መድሕናት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 5 2023

ንነብስካን ንንብረትካን ንምውሓስ ክትኣትዎም እትኽእል ዝተፈላለዩ ዓይነት ውልቃውያን መድሕናት ኣሎዉ። ገለ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ ብሓደ መድሕንናይቲ መድሕን ዝኣተኻሉ ሰብ ወይ ንብረት ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ናይ ውልቂ መድሕን ካብቶም ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ብዓል መዚ ጥሮታን ዝኣልዩዎም ሓፈሻዊ መድሕናት ይፈላለዩ እዮም። ኣብቶም ሓፈሻውያን መድሕናት፡ ከም ማሕበራዊ ውሕስነት እውን ዝፍለጡ፡ ካልእ ገዲፍካ ናይ ሕማም ክፍሊት፡ ጥሮታን መተካእታ ደሞዝ ወለዲን እቱው እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ንነብስካን ንንብረትካን ተወሳኺ መድሕን ክህልወካ ኣድልዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ መድሕን ምስ ሓንቲ ትካል መድሕን ትኣትዎ። እቲ ንሓደ መድሕን ትኸፍሎ መጠን ገንዘብ ክፍሊት ወይ ክፍሊት መድሕን ይብሃል።

መድሕን ገዛ

ሓደ መድሕን ገዛ፡ ኵሉ ሰብ ዘድልዮ ሓደ ኣዚዩ ኣገዳሲ ውሕስነት እዩ። ኣብ ሽወደን ዳርጋ ኵሉ ሰብ መድሕን ገዛ ኣሎዎ። ንስኻውን ከምኡ ክህልወካ ትምከር። እቲ መድሕን ካልእ ገዲፍካ ኣብ እዋን ባርዕ ሓዊ ንንብረት፡ ብልሽትን ስርቅን የውሕስ። ኣብቲ መድሕን ገዛ፡ መድሕን ተሓታትነት፡ ናይ ሕጋዊ ክርክር መድሕን፡ ውሕስነት መጥቃዕቲን መድሕን መገሻን እቱዋት እዮም።

ውልቃዊ መድሕን

መድሕን ቈልዓ

መብዛሕትም ወለዲ ንደቆም መድሕን ክኣትውሎም ይመርጹ እዮም። ሓደ መድሕን ቈልዓ ንኣብነት ኣብ እዋን ነባሪ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና፡ ውላድካ ንነዊሕ ግዜ እንተ ሓሚሙን ኣብ ነባሪ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ምስኣንን ካሕሳ ይኸፍል። ሓደ መድሕን ቈልዓ እንታይ ከም ዝሓቑፍ ይፈላለ እዩ። ስለዚ ቅድሚ ምፍራምካ እቲ መድሕን ንምንታይ ከም ዘገልግል ከተንብብ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ጽቡቕ መድሕን ቈልዓ ኣብ እዋን ሕማምን ሓደጋን ካሕሳ ይኸፍል እዩ።

ናይ ሕማምን ሓደጋን መድሕን

ናይ ሕማምን ሓደጋን መድሕን፡ እንተ ሓሚምካ ወይ ሓደጋ ኣጋጢሙካ፡ ቍጠባዊ ካሕሳ ይህበካ።

ናይ ሂወት መድሕን

ናይ ሂወት መድሕን፡ እንተ ሞትካ ነቶም ብሂወቶም ዝተረፉ ካሕሳ ክህብ ይኽእል እዩ።

መድሕን ንማኪና

ማኪና ትውንን እንተ ዄንካ ነታ ማኪና ንኽትዝውራ ብመሰረት ሕጊ ናይ ግድን ናይ ትራፊክ መድሕን ክህልወካ ኣሎዎ። እቲ ናይ ትራፊክ መድሕን ካብታ እታ ማኪና ዝዓደግካሉ ዕለት ጀሚሩ ክእቶ ኣሎዎ። እታ ማኪና መድሕን ዘይብላ እንተ ዄይና፡ ናይ ትራፊክ መድሕን ክፍሊት ክትከፍል ኢኻ። እታ ናይ ትራፊክ መድሕን ክፍሊት እታ ማኪና መድሕን ናይ ዘይብላ ነፍስ ወከፍ መዓልታት ይውሰድ። ካብቲ ንመድሕን ዝኽፈል ዋጋ ድማ ኣዚዩ ዝለዓለ እዩ።

እቲ ናይ ትራፊክ መድሕን ንዅሉ ናይ ሰባት መጕዳእቲን መጕዳእቲ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ንብረትን ይሽፍን እዩ። ነታ ማኺና ተወሳኺ መድሕን ክትኣትወላ እንተ ደሊኻ፡ ምሉእ ወይ ፍርቂ መድሕን ክትኣትወላ ትኽእል ኢኻ።