ስንክልና
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 27 6 2019
ሓደ ስንክልና ዘለዎ ሰብ፡ ዝደኸመ ዓቕሚ ትግባረ ናይ ኣካላዊ፡ኣእምሮኣዊ ወይ ዓቕሚ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ እዩ። ኣብ ሽወደን ኣስታት ሓደ ካብ ኣርባዕተ ገለ ዓይነት ስንክልና ኣለዎ።
ንስኻ ሓደ ስንክልና ዘለካ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ንኽትሳትፍ ልክዕ ከምቶም ካልኦት መሰል ኣለካ። ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ቈልዑ ንኣብነት ሓልዮት ቈልዑን ትምህርትን ክረኽቡ ኣለዎም። ብመሰረት ሕጊ ኣድልዎ ብምኽንያት ስንክልና ዝግበር ኵሉ ዓይነት ኣድልዎ ክልኩል እዩ።
ውልቃዊ ደገፍ
ኣብዚ ሕብረተሰብ ብማዕረ ኵነት ንምስታፍ ክዉን ንምግባር ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ብዙሓት ውልቃውያን ደገፋት ኣለዉ። ኣየኖት ደገፋት ክወሃበካ ከምዝኽእሉ እቶም ናትካ ስንክልናን ኣየናይ ደገፍ ከም ዘድልየካን ይውስንዎ።
ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ንኣብነት ናይ መንበሪ ገዛን ማኪናን ምስምማዕ ወይ ካልኦት ዓይነት ቍጠባዊ ክፍሊታት መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።
ኣብ ሓለዋ ጥዕናን ክንክን ሕማምን ካልእ ገዲፍካ ብመንገዲ ተሓድሶን ትእዛዝ ናውቲ ሓገዝን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣየናይ ደገፍ ክትረክብ ከም ትኽእል ሕቶታት እንተ ኣለካ ኾይኑ ምስ ናትካ ዞባ ተዘራረብ።
ከምኡ'ውን ካብታ ትነብረላ ኮሙን ውልቃዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት ውልቃዊ ሓገዝ፡ ፍሉይ ኣገልግሎት ዘለዎ መንበሪ ወይ መሰነይታ ክኸውን ይኽእል እዩ። በይንካ ወይ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ( ኣውቶቡስ፡ ባቡር፡ ትራም) ምጋሽ ዝጽግመካ እንተ ኾይኑ ናይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ሽዑ ብታክሲ ወይ ንእሽተይ ኣውቶቡስ ክትጐዓዝ ይፍቀደካ። ብዛዕባ ኣየናይ ደገፍ ክትረክብ ከም ትኽእል ሕቶታት እንተ ኣለካ ኾይኑ ምስ ናትካ ኮሙን ተዘራረብ።
ንስኻ ስንክልና ዘለካ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ንዓኻ ዝሰማማዕ ካልእ ዕማም ምርካብ ፍሉይ ደገፍ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ብፍሉይ ናይ ስራሕ ኣቆጻጽራ ዓይነት ስራሕ ክትቁጸር ሓገዝ ክትረክብ ወይ ኣብ ንስራሕ ዝሕግዙ ናውቲ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
-
ማሕበር መሰላት ስንኩላን ሽወደን (Funktionsrätt Sverige)
ማሕበር መሰላት ስንኩላን ሽወደን ሓደ ኣወሃሃዲ ማሕበር ኮይኑ፣ ብብዙሓት ሃገራውያን ማሕበራት መሰላት ስንኩላን ዝቖመ እዩ።
-
ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን (Synskadades Riksförbund)
ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን፡ ሓደ መኽሰብ ዘይድልብ ማሕበር ዓቀብቲ-ዝንባሌ ናይ ዓይነ-ስዉራን እዩ።
-
ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን (HRF)
ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን (HRF)፡ ናይ ሽወደን ዝዓበየ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባት ማሕበር እዩ።
-
ተሳትፎ ተግባራዊ ዓቕሚ ናጽነት ምንቅስቓስ (Delaktighet Handlingskraft Rörelsefrihet (DHR))
DHR ዝተዳኸመ ዓቕሚ ምንቅስቓስ ናይ ዘለዎም ሰባት ማሕበር እዩ።
-
ኔውሮ (Neuro)
ኔውሮ ሓደ ብስነ-መትኒ ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ናጻ ትካል እዩ።
-
ማሕበር ቅርጥማት ዘለዎም ሰባት
ማሕበር ቅርጥማት ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ሕማማት ቅርጥማት ፍልጠት ይእክብን ይዝርግሕን።