ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ክትገዝእ ከለኻ ዘሎዉ መሰላት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 10 2023

ኣብ ሽወደን ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ክትገዝእ ከሎካ ዝከለኸሉልካ ሕግታት ኣሎዉ። እቶም ሕግታት ንኣብነት ንዕድግካ ክትጠርዕ ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ድማ ክትጠዓስ መሰል ይህቡኻ እዮም።

ቅብሊት

ካብ ዱኳን ክትዕድግ ከሎኻ፡ ቅብሊት ክወሃበካ መሰል ኣሎካ። ብኢንተርኔት እንተ ዄንካ ዓዲግካ፡ ናይቲ ትእዛዝካ መረጋገጺ ክወሃበካ መሰል ኣሎካ። ነቲ እንታይ ከም ዝዓደግካን ክንደይ ከም ዝኸፈልካን ዘርኢ መርትዖ ክትዕቅቦ ጽቡቕ ምኳኑ ዘክር።

እቲ ቅብሊት ካልእ ገዲፍካ ናይ ዕለት፡ ዋጋ፡ ስም ኣቕሓን ብዝሒ ኣቕሓን ትሕዝቶ ክህልዎ ኣሎዎ። ከምኡ'ውን ስም፡ መለለዪ ቅጽሪ ትካልን ኣድራሻ ናይ ትካልን ክህሉ ኣሎዎ።

ምቕራብ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ

እቲ ዝዓደግካዮ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ጌጋ (ኣበር) እንተ ኣሎዎ ኾይኑ፡ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ከተቕርብ መሰል ኣሎካ። ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ፡ ብዛዕባ እቲ ኣበር ጥርዓን ምቕራብ ማለት እዩ። እቲ ሸያጢ ነቲ ጌጋ ከዐርዮ ዕድል ክረክብ ኣሎዎ። መብዛሕትኡ ግዜ መተካእታ ናይቲ ዝተሰበረ ኣቕሓ ሓደ ሓድሽ ኣቕሓ ይወሃበካ እዩ። ሓደ ኣገልግሎት ክትዕድግ ከሎኻ እቲ ሸያጢ ነቲ ጌጋ ከዐርዮ ኣሎዎ።

መሰል ምቕያር ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዘየገድስ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ከተቕርብ መሰል ኣሎካ። ዋላ ዋግኦም ዝጎደለ ኣቑሑት ኣበር እንተ ኣለዎም ኾይኑ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ከተቕርብ መሰል ኣሎካ። ኣብ ሽወደን ንሰለስተ ዓመት ናይ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ምቕራብ መሰል ኣሎካ።

ድሕሪ እቲ ዕድጊ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስቲ ሸያጢ ብምርኻብ እቲ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት እንታይ ጌጋ ከም ዘሎዎ ሓብሮ። ካብታ እቲ ጌጋ ዝረኸብካሉ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ እንተ ኣቕሪብካ፡ ከም ምኽኑይ ግዜ እዩ ዝቝጸር። ምኽኑይ ግዜ ቅቡል ግዜ ማለት እዩ።

  • ገለ ነገር ክትገዝእ ከሎኻ ኵሉ ግዜ ነቲ ቅብሊት ዓቅቦ። ሽዑ ነቲ ኣቕሓ ንኽትመልሶ ዝቐለለ ይኸውን።
  • ነቲ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ብጽሑፍ ኣቕርቦ፡ ንኣብነት ብኢ-መይል።

ምእንቲ ጥርዓን ከም ዘቕረብካን መዓስ ከም ዝጠራዕካን መርትዖ ከተቕርብ ክትክእል፡ ናይቲ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ዘቕረብካሉ ቅዳሕ ዓቅቦ።

ክፉት ሸመታ

ብክፉት ሸመታ ምዕዳግ፡ ነቲ ዝዓደግካዮ እንተ ዘይደሊኻዮን ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ መሊስካዮን፡ ገንዘብካ ይምለሰካ ማለት እዩ።

መሰል ናይ ክፉት ሸመታ ዝህበካ ዝኾነ ሕጊ የለን። ዕድል ናይ ክፉት ሸመታ ብድልየት ዝወሃብ ኾይኑ እተን ዱኳናት ባዕለን ዝውስንኦ ናተን ሕጊ እዩ። እዚ፡ ገለ ዱኳናት ናይ 30 መዓልታት ክፉት ሸመታ ዕድል ክህባ ከለዋ ገሊኤን ድማ ጨሪሸን ናይ ክፉት ሸመታ ዕድል ኣይህባን ማለት እዩ።

  • ኵሉ ግዜ ኣየኖት ኣየኖት ኵነት ከም ዘገልግሉ ኣብቲ ዱኳን ሕተት።
  • ንኽንደይ እዋን ክፉት ሸመታ ከም ዘሎካ ኣብቲ ቅብሊት ተነጺሩ ከም ዘሎ ርኣዮ።
  • ነቲ ቅብሊት ዓቅቦን ቅድሚ እቲ ናይ ክፉት ሸመታ ዕለት ምውዳቑ ነቲ ኣቕሓ ምለሶን።

መሰል ምቕያር ኣቕሓ

መሰል ምቕያር ኣቕሓ ምህላው፡ ንዝዓደግካዮ ሓደ ኣቕሓ መሊስካ ኣብ ክንድኡ ካልእ ምምራጽ ማለት እዩ። መሰል ምቕያር ኣቕሓ ክከውን ከሎ ገንዘብ ኣይምለሰካን እዩ።

መሰል ምቕያር ኣቕሓ ኣሎካ ዝብል ዝኾነ ሕጊ የለን። መሰል ምቕያር ኣቕሓ ብድልየት ዝወሃብ ዕድል ኾይኑ እተን ዱኳናት ባዕለን ዝውስንኦ ናተን ሕጊ እዩ።

  • ኵሉ ግዜ ኣየኖት ኣየኖት ኵነት ከም ዘገልግሉ ኣብቲ ዱኳን ሕተት።
  • ንኽንደይ እዋን መሰል ምቕያር ኣቕሓ ከም ዘሎካ ኣብቲ ቅብሊት ተነጺሩ ከም ዘሎ ርኣዮ።
  • ነቲ ቅብሊት ዓቅቦን ቅድሚ እቲ ናይ መሰል ምቕያር ኣቅሓ ዕለት ምውዳቑ ነቲ ኣቕሓ ምለሶን።
  • ነቲ ኣቕሓ ልክዕ ከምቲ ክትገዝኦ ከለኻ ዝነበሮ ኵነት ምለሶ።

መሰል ምጥዓስ

ካብ ሓንቲ ዱኳን ክትዕድግ ከሎኻ ዝኾነ መሰል ምጥዓስ የብልካን። ብርሑቕ ንኣብነት ብመንገዲ ኢንተርኔት፡ ካብ ብተለፎን ሸየጥቲ፡ ወይ ትእዛዝ ብጶስጣ ገለ ነገር እንተ ዓዲግካ ንኽትጠዓስን ገንዘብካ ክምለሰካን መሰል ኣሎካ። ከምኡ'ውን ምስ ሓደ ሸያጣይ ካብቲ ናይ ሸያጣይ ናይ ንግዲ ኣዳራሽ ወጻኢ ውዕል እንተ ጌርካ፡ ንኽትጠዓስ መሰል ኣሎካ። ውዕል፡ ብጽሑፍ ወይ ብኣፍ ዝተሰማማዕካሉ ነገር እዩ።

  • ብርሑቕ ወይ ካብቲ ናይ ሸያጣይ ኣዳራሽ ወጻኢ ክትዕድግ ከሎኻ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምጥዓስ መሰል ኣሎካ።
  • እቲ ናይ ምጥዓስ እዋን ካብ ጽባሕ ናይ እቲ ኣቕሓ ዝተቐበልካሉ ዕለት ይጅምር። ሓደ ኣገልግሎት እንተ ዄንካ ዓዲግካ፡ እቲ ናይ ምጥዓስ እዋን ካብ ጽባሕ እቲ ውዕል ዝኣተኻሉ ዕለት ክሓስብ ይጅምር። ናይ ምጥዓስ እዋን ንሓደ ዕድጊ ንኽትጠዓሰሉ ዘሎካ ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ተለፎን መሸጣ፡ ድሕሪ ነቲ ውዕል ብጽሑፍ ምርግጋጽካ፡ ነቲ ውዕል ትኣትዎ። ጠለብ ናይ ብጽሑፍ፡ ንኽልቲኡ ናይ ወረቐት ኣገባብን ኤለክትሮኒካዊ ኣገባብን ንኣብነት ብኢ-መይል ወይ ኤስኤምኤስ የጠቓልል።
  • እቲ ሸያጣይ ቅድሚ ነቲ ውዕል ምእታውካ ከመይ ጌርካ ነቲ ዕድጊ ከም ትጠዓሰሉ ሓበሬታ ክህበካ ኣሎዎ። እቲ ሸያጣይ እኹል ሓበሬታ እንተ ዘይሂቡካ ኾይኑ እቲ ናይ ምጥዓስ እዋን ይናዋሕ እዩ።
  • ናይ ምጥዓስ መሰል ንዅሉ ዓይነት ዕድጊ ኣየገልግልን እዩ። ንኣብነት ሓደ መገሻ ወይ ብፍሉይ ዝፈረየ ፍርያት ክትዕድግ ከሎኻ ኣየገልግልን እዩ። እቲ ሸያጣይ ነዞም ዕድግታት መሰል ምጥዓስ ከም ዘይምልከቶም ክሕብረካ የድልዮ እዩ።
  • ብጽሑፍ ንኣብነት ብኢ-መይል ከም ዝተጣዓስካ ምሕባር ዘክር። ሓደ ቅዳሕ ከም መርቶኦ ዓቅብ።
  • ነቲ ኣቕሓ ካብታ ከም ዝተጠዓስካ ዝሓበርካላ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ናብቲ ሸያጣይ ምምላስ ከድልየካ እዩ። ቅድሚ ውዕል ምእታውካ እቲ ሸያጣይ ብዛዕብኡ ሓቢሩካ እንተ ኾይኑ፡ ናይ መምለሲ ወጻኢታት ባዕልኻ ኢኻ ትኸፍሎ። ነቲ ኣቕሓ ናብቲ ሸያጣይ ተመሊስካ ከም ዝለኣኽካሉ ከተርኢ ክትክእል ይግብኣካ እዩ። ስለዚ ነቲ ኣቕሓ ዝመለስካሉ ቅብሊት ከም መርትዖ ዓቅቦ።