ናይ ገዛ ቍጠባ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 12 2022

ናይ ገዛኻ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ናትካ ናይ ገዛ ቍጠባ (hushållsekonomi) እዮም። ንጽቡቕ ናይ ገዛ ቑጠባ ኣብ ሞንጎ ወርሓዊ እተእትዎ ገንዘብን፣ እተውጽኦ ገንዘብን ምዕርይነት ክህልወካ ይግባእ።

ቑጠባኻ ንምቑጽጻር ሓደ ቕልል ዝበለ ባጀት ክህልወካ ጽቡቕ እዩ። ንኣታዊታትካን ወጻኢታትን ኣኪብካ ጽሓፎም፣ ነዚ ሓበሬታ እዚ ድማ ንናይ መጻኢት ወርሒ ባጀት ክትምድብ ከለኻ ተጠቐመሉ። ሽዑኡ ነገራት ክንደይ ከም ዝዋግኦምን ክንደይ ክትገዛእ ከም እትኽእልን ክተስተብህል ኢኻ።

ወጻኢታት ሓደ ባጀት ካብ ገዛ ናብ ገዛ ይፈላለ እዩ። ብዓል መዚ ሸመትቲ (Konsumentverket) ዓመታዊ ንኣብ ገዛ ዝርከቡ ገለ ክፋል ወጻኢታት ዝኣኽሉ ዋጋታት ቕማረ ይገብር እዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ባጀት ክትምድብ ከለኻ ነዞም ኣሃዛት ከም መበገሲ ክትጥቐመሎም ትኽእል ኢኻ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃሎ ኮንሱምቨርከት ንናይ ገዛኻ ባጀት ንምቕማር ክትጥቐመሉ እትኽእል ናይ ባጀት ቐማሪ (ካልኩሌተር) ኣሎ።

ወጻኢታትካ ክትቖጻጸር እንተዘይኪኢልካ ገለ ካብ ወጻኢታትካ ክትቑጥቦም ትኽእል እንተ ኾንካ ርአ። ሓደ ሓደ ግዜ ሕስር ዝበለ መተካእታ ብምምራጽ ወጻኢታትካ ከተጉድል ትኽእል ኢኻ። ካልእ ግዜ ድማ ነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ነገር ብምምራጽ ገንዘብ ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ።

በከፋፋል ወይ ቑልጡፍ ልቓሕ ብምጥቓም ገለ ነገር ክትገዝእ ከለኻ ተጠንቐቕ። ኣብ ክንድኡ ገንዘብ ከተዋህልል ትኽእል እንተኾንካ ሕሰብ። ቑልጡፍ ልቓሕን በከፋፋል ምግዛእን ዝበዝሕ ግዜ ንዋጋ ኣዝዩ ከም ዝኸብር ዝገብርዎ ወለድን ክፍሊታትን ማለት እዮም።