ውዕል፡ ወርሓዊ ዓሚልነት፡ ክፍሊታትን ዕዳታትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 13 2 2024

ኣብዚ ብዛዕባ ውዕልን ወርሓዊ ዓሚልነትን፡ ብዛዕባ ክፍሊታትን ዕዳታትንን ሓደ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ እንታይ ምኳኑን ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ውዕል

ንስኻን ሓደ ካልእ ወገንን ብዛዕባ ሓደ ነገር ክትሰማምዑ ከለኹም፡ ሓደ ውዕል ትገብሩ። እቲ ውዕል ንክልቲኦም ወገን ቀያዲ እዩ። እዚ ድማ ክልቲኦም ወገን ነቲ ኣብ ውዕል ክገብርዎ ዝተመባጽዑ ናይ ግድን ክገብርዎ ኣሎዎም ማለት እዩ። ንኣብነት እቲ ካልእ ወገን ዳሕራይ ክኸፍለሉ ዘለዎ እቲ ሓደ ወገን ሓደ ኣቕሓ ከረክብ እንተ ኣሎዎ ኾይኑ።

ካብ ሓደ ድኳን ገለ ነገር ክትገዝእ ወይ ብኢንተርኔት ሓደ መገሻ ክትሕዝ ከለኻ፡ ውዕል ትኣቱ ኣሎኻ። ባዕልኻ ውዕል ክትኣቱ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣሎካ። ብዙሕ ዓይነት ውዕላትን እንታይ ዓይነት ውዕል ከም ትኣቱ ዘሎካ ዝውስኖ ዝተፈላለየ ሕግታትን ኣሎ።

ንሓደ ውዕል ብኽልቲኡ ብኣፋውን ብጽሑፍን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ሓደ ውዕል፡ እቲ ውዕል ቀያዲ ንኽኸውን ብጽሑፍ ክኸውን ኣሎዎ።ንኣብነት ገዛ ክትገዝእ ከለኻ።

ንዘይኣዘዝካዮ ነገር ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ

ሓደ ውዕል ኣብ ግብሪ ንኽውዕል፡ ነቲ ኣቕርቦት ክትቅበሎ ወይ ብንጹር ገለ ነገር ክትእዝዝ ኣሎካ። ሓንቲ ትካል ገለ ነገር ኣዚዝካ ኢኻ እንተ ኢላ፡ እታ ትካል ጭብጢ ከተቕርብ ክትክእል እውን ኣሎዋ።

ንዘይኣዘዝካዮ ነገር ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ። ግን ኵሉ ግዜ ምስታ ትካል ተራኺብካ ክትቃወሞ ከድልየካ እዩ። ምቅዋም ማለት፡ ነቲ እታ ትካል ካባኻ ትሓቶ ዘላ ዘይቅኑዕ ክፍሊት ትከራኸረሉ እዩ።

ብጽሑፍ ተቓወም፡ ንኣብነት ብኢ-መይል፡ ቅዳሕ ናይቲ ኢ-መይል ወይ ደብዳቤ ድማ ዓቅቦ። ናይ ዘይኣዘዝካዮ ነገር መምለሲ ዋጋ ጽዕነት ምኽፋል እውን ኣየድልየካን እዩ። ናይ መምለሲ ዋጋ ጽዕነት፡ ንሓደ ነገር ናብቲ ሸያጢ ንምምላስ ዝኽፈል እዩ። እታ ትካል ነቶም ኣቑሑት ክምለስ እንተ ደልያ፡ ናይ መምልሲ ዋጋ ጽዕነት ሰነድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ወርሓዊ ዓሚልነት

ወርሓዊ ዓሚልነት፡ ሓደ ኣቕራቢ ብስሩዕ ሓደ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ንሓደ ዓሚል ዘረክበሉ ውዕል እዩ። እቲ ወርሓዊ ዓሚልነት ንዝተወሰነ ግዜ ወይ ንዘይተወሰነ ግዜ ከገልግል ይኽእል እዩ። ሓደ ኣቕራቢ፡ ሓደ ኣቕሓ ወይ ሓደ ኣገልግሎት ዘቕርብ ሓደ ሰብ ወይ ሓንቲ ትካል እዩ።

ወርሓዊ ዓሚልነት ንኣብነት ኣቕርቦት ናይ ኤለክትሪክ፡ ንሓደ ፍሉይ ናይ ሞባይል ኦፐረይተር ተጠቂምካ ምድዋል ወይ ብከይብል ተለቪዥን ወይ ሳተላይት ዝኽፈሎ ተለቪዥን ምርኣይ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣቕራቢ እዩ ነቲ ውዕል ኣዳልይዎ። እቲ ውዕል መብዛሕትኡ ግዜ ንብዙሓት ተመሳሰልቲ ናይ ንግዲ ኵነታት ክትጥቀመሉ ብዝከኣል ኣገባብ እዩ ዝጸሓፍ። እዚ ንስኻ ከም ዓሚል መጠን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ውዕል ከመይ ከም ዝመስል ክትጸልዎ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ። ንስኻ ከም ዓሚል ነቲ ውዕል ክትቅበሎ ክትመርጽ ወይ ካልእ ኣቕራቢ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ዓሚል መብዛሕትኡ ግዜ ብዓሚልነት ዝተወዓዓለ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ

ናይ ወርሓዊ ዓሚልነት መጻወድያ

ናይ ወርሕዊ ዓሚልነት መጻወድያ ብሓደ ሰሓቢ ኣቕርቦትን መብዛሕትኡ ግዜ ብሓደ ጽቡቕ ጌይሩ ዝተሓብኤ ወርሓዊ ዓሚልነትን ዝቖመ እዩ። ኣብ ኢንተርኔት ከምኡ'ውን ብቐዳምነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ናብ ክቡር ወርሓዊ ዓሚልነት ዝመርሕ ናይ ሕሱራት ፍርያታት ኣቕርቦት ልሙድ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ግምገማ ምስታፍን ንሓንቲ ተለፎን ካብ መጠን ንላዕሊ ሕሱር ብዝኾነ ዋጋ ንምዕዳግ ዕድል ምሃብ። እዚ፡ ንስኻ ከም ሸማቲ መጠን ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ጥራይትኸፍለሉ ዝመስል ሓደ ናይ ጥዕና ምግቢ ዝሓዘ መፈተኒ ጥቕላል ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ወርሓዊ ዓሚልነት መጻወድያ ኣብ እዋን ናይ ተለፎን መሸጣ እውን የጋጥም እዩ።

  • እቲ ኣቕርቦት ምስ ሓደ ወርሓዊ ዓሚልነት ከም ዝተሓሓዝ ንጹር እንተ ዘይነይሩ፡ ብቐጥታ ናይ ምኽፋል ግዴታ የብልካን።
  • ምስ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኖርወይ ወይ ኣይስላንድ ዝተመዝገበት ትካል እንተ ዄንካ ብርሑቕ ውዕል ኣቲኻ፡ ብሓፈሻ ናይ 14 ናይ መጣዓሲ መዓልታት ኣሎካ።
  • ናይ ዘይኣዘዝካዮ ነገር ናይ መምለሲ ዋጋ መጽዓኒ ክትከፍል ግዴታ የብልካን።
  • ነቲ ናይ ዘቅኑዕ ክፍሊት ሕቶ ካብታ ትካል ክሳብ ዝተቓወምካዮ፡ ብዛዕባ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ምሽቓል ኣየድልየካን እዩ።
  • ናብታ ትካል ብጽሑፍ ተቓወም፡ ንኣብነት ብኢ-መይል፡ ቅዳሕ ናይቲ ኢ-መይል ወይ ደብዳቤ ድማ ዓቅቦ።

ሃሎ ኮንሱመንት ብዛዕባ ናይ ወርሓዊ ዓሚልነት መጻወድያ ዝገልጽ ሓደ ፊልምታት ጌይሮም ኣሎዉ። እዛ ፊልም ብሽወደንኛ ጥራይ እያ ዘላ።

ግዳይ ናይ ወርሓዊ ዓሚልነት መጻወድያ ዝኾንካ እንተ መሲሉካ፡ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ክፍሊታት

ክፍሊት፡ ሓደ ነገር ዋግኡ ክንደይ ምኳኑ ዘርኢ ሰነድ እዩ። ኣብቲ ክፍሊት ሓበሬታ ብዛዕባ ክንደይ ክትከፍል ከም ዝኾንካ ኣሎ። ንኣብነት ናይ ተለፎን ክፍሊት ወይ ሓደ ክፍሊት ካብ መውዓሊ ህጻናትን ፍሪቲስን ክመጻካ ይኽእል እዩ። ክፍሊት ናይ ቲቪ፡ ኤለክትሪክን መውዓይን እውን ከመጸካ ይኽእል እዩ። ክፍሊት ፋቱራ እውን ይብሃል እዩ።

ነቲ ክፍሊት ቅድሚ ናይቲ ክፍሊት መወዳእታ ዝኽፈለሉ ዕለት ክትከፍሎ ኣሎካ። ነቲ ገንዘብ ካብቲ ዝለኣኽካዮ ዕለት ክሳብ ናብቲ ተቐባሊ ዝበጽሕ ሒደት መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ዘክሮ። መብዛሕትኡ ግዜ "እቲ ክፍሊት ኣብ ኢድና ዝበጽሓና" ወይ "ዝወድቀሉ መዓልቲ"ን ዕለትን ሰፊሩ ኣሎ። እዚ እቲ ገንዘብ እንተ ደንጐየ ናይ ግድን ኣብታ ዕለት ክበጽሕ ኣሎዎ ማለት እዩ።

ናብ ባንክ ኬድካ ክፍሊታት ክትከፍል ትኽእል ኢኻ። ግን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ክቡርን እዩ። ብዙሓት ባንክታት ብመንገደን እንተ ከፊልካ ናይ መልኣኪ ክፍሊተን ብዝሕ ኢሊ እዩ።

ብመንገዲ ኢንተርኔት ምኽፋል ዝቐልጠፈ እዩ። ዝሓሰረ እውን እዩ። ብመንገዲ ኢንተርኔት ክትከፍል ንኽትክእል ኣብ ሓደ ባንክ ሕሳብ ክህልወካ ኣሎዎ። ሽዑ እታ ባንክ ነቲ ናትካ ሕሳብ ምስ ኢንተርኔት ከተተሓሕዞ ትኽእል ኢያ። ብመንገዲ ኢንተርኔትባንክ ካብ ኮምፕዩተር ክፍሊታት ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ፋቱራ ናይቲ ትኸፍለሉ ሓደ ናይ ባንክጂሮ ወይ ፕሉስጂሮ ሕሳብ ቍጽሪ ኣሎ። ናይቲ ብመንገዲ ኢንተርኔትባንከን ትኸፍለሉ ቍጽሪ ሕሳብ ባዕልኻ ኢኻ ትመልኦ።

ዘይቅኑዓት ፋቱራታት ወይ ናይ ሓሶት ፋቱራታት

ሓደ ሓደ ግዜ ትካላት ፋቱራታት ክሰዳ ከለዋ ጌጋ ክገብራ ይኽእላ እየን፡ ንስኻ ድማ ዘይቅኑዕ ፋቱራ ይመጸካ። ኣብ ብምልኡ ወይ ኣብ ክፋል እቲ ፋቱራ ጌጋ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ከምኡ'ውን ናይ ዘይኣዘዝካዮ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ፋቱራ ክመጸካ ከሎ፡ ናይ ሓሶት ፋቱራ ይብሃል እዩ።

  • ኵሉ ግዜ ምስታ ትካል ርክብ ብምግባር ጀምርን ናይቲ ጌጋ ጥርዓን ኣቕርብን።
  • ብጽሑፍ ተቓወም፡ ንኣብነት ብኢ-መይል፡ ቅዳሕ ናይቲ ኢ-መይል ወይ ደብዳቤ ድማ ዓቅቦ።
  • ነቲ ከይኣዘዝካዮ ዝመጸ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ኣይትጠቀመሉ።

ንሓደ ፋቱራ ከመይ ጌርካ ከም ትቃወሞ ብናጻ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዕዳታትን ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳን

ዕዳ እንታይ እዩ?

ሓደ ነገር ክትእወድ ከለኻ ብኡንብኡ ዕዳ ይህልወካ። ኣብ ኣዚዮም ብዙሃት ኵነታት እቲ ዕዳ ብዛዕባ ገንዘብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዘይተኸፍለ ፋቱራን ለቃሕን እዩ።

ክፍሊትታት ኣብ ጊዜኡ ክፈል

ክፍሊታት ኣብ ጊዜኦም ክኽፈሉ ኣሎዎም። ነቲ ክፍሊት ኣብ ጊዜኡ ምኽፋል እንተ ኣምሊጡካ፡ በቲ ሸያጣይ ትዕደ። ሽዑ እቲ ሸያጣይ ናይ መዘኻኸሪ ክፍሊትን ናይ ምድንጓይ ወለድን ክወስድ መሰል ኣሎዎ። እዚ ክፍሊታት ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይከፈልካዮ ክፍሊት ይውሰኽ። ስለዚ ኣብ ግዜኻ እንተ ዘይከፊልካ እቲ ዕዳ ይውስኽ እዩ። እቲ ዕዳ ኣብ ሓጺር ግዜ ክዓቢ ይኽእል እዩ።

ሓደ መዘኻኸሪ እንተ መጺኡካ፡ ኣብ ዝዓበየ ዕዳ ምእንቲ ከይትኣቱ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ከም ትኸፍሎ ኣረጋግጽ።

ጌና ሕጂ'ውን ድሕሪ እቲ መዘኻኸሪ ምምጽኡ ነቲ ክፍሊት እንተ ዘይከፊልካዮ፡ እታ ትካል ወይ ወኪል ናይታ ትካል ሓደ ናይ ዕዳ እከባ ጠለብ ክሰዱልካ ይኽእሉ እዮም። እዚ፡ ቅድሚ እቲ ናትካ ጕዳይ ናብ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት (Kronofogdemyndigheten) ምሕላፉ ናይቲ ክፍሊት ወጻኢታትን ተወሳኺ ክፍሊታትን ወለድን ንምኽፋሉ ናይ መወዳእታ ዕድል ትወሃብ ማላት እዩ።

ግን ናይ ዘይኣዘዝካዮ ነገር ክትከፍል የብልካን። ኣብ ከምዚ እዋን ኣብ ክንድኡ ነቲ ፋቱራ ክትቃወሞ እዩ ዘሎካ። ብዝያዳ ኣብቲ "ዘይቅኑዓት ፋቱራታት ወይ ናይ ሓሶት ፋቱራታት" ዝብል ክፋል ኣንብብ።

ጠለብ ካብ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት

ካብ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት ሓደ ጠለብ፡ ሓደ ናይ ምኽፋል ትእዛዝ ዝብሃል፡ እንተ መጺኡካ እሞ ቀልጢፍካ ከፊልካ፡ ዝኾነ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ኣይግበረልካን እዩ።

እቲ ጠለብ ጌጋ እዩ ኢልካ እንተ ሓሲብካ፡ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ምስ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት ተራኺብካ ነቲ ጌጋ ምግላጽ ማለት እዩ።

ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ እንታይ ማለት እዩ?

ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ፡ ክፍሊታትካ ከም ዘይከፈልካ ኣብ ሓንቲ ኣታውን ዕዳን ትሕብር ትካል ምምዝጋብ እዩ። ኣታውን ዕዳን ዝሕብራ ትካላት ካብ ብዙሕ ውሑድ ካብ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት ሓበሬታ ይእክባ። ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ምስ ተመዝገበካ ገዛ ንምክራይ፡ ኣቑሑት ብኣራታ ምዕዳግ ወይ ካብ ባንክ ልቃሕ ምሕታት ከጸግመካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ንዕዳኻ እንታይ ገደሰኒ ክትብሎ ኣይትኽእል ኢኻ።ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ንሰለስተ ዓመት ኣብ መዝገብ ይጸንሕ።

ክኸፍል እንተ ዘይኽኢለ እንታይ እየ ክገብር?

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ግዜካ ክትከፍል ዘየኽእለካ ኵነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም፡ ሓደጋ ወይ ንስኻ ብኻልኦት ምኽንያታት ነቲ ዕዳታትካ ክትከፍል ዘድልየካ ብዝሒ ገንዘብ ከተእቱ ስለ ዘይከኣልካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ምስቲ ወይ ምስቶም ውዕል ወይ ዕዳ ዘሎካ ኣቕረብቲ ብቕልጡፍ ርክብ ግበር። ከምዚ ብምግባር ምናልባት በብእዋኑ ናይ ምኽፋል መደብ ክትገብሩ ክትሰማምዑ ትኽእሉ ትኾኑ።

ብዛዕባ ውዕል፡ ወርሓዊ ዓሚልነት፡ ክፍሊታትን ዕዳታትን ብናጻ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ባጀትን ዕዳን ምኽሪ

ካብታ ትቕመጠሉ ኮሙን ብዛዕባ ቍጠባኻ ሓገዝን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኵለን ኮሙናት ብናጻ ናይ ባጀትን ዕዳን ምኽሪ የወፍያ እየን።