ናብ ስድራኻ ናብ ዓዲ ገንዘብ ምልኣኽ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 12 2022

ንወጻኢ ሃገር ገንዘብ ንምልኣኽ ምስኣን ርክብ ክትገብር ትኽእል ብዙሓት ባንክታትን ትካላትን ኣሎዋ።

እተን ነዚ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ባጤራ ንምሕልላፍን ንምሽራፍን ክፍሊት ይወስዳ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ካብቲ ተቐባል ገንዘብ እውን ክፍሊት ይወስዳ እየን። ገንዘብ ናይ መስደዲ ዋጋ ኣብ ሽወደን ኣብ ምንጎ እተን ዝተፈላለያ ትካላትን ባንክታትን ኣዚዩ ብዙሕ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

"Money from Sweden" ሓደ ዋጋታት ብናጻ እተወዳድረሉ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ኣገልግሎት ብመንግስቲ ሽወደን እዩ ዚካየድ። ኣብዚ፡ ኣብተን ዝተፈላለያ ትካላት ገንዘብ ንምልኣኽ ክንደይ ከም ዝኽፈሎ ከተወዳድር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን እቲ ገንዘብ ንኽበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስደሉ ትርኢ። ብመንገዲ እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቐጥታ ገንዘብ ክትልእኽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግን ናብ ነቲ ኣገልግሎት ዝህባ ባንክታትን ትካላትን ዘእቱ መላግቦ ኣሎዎ።

ገንዘብ ክትልእኽ ክትደሊ ከለኻ ዝተፈላለየ ናይ መኽፈሊ ኣገባባት ኣሎ። ብጥረ ገንዘብ፡ ካርድ ወይ ካብ ባንክ ናብ ባንክ ምትሕልላፍ። ዝተፈላለያ ትካላት ዝተፈላለየ ናይ መኽፈሊ ኣገባብ ይቕበላ። ንኽትፈልጦ ጽቡቕ ድማ፡ ኵለን ትካላት ናብ ኵሉ ሃገር ገንዘብ ከም ዘየመሓላልፋ እዩ።