ማሕበራዊ ሂወት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 7 12 2022

ኣብ ሽወደን ማሕበራዊ ሂወት ሓያል እዩ። ብዙሓት ኣብ ሽወደን ሰባት ዝቕመጡ ኣባላት ናይ ሓደ ወይ ብዙሓት ማሕበራት እዮም። ሓደ ፍሉይ ተገዳስነት ወይ ድልየት እንተ ኣሎኻ ኾይኑ፡ ኣባል ናይ ነቲ ትገዳስነት ተማልእ ማሕበር ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ምስ ካልኦት ኴንካ ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ምኳን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ነቶም ትግደስሎም ነገራት ትገብረሉ ሓደ ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ማሕበር፡ ነቶም ዘገድስኻ ማሕበራዊ ጕዳያት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ንተገዳስነትካን ፍልጠትካን ተማዕብለሉ፡ ርክባትካ ተማዕብለሉን ምስ ሓደሽቲ ሰባት ትፋለጠሉን ዕድል እዩ። ብማሕበራት ጌርካ ከበድቲ ኾይኖም ንዝስምዑኻ ነገራት ወይ ኣብ ስድራኻ ጽቡቕ ዘየለ ሓደ ሰብ እንተ ኣሎ ኾይኑ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ዝኾነ ናጽነት ማሕበራት ኣሎ። ናጽነት ማሕበራት፡ ኵሎም ሰባት ማሕበር ከቝሙ ወይ ኣባላት ናይ ማሕበር ክኾኑ መሰል ኣሎዎም ማለት እዩ። ሓደ ናይ ሓባር ተገዳስነት ወይ ናይ ሓባር ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ጕጅለ ሰባት፡ ማሕበር ከቝሙ ይኽእሉ እዮም።

ኣብቲ ናይ ማሕበር ስራሕ ከም ኣካል ሽማግለ፡ መራሒ ወይ ኣባል/ወለንተኛ ኴንካ ንኽትሳተፍ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ማሕበራዊ ሂወት ሓደ ሓደ ግዜ ከም ትምህርቲ ናይ ዲሞክራሲ ይግለጽ እዩ። እቶም ኣባላት ኣብ ናይ ዲሞክራሲ መስርሕ ምስራሕን ብመሰረት ናይ ዲሞክራሲ መሰረታዊ ሕጊ ውሳኔ ምውሳንን ክምሃሩ ዕድል ይረኽቡ እዮም። ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ዲሞክራስያዊ ንኽኸውን እቲ እኩብ ማሕበራዊ ሂወት፡ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብቐጥታ ኣብቲ ናይ ማሕበር ስራሓት ከይተሳተፉ ኣባላት እዮም።

ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ክትከውን፡ ሓደ ማሕበር ከተቕውም ወይ ንማሕበርካ ገንዘብ ክትሓትት እንተ ደሊኻ፡ ምስ እታ ኮሙንካ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኮሙን ነተን ማሕበራት ዝሕግዝ ንኣብነት ምምሕዳር ናጻ ግዜ ክኸውን ይኽእል እዩ።