ናጻ ግዜ፡ ባህሊን ማሕበራዊ ሂወትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 16 10 2023

ካብ ስራሕ፡ ቤት ትምህርትን ናይ ገዛ ስራሕን ናጻ ዝኾንካሉ ግዜ ናጻ ግዜ ይብሃል። ኣብ ናጻ ግዜኻ እንታይ ክትገብር ከም ትደሊ ባዕልኻ ትመርጽ።

ኣብ ሽወደን ልሙዳት ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ንኣብነት ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፖርት፡ ሳዕስዒትን ትያትርን፡ ሙዚቃ ምጽዋት፡ ፡ናይ ተሌቭዥንን ኮምፕዩተርን ጸወታ ምጽዋትን መጻሕፍቲ ምንባብን እዮም። ብዙሓት ማሕበራትን ኮሙናትን ክትሳተፎም ትኽእል ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣተኵሮን ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታትን ኣለወን። ናይ ስፖርትን ባሕልን ማሕበራት፡ ናይ መጽናዕቲ ማሕበራትን ናይ እምነት ማሕበራትን ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ሓደ ሓደ ኣብነታት እየን።

ኵሎም ሰባት ኣብ ባህላዊ ሂወት ክሳተፉ መሰል ኣሎዎም። ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ባህሊ እዩ ዘሎ። ንዅለን ባህልታት ዘሕብረን ንናይ ውልቀ ሰብ ምዕባለ ስለ ዘበርክታ እዩ። እዚ፡ ባህሊ ንደቂ ሰባት ንኽዓብዩን ክምዕብሉን የኽእሎም ማለት እዩ። ሽወደን ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ብመልክዕ ንኣብነት ተፈጥሮ፡ታሪኽን መግብን ብዙሕ ትጋብዞ ባህሊ ኣሎዋ።

ኣብነት ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታትን ባህላዊ ሂወትን

ግዳማዊ ንጥፈታት ማለት ምውድዳር ከየድለየካ ምእንቲ ጽቡቕ ክስምዓካን ነገራት ምእንቲ ከተስተማቕርን ካብ ገዛ ወጻኢ ኣብ ተፈጥሮ ክትንቀሳቐስ ከለኻ ማለት እዩ።

ልክዕ ካብ ማዕጾ ክትውጽእ ከለኻ ኣብ ተፈጥሮ ኢኻ ዘለኻ። ሰማይ ኣብ ልዕሌኻ፡ ጸሓይ ኣብ ኣዒንትኻ ትበርህን ጽሩይ ኣየር እውን ከተስተንፍስ ትኽእልን ኢኻ። ሰባት ጽቡቕ ምእንቲ ክስመዓና እዚ ዅሉ የድልየና እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ግዳም ትንቀሳቐስ እንተ ኴንካ፣ ብዝያዳ ጽቡቕ ትህሉ። እናተረርካ ትኸይድ፡ ምግቢ ይጥዕመካን ዝሓሸ ድቃስ ድማ ትድቅስን። ኣብ ተፈጥሮ ምህላው ንገሊኡ ሕማማት ክከላኸለልካ ስለ ዝኽእል ጽቡቕ ከም ዝስምዓካ እውን ክገብር ይኽእል እዩ። ካብ ገዛ ወጻኢ እትገብሮ ምንቅስቓስ ግዳማዊ ንጥፈታት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብ ሽወደን እትፈትዎ ንጥፈታት ንኽትረክብ ዝሕግዘካ ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። በዘን ማሕበራት ኣቢልካ ብዛዕባ ተፈጥሮ፡ መሰል ኵሉ ሰብ (allemansrätten)፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኣብ ተፈጥሮ ክትገብሮም እትኽእል ዝተፈላለዩ ነገራት ብዝያዳ ክትመሃር ክትክእል ኢኻ። ድሓር ብሓገዝ እተፈላለያ ማሕበራት ባዕልኻ ወይ ምስ ካልኦት ኴንካ ናብ ተፈጥሮ ምኻድ ዝቐለለ ይዀነልካ።

መሰል ኵሉ ሰብ

ሽወደን ዝተፈላለየ ናይ ተፈጥሮ ዓይነታት ዘለዎ ጽቡቕ ተፈጥሮ ኣሎዋ። ክትበጽሖም ትኽእል ብዙሓት ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣሎዉ። ኣብ ሽወደን መሰል ኵሉ ሰብ ኣሎ። እዚ ኵሉ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ናጻ ኾይኑ ክንቀሳቐስ መሰል ኣሎዎ ማለት እዩ። ንስኻ ንኣብነት ብእግርኻ ክትዛወርን ጐምጠጠን ቃንጥሻን ክትኣሪ ይፍቀደካ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ንተፈጥሮን ሂወታውያን እንስሳን ኣኽብሮት ከተርኢ ናትካ ግዴታ እዩ።

ሽወደናዊ ማሕበር ናይ ደገ ንጥፈታት (Svenskt Friluftsliv) ብዛዕባ መሰል ኵሉ ሰብ (allemansrätten) ዝገልጽ ፊልምታት ኣዳልዩ ኣሎ። እዞም ፊልምታት ብሽወደንኛ ኮይኖም፡ ብዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርስኛን ቋንቋ ዩክሬይንን ትሕተ-ኣርእስቲ ኣለዎም።

ቃንጥሻ ክትኣሪ ዲኻ?

ኣብ ሽወደን ብዙሓት መርዛማት ቃንጥሻታት ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም ምስቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ሰብ ክበልዖም ዝኽእል ቃንጥሻታት ዝመሳሰሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሽወደን ቃንጥሻ ምእራይ ልምዲ ዘይብልካ እንተ ኾይኑ፡ ውሑድ ዓይነት ብምእራይ ክትጅምር ጽቡቕ እዩ። ብቐሊሉ ከተለልዮም እትኽእል ሒደት ዓይነት ቃንጥሻታት ተምሃር፡ ምእንቲ እቲ ልክዕ ቃንጥሻ ከም ዝኣረኻ ርግጸኛ ክትከውን ክትክእል።

ኵለን ኣብ ሽወደን ዘለዋ ኮሙናት ንነበርተን ዝኸውን ቤት ንባብ ኣለወን።

ኣብ ቤት ንባብ መጻሕፍቲ ክትልቃሕ፡ ጋዜጣ ከተንብብ፡ ሙዚቃ ክትሰምዕን ኮምፕዩተር ክትጥቀምን ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ብብዙሕ ብእተፈላለየ ቋንቋታት መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ኣሎ። ገሊኣን ኣብያተ ንባብ ናይ ቋንቋ ልምምድንን ሓገዝ ናይ ትምህርቲ ዕዮ ገዛን እውን ኣለወን።

መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣታትን ሲዲታትን ብዘይክፍሊት ትልቃሕ። ንኽትልቃሕ ሓደ ካርድ ቤት ንባብ (መለቅሒ ካርድ) የድልየካ። መለቅሒ ካርድ ኣብ ቤት ንባብ እዩ ዝወሃበካ።

ናይ ልቓሕ ግዜ መብዛሕትኡ ግዜ ሰለስተ ሰሙን እዩ። መጽሓፍ ወይ ካልእ ነገር ክትልቃሕ ከለኻ፡ እቲ ልቓሕ መዓስ ከም ዝምለስ ዝገልጽ ቅብሊት ክትቅበል ኢኻ። ነቲ ልቓሕ ኣብ ግዚኡ እንተ ዘይመለሲካዮ፡ ናይ ምዱንጓይ ክፍሊት ክትከፍል ኢኻ።

መብዛሕትኣን ኣብያተ ንባብ ናይ ኮምፕዩተርን ኢንተርነትን ኣቕርቦት እውን ኣለወን። ሓደ ሰነድ ክትሓትም ወይ ክትቀድሕ እንተ ደሊኻ ገንዘብ ክትከፍል ኣሎካ።

ብዙሓት ኣብያተ ንባብ ናይ ቋንቋ ካፈታት (språkcaféer) እውን የዳልዋ እየን። ኣብኡ እተፈላለየ ቋንቋታት ንኽለማምዱ ዝመጹ ሰባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኵሉ ሸነኽ ናይ ሽወደን ሲነማታት ኣለዋ። ብኢንተርኔት ብመንገዲ ናይታ ሲነማ መርበብ ሓበሬታ ቲኬት ክትሕዝ ወይ ናብታ ሲነማ ኬድካ ቲኬት ክትገዝእ ይከኣል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ወጻእ ሃገር ፊልምታት ዘርእያ ናእሽቱ ሲነማታት ኣሎዋ። ዲቪድ መርኣዪ እንተ'ለካ ኾይኑ ካብ ፍሉያት ናይ ቪድዮ ዱኳናት ፊልም ክትካረ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ወረቐት መንነትካ ኣርኢኻን ገለ መጠን ገንዘብ ከፊልካን ሓንቲ ፊልም ንሓንቲ መዓልቲ ወይ ብዙሕ መዓልታት ኣብ ገዛኻ ትሕዛ። ነታ ፊልም ኣብ ግዚኡ እንተ ዘይመሊስካያ ናይ ግድን ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ትኸፍል ኢኻ።

ክትወሳወስ ወይ ክትለማመድ ትግደስ እንተ ዄንካ፡ ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ህዝባውያን መናፈሻ፡ መሓምበሲ ኣዳራሻትን ኣድራሻ በረድን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ንኣብነት ተኒስ ክትጻወተሉ ወይ ካልኦት ንጥፈታት ክትገብረሉ ትኽእል ናይ ስፖርት ኣዳራሻትን ኣሎ።

ኣብ ሓደ ማእከል ልምምድ ክትለማመድ እንተ ደሊኻ ሓደ ክፍሊት ናይ ግድን ክትከፍል ኣሎካ። መብዛሕትኡ ግዜ ወርሓዊ ኢኻ ትኸፍል። ከምኡ'ውን ንገለ ንጥፈት ክትፍትን እንተ ደሊካ፡ ናይ ንጽል ካርድ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኦም ማእከል ልምምድ ህንጸተ-ኣካል (ጂም)ን ናይ ጕጅለ ልምምድን ይቕርቡ እዮም። እቲ ናይ ጕጅለ ልምምድ ንኣብነት ጂም፡ ሳዕስዒት ወይ ዮጋ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ስነ-ጥበብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዘርእዩ ኣብያተ መዘክራትን ናይ ስነ-ጥበብ ጋለሪን ኣሎዉ። እዚ፡ ኵሉ ካብ ቅብኣ፡ ስነ-ውቕሮ ወይ ግራፋዊ ንድፊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ናይ መእተዊ ክፍሊት ክትከፍል የድልየካ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብናጻ እዩ።

ሽወደን ሃብታም ናይ ሙዚቃ ሂወት፡ ንኣብነት ከም ኮንሰርት፡ ምስ መዘምራን ምዝማርን ኦፐራን ዝኣመሰሉ ኣሎዋ። ገሊኤን ባራት ሓደ ሓደ ምሸት ህያው ሙዚቃ ይቕርባ እየን። ከምኡ'ውን ኣብ ጐደና ክትደርፍን ሙዚቃ ክትጻወትን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ሙዚቃ ንኽትጻወት ፍሉያት ሕግታት ኣሎዎ። እቶም ሕግታት ካብ ኮሙን ናብ ኮሙን ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይ ሽወደን ክፉታት ዝኾና ኣብያተ ክርስትያናትን ካልኦት ሃይማኖታውያን ኣዳራሻትን ኣለዋ። ኣብ ቤት ክርስትያን ሽምዓ ክትውልዕን ንሰላም ምስትንታንን ግዜ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት መስጊዳትን ምዅራብን (ናይ ኣይሁዳውያን ቤት ጸሎት) እውን ኣሎ።

ናይ ሽወደን ታሪኽ ኣብ ብዙሓት ናይዚ ዓዲ ኣብያተ-መዘክራት ክርኣ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኣን ካብዘን ኣብያተ- መዘክራት ናይ መእትዊ ክፍሊት የኽፍላ እየን።

ናይ ጥንቲ ሰባት ኣሰር ዝኾነ ቅርስታት እውን ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ምርምራት (መጽናዕትታት) ይካየድ እዩ። ኵሎም ሰባት ናይ ስነ-ፍልጠት ምዕባለ ተኻፈልቲ ክኾኑ መሰል ኣሎዎም። እቲ ስነ-ፍልጠታዊ ስራሕ ብሕጊ መሰል ደራሲ ዝተሓለወ እዩ።

ብዙሓት ክትመርጸን ትኽእል ኣብያተ መግብን ካፈተሪያታትን ኣሎዎ። "ፊካ" ምግባር ልሙድ እዩ። እዚ ምስ የዕሩኽትካ ወይ መሳርሕትኻ ንምዕላል፡ ንምርኻብ፡ ሻሂ ወይ ቡን ንምስታይን ምናልባት ዶልሸ ወይ ብሽኮቲ ንምብላዕን ምርካቦም ማለት እዩ።

ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ገደብ ዘሎወን ኣብያተ መስተን (ፓብ) ባራትን ኣሎዋ። ኣብ ኣብያተ መስተ፡ ባራትን ኣብያተ መግብን ኣልኮላዊ መስተ ክትገዝእ እንተ ዄንካ ናይ ግድን 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣሎካ።

መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ፡ ግን ገና ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ትነብር እንተ ኣሎኻ ዄንካ፡ ኣብቲ ናይ ሓተቲ ዕቝባ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።