ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 5 2023

ስድራካ ምሳካ ኣብ ሽወደን ክተኣኻከቡ ንኽፍቀዶም ከመይ ጌይሮም ከመልክቱ ከም ዝኽእሉ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዳግመ ምትእኽኻብ ስድራ እንታይ እዩ?

ምጥርናፍ ስድራ ቤት ማለት፡ ሓንቲ ተፋላልያ ዝነበረት ስድራ ቤት ምስቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ እተዋህቦ ኣባል ስድራ ቤታ ኣብ ሽወደን ብሓባር ንኽትነብር ከተመልክት ትኽእል እያ ማለት እዩ።

ንናይ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መን እዩ መሰል ዘለዎ?

እቶም ኣዚዮም መቕርብካ (ብዓልቲ ቤት፡ ብዓል ቤት፡ ብሓደ መናብርቲ፡ ብጻይ/ብጸይቲን ቈልዑ ትሕቲ 18 ዓመትን) ናባኻ ክግዕዙ መሰል ኣለዎም።

ስድራኻ ናባኻ ናብ ሽወደን ንኽግዕዙ ናይ መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ተኽእሎ ዘለዎም፡ ንስኻ፡

  • ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ክትከውን፡
  • ከም ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቑባ ዘድልዮ ሰብ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኣሎ፣ ከምኡ’ውን ናይ ነዊሕ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ንኽፍቀደካ መርትዖ ዘለዎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።
  • ብምኽንያት ዕንቅፋት ኣስፈጻምነት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኣሎ፣ ማለት ናይ ምንጻግ ወይ ምጥራዝ ውሳነ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዕንቅፋት ኣሎ፡ ከምኡ’ውን ናይ ነዊሕ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ንኽፍቀደካ መርትዖ ዘለዎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።
  • ብምኽንያት ፍሉይ ወይ ኣዚዩ ተኣፋፊ ኲነታት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኣሎ፡ ከምኡ’ውን ናይ ነዊሕ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ንኽፍቀደካ መርትዖ ዘለዎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።

ናይ ግድን ክልቴኹም ንስኻ፡ ብዓልቲ ቤትካ፡ ብዓልቲ ቤትኪ፡ ብሓደ መናብርትኻ/ኺ ወይ ብጻይኪ/ብጸይትኻ ልዕሊ 18 ዓመት ክትኰኑ ኣሎኩም። ሓደ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ዘለካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንነዊሕ ግዜ ተመርዒኹም ዝጸናሕኩም ወይ ብሓባር ትነብሩ ዝነበርኩም ክትኮኑ ኣለኩም። ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ዘለካ፡ ኣብ ሽወደን ብሓባር ክትነብሩ ወይ ክትምርዓዉ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣየኖት ሕግታት እዮም ዘገልግሉ?

ስድራኻ ናብዚ ከተምጽኦም ንኽፍቀደካ፡ ክትናብዮም ከም ትኽእል (ናይ ምንባይ ጠለብ) ከተርኢ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ንምሉእ ስድራ ዝሰማማዕ ሓደ መንበርን ክህልወካ የድሊ።

ስድራኻ ካብታ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካላ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንመንበሪ ፍቓድ እንተ ኣመልኪቶም፡ እቲ ናይ ምንባይ ጠለብ ንዓኻ ኣይምልከተካን እዩ።

ስድራ ቤትካ ናብ ሽወደን ካብ እትመጽእ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ እንተ ኣመልኪቶም እሞ ንስኻ ናይ ብጽሒት ስደተኛ (kvotflykting) እንተ ዄንካ፡ እቲ ናይ ምንባይ ጠለብ ኣይምልከተካን እዩ።

ንስድራቤታዊ ዳግም ምትእኽኻብ ንኸተመልክት ከመይ ትገብር?

ስድራኻ ካብታ ዝነብሩላ ሃገር ነቲ ምልክታ የእትዉዎ። ኣብ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ወይ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

ስድራኻ ንስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ከመልክቱ ከለዉ ናይ ግድን መን ምዃኖም ከርእዩ ኣሎዎም።