ግብሪ (Skatt)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 30 1 2023

ግብሪ ንህዝባዊ ወጻኢታት ኢልካ እትኸፍሎ ክፍሊት እዩ። ግብሪ ካብ ኣታዊታትናን፣ ኣቕሑትን ኣገግልግሎታትን ንኸፍሎ። ግብሪ ኣታዊታትካ ንሃገር፣ ኮሙንን ዞባታትን እዩ ዝኽፈል።

ስለምንታይ ግብሪ ትኸፍል።

ግብሪ ብሓባር ዝሓሸ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ኢና ንኸፍሎ። መሰረታዊ ዕላማ ናይ ግብሪ፡ ኩሎም ሰባት ማዕረ ሓገዝን ማዕረ ዕድላትን ንክረኽቡ እዩ።

ምስ ካልኦት ሃገራት ኣወዳዲርካ ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ብዙሕ ግብሪ ኢና ንኸፍል። ግብሪ ብዙሕ ዝኾነሉ ምኽንያት ሃገር፣ ኮሙንን ዞባታትን ዓበይቲ ሓላፍነታት ስለ ዝስከሙ እዩ። ከም ቤት ትምህርቲ፣ ኣገልግሎት ሕክምናን ትሕተ ቕርጽን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ብግብሪ እዮም ዝምወሉ።

ኣየኖት ዓይነታት ግብሪ ኣለው?

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ግብሪ ኣለዉ። ገለ ገለ ካብቶም ልሙዳት ግብርታት፡ ግብሪ ኣብ ስራሕን እትዋትን፣ መኪናን ትራፊክን፣ ኣልኮላዊ መስተን ትንባኾን እዮም። እዚ ማለት ካብ ደሞዝካ ግብሪ ትኸፍል፣ መኪና ንክትውንን ንክትዝውርን ከምኡ እውን ኣልኮላዊ መስተ ወይ ትንባኾ ምስ እትገዝእ ቐረጽ ትኸፍል።

ኣየናይ ግብሪን ክንደይ ዓቐንን ከም እንኸፍል ዝውስኑ ኣብ ባይቶ፣ ዞባታትን ኮሙንን ዝርከብ ፖለቲከኛታ እዮም ።

እቲ ግብሪ ኣብ ምንታይ ምዓላ ይውዕል?

ግብሪ ኣብ ምኽፋል ንኣብነት ትምህርቲ፣ ኣገልግሎት ሕክምናን ትሕተ ቕርጽን ይውዕል።

  • ኣብ ቤትትምህርቲ ገለ ገንዘብ ከይከፈልካ ብመምህር ትመሃር። ናይ መምሃራን ደሞዝ ካብ ግብሪ ይኽፈል።
  • እንተ ሓሚምካ፡ ክንክን ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ሆስፒታል ትረክብ። እቲ ክንክን ጥዕና ካብ ግብሪ ይኽፈል።
  • መገዲ እንተ ተባላሽዩን ክዕረ እንተ ተደልዩን መዕረዩ ናይቲ መገዲ ካብ ግብሪ ይኽፈል።

ካብ ግብሪ ዝኽፈሉ ካልኦት ብዙሓት ነገራት ኣለው፣ ንኣብነት:

  • ሓልዮት ኣረጋውያን
  • ሓልዮት ቈልዑ
  • ማሕበራዊ ኣገልግሎት
  • ቤት ፍርዲ
  • መቐበሊ ስደተኛታት
  • ባህሊ

በዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እንታይ ይገብር።

በዓል መዚ ግብሪ፡ ኣብ ሽወደን ውልቐሰባትን ትካላትን ነቶም ፖለቲከኛታት ዝወሰንዎ ግብርታትን ቀረጻትን ክፍሊታትን ከም ዝኸፈሉ ዘረጋግጽ መዓል መዚ እዩ። ዕዮታት በዓል መዚ ግብሪ፡ ካልእ ገዲፍካ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣

  • ግብሪ ምቕባል
  • ምምሕዳር ህዝባዊ ምዝገባ
  • ምዝገባ ዝርዝራዊ ፍቕዲ ንብረት
  • ገበን ግብሪ ምምርማር

ኩሎም ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገቡን 13 ዓመት ዝመልኡን፡ መለለዩ ወረቐት ካርድ ካብ መዓል መዚ ግብሪ ከመልክቱ ይኽእል።

ጽሑፋዊ መፍለጢ (Deklaration)

ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ኩሎም እትዋት ገንዘብ ዝነበሮም ንበዓል መዚ ግብሪ ክነግሩ ኣለዎም። እዚ ብጽሑፍ ምፍላጥ (deklarera) ይበሃል። ንውልቐ ሰባትን ንትካላትን ድማ ይምልከት።

ኣብ መጀመርያ ናይ ዓመት በዓል መዚ ግብሪ ናብቲ ብጽሑፍ ከፍልጥ ዘለዎ ሰብ ናይ ኣጽሑፋዊ መግለጺ ቅጥዒ ይሰድድ። ኣብቲ ቅጥዒ፡ ኣብታ ዝሓለፈት ዓመት ክንደይ እትዋት ከምዝነበረካ ተዘርዚሩ ይርከብ። ንስኻ እቲ ሓበሬታ ቑኑዕ ከምዘሎ ተረጋግጽ።

እቲ ሓበሬታ ቑኑዕ እንተ'ሎ ኾይኑ፡ ንስኻ ነቲ ጽሑፋዊ መፍለጢ ተጽድቖ። ነቲ ጽሑፋዊ መፍለጢ፡ ኤስኤምኤስ ብምስዳድ፣ ተለፎን ምድዋል፣ ናይ በዓልመዚ ግብሪ ናይ ሞባይል ፕሮግራም ወይ ብኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ በዓል መዚ ግብሪ ዝርከብ ኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ምጥቃም ከተጽድቖ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ኣብቲ ጽሑፋዊ መፍለጢ ዘሎ ሓበሬታ ቕኑዕ እንተዘይኮይኑ ክትቕይሮ ኣለካ። ነቲ ናትካ ጽሑፋዊ መፍለጢ በቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ በዓል መዚ ግብሪ ዝርከብ ኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ተጠቒምካ ክትቕይሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ኤሰኤምኤስ ብምስዳድ፣ ብምድዋል ወይ ብናይ ሞባይል ቴለፎን ፕሮግራም ወይ ብኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ብምጥቓም ብጽሑፍ ከተፍልጥ ምስ ዘይትኽእል ነቲ ናይ ወረቐት ቅጥዒ ናብ በዓል መዚ ግብሪ ብምልኣኽ ብጽሑፍ ከተፍልጥ ትኽእል ኢኻ።

ዋላ እኳ ዝኾነ ናይ ብጽሑፍ መፍለጢ ቅጥዒ ናብ ገዛኻ እንተ ዘይተላእከልካ፡ ብጽሑፍ ምፍላጥ ከድልየካ ይኽእል እዩ።

መአዘዚ-ኣገልግሎት ዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ብምጥቓም ናይ ብጽሑፍ መፍለጢ ቅጥዒ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ። መአዘዚ-ኣገልግሎት ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ግብሪ እንተዘይከፊልካ እንታይ የጋጥም?

ግብሪ እንተዘይከፊልካ ገበን ጌርካ ማለት እዩ፣ እዚ ናይ ግብሪ ገበን ይበሃል።

ግብሪ ከይከፈልካ እንተ ሰሪሕካ፡ ብጸሊም ትሰርሕ ኣሎኻ ይብሃል። ብጸሊም ምስራሕ ዘይሕጋዊ እዩ። ክሳብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት ናይ መኪናኻ ግብሪ እንተዘይከፊልካ፡ እታ መኪና ክትጥቐመላ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ። ብተወሳኺ ናይ ምዱንጓይ መቕጻዕቲ እውን ትኸፍል። እዚ፡ ካብቲ ሽዑ ነቲ ግብሪ ከፊልካዮ እንተ ትነብር ኔርካ ንላዕሊ፡ ሕጂ ዝያዳ ትኸፍል ማለት እዩ። ሕጂ እውን እንተዘይከፊልካ በዓል መዚ ግብሪ ነቲ ጉዳይካ ናብ መዓል መዚ ኣስፈጻሚ (Kronofogden) የሰጋግሮ።