኣይትሃብ። ንክትታለል ተኽእሎ ኣሎ።

ብተንቐሳቓሲ ቴለፎን (mobilen) ገንዘብ ምስዳድን ምቕባልን

ብናይ ሞባይል ኣፕ ክፍሊታት ክትከፍል ትኽእል ኢኻ። ስዊሽ፣ ሳምሱንግ ፐይን ኣፕል ፐይን ገለ ኣብነታት ናይ ኣፓት እዮም። በዞም ኣፓት፡ ኣብ መንጎ ብሕታውያን ሰባትን ትካላትን ገንዘብ ከተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ። እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ካብ ሕሳብ ባንክ ይውሰድ። ነፍሲወከፍ ባንክ ነናቱ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ከም ዘሎዎ ምፍላጡ ጽቡቕ'ዩ። ዘመናዊት ሞባይል ቴለፎን ዘይብሉ ሰብ'ውን ገንዘብ ኪቕበል ይኽእል'ዩ።

ስዊሽ ከመይ ጌርካ ትኸፍት፣

  • ገንዘብ ንምስዳድ ስዊሽ ንክትጥቐም ስዊሽ ናይ ሞባይል ፕሮግም (Swish-appen) ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID)ን ኣብ ሞባይልካ ክትጽዕን የድልየካ። እዚ ኣብ ጎግል ፕላይ(Google Play) ወይ ኣፕ ስቶር(App Store) ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
  • ንስዊሽ ምስ ባንክ ሕሳብ ንከተትሓሕዞ ብኢንተርነት ወይ ብሞባይል ናብ ባንክ ክትኣቱ ከድልየካ እዩ።
  • ስዊሽ ናይ ሞባይል ፕሮግራም ብምኽፋትን ቴለፎንካ ብምትሕሓዝን ኢኻ ንስዊሽ ተንጥፎ።

ብሞባይል ተሌፎን ክትከፍልን ናይ ባንክ ጕዳይካ ከተሳልጥን

ብሓገዝ ሞባይል ተሌፎንካ ናይ ባንክ ጕዳይካ ከተሳልጥን ክፍሊታትካ ክትከፍልን ልሙድ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ሞባይል ተሌፎንካ ነዚ እንተ ዘይተጠቐምካላ ኴንካ ንምጅማሩ ቍሩብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣይፎንን ንኣንድሮይድ ተሌፎናትን ዝኸውን ጽቡቕ መምርሒታት ኣሎ። እዞም መምርሕታት ባንክኢደን ስዊሽን ኣብ ሞቢልካ ከመይ ገይርካ ከም ትጽዕኖምን ክትጥቀመሎም ከም ትጅምርን ደረጃ ብደረጃ ዝገልጹ ኾይኖም ከምኡ'ውን ብሓገዝ ሞባይል ተሌፎንካ ክፍሊት ክትከፍል ከም እትኽእል በብደረጃ ይሕብሩ እዮም።