ብኢንተርነት ምዕዳግ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 12 2022

ብኢነተርነት ምዕዳግ ቐሊል ክኸውን ይኽእል እዩ። ብኢነተርነት ዝተገብሩ ዕድግታትካ ብዝተኻእለ መጠን ውሑሳት ንምግባር ግን ክትሓስበሎም ዘለካ ነገራት ኣለው።

ሓበሬታ ብዛዕባ እታ ትካል ኣክብ።

እታ ትካል ኣድራሻን ቍጽሪ ቴለፎንን ከም ዘለዋ ኣረጋግጽ። ንኣገልግሎት ዓሚል ናይታ ትካል ክትራኸቦም ፈትን። ናይታ ትካል ኣገልግሎት ዓሚል ንክተረኽቦም ቀሊል ክኸውን ኣለዎ።

ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እታ ትካል እንታይ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ፍለጥ። ብኢንተርነት ካልኦት ሰባት ኣየናይ ጽቡቕ ኣየናይ ሕማቕ ጎድኒ ናይቲ ትካል ኢሎም ከም ዝጠቐሱ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሕሱር ቀረብ

ኣብ ኢንተርነት ንዝርከብ ኣዝዩ ሕሱር ቀረብ ኵሉ ግዜ ብዓይኒ ጥርጣረ ርኣዮ። ኣዝዩ ዝስሕብ ሕሱር ዋጋ ሓደ ኣቕሓ ናብ ኣዝዩ ክቡር ዓሚል ምኳን ዘስዕብ ዕዳጋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዓሚል ምኻን ( Prenumeration) ወርሓዊ ዓሚልነት( abonnemang) እውን ይበሃል እዩ። ነቲ ዓሚልነት ምቍራጽ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ነቶም ናይ ዕድጊ ቅድመ-ኩነት፣ ጠቕላላ ዋጋ፣ ናይ መብጽሒ ቅድመ-ኩነትን ናይ ክፍሊት ቅድመ-ኩነትን ኣንብቦም።

ኩሉ ግዜ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ካብታ ትካል ምግዛእካ ነቶም ናይ ዕድጊ ቅድመ-ኩነት ወይ ናይ ስምምዕ ቅድመ-ኩነት ኣንብቦም።

ናይቲ ክትገዝኦ ትደሊ ዘሎካ ጠቕላላ ዋጋ ክንደይ ከምዝኸውን ኣረጋግጽ። ኣብቲ ዋጋ እንታይ ከም ዝጠቓለል ኣረጋግጽ፣ ንኣብነት ዋጋ መስደዲ ኣቕሑ ናባኻ።

መብጽሒ ግዜ፣ ማለት እቲ ኣቑሑ ኣብ ኢድካ ክሳዕ ዝበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ኣረጋግጽ።

ነቲ ኣቑሑ ከመይ ጌርካ ከም ትኸፍሎ ኣረጋግጽ። ካብ ኢንተርነት ክትዕድግ ከልኻ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ። ኣየኖት መኽፈሊ ኣገባባት ከምዘለዉን እንታይ ማለት ምኻኖምን ኣረጋግጽ።

ብናይ ባንክ ካርድ እንተ ዄንካ ክትከፍል፡ ኣብ ዝተመስጠረ (krypterade) መርበብ ሓበሬታ ጥራይ ይኹን። ሓደ መርበብ ሓበሬታ ዝተመስጠረ ምስ ዝኸውን ኣድራሻ እቲ መርበብ ኣብ ክንዲ ብ 'http' ብ 'https' እዩ ዝጅምር። ምስኡ ናይ ሊኮቶ ምልክት ኣብ ጥቓ ኣድራሻ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ እቲ ትካል ኣዝዩ ውሑስ መርበብ ሓበሬታ ምኻኑ የርኢ።

ንዓኻ ወረቐት መንነት ዘይብልካ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዲኻ ካብ መዓል መዚ ግብሪ ውልቓዊ መለለዩ ቍጽሪ ተቐቢልካ? ወረቐት መንነትካ ከይተቐበልካ ካብ ኢንተርነት ዝኾነ ነገር ንከይትገዝእ ተጠንቐቕ። ኣቕሑትካ ካብ ወኪል ፓኼት ወይ ወኪል ጶስጣ ንምውሳድ ወረቐት መንነት ከድልየካ እዩ።

መሰል ምምላስ ወይ ምጥራዕ ኣቕሑ ወይ ኣገልግሎት

ብኢንተርነት ክትዕድግ ከሎኻ፡ ንዝገዛእካዮ ክትመልስ ወይ ክትጠርዕ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ምጥራዕ ማለት ኣብቲ ዝገዛእካዮ ኣቕሑት ወይ ኣገልግሎት ገለ ጌጋ ኣሎ ምባል እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ምዕዳግ ካብ ኢንተርነት።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ Hallå konsument ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ካብ ኢንተርነት ምዕዳግ ኣሎ። ሃሎ ኮንሱመንት፡ ብዛዕባ ምግዛእ ኣቕሑትን፣ ምጥራዕን ዝምልከቱ ሕቶታትን ንስኻ ከም ሸማታይ ትደልዮም ካልኦት ሓገዛትን ዝምልሱ ሰራሕተኛታት እውን ኣለውዎም።