ሓደ ንጥፈት ወይ ማሕበር ርኸብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 23 4 2025

ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣባል ሓደ ማሕበር ምዃን ወይ ኣብ ካልኦት ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ምስታፍ፡ ሓደሽቲ ሰባት ንምፍላጥን ሽወደንኛ ንምልማድን ጽቡቕ መገዲ እዩ። ኣብዚ ንዓኻ ዝሰማማዕ ንጥፈታት ከመይ ገርካ ከም ትረክብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ማሕበራት ብዙሕ ንጥፈታት የዳልዋ እየን

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ይሳተፉ እዮም። ሓደ ማሕበር ንሰባት ንጥፈታትን መራኸቢ ቦታታትን ዘዳሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘብ ከይከሰበ ዝሰርሕ ውድብ እዩ። ኣብ ሓደ ማሕበር ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት፦

  • ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት፡ ሳዕስዒት ወይ ካልእ ስፖርት ምግባር፡
  • መሳርሒ ሙዚቃ ምጽዋት ወይ ሓደ ሓድሽ ንመዘናግዒ ዝግበር ንጥፈት (ሆቢ) ምምሃር፡
  • ንሰብኣዊ መሰላት ወይ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ ምስራሕ።
ኣብ ሓደ ማሕበር እቶም ኣባላት ብሓባር ኮይኖም እዮም ዝውስኑ። ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ማሕበር ዝግበር ስራሕ እቶም ኣባላት እዮም ተሓጋጊዞም ዝገብርዎ።

ምስ ሓደ ማሕበር ንምርካብ፡ ምስ’ቲ ትንብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር ወይ ኣብ ኢንተርነት ድለ። ገሊኤን ማሕበራት ሓደ ሓደ ግዜ ንሽወደን ሓደሽቲ ንዝኾኑ ሰባት ዝኸውን ንጥፈታት ኣለወን።

ሓደ ስፕሮክቬን (ናይ ቋንቋ መሓዛ) ርኸብ

ብዙሓት ኮሙናት ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ ምስቶም ድሮ ኣብ ሽወደን እግሪ ዝተኸሉ ሰባት ንኽትራኸብ ክሕግዛኻ ይኽእላ እየን። ሽዑ ቋንቋ ሽወደንኛ ክትለማመድን ብዛዕባ ሽወደን ዝያዳ ክትመሃርን ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ስፕሮክቬን (språkvän) ወይ ሓባሪ ስደተኛ (flyktingguide) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምስ ሓደ ስፕሮክቬን ወይ ሓባሪ ስደተኛ ክትራኸብ ምስ እትደሊ፡ ምስቲ ትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር።

ቤት ንባብ ንኹሉ ዝኸውን ንጥፈታት የዳሉ

ብዙሓት ቤት ንባብ ክትሳተፈሎም እትኽእል ከም ስፕሮክካፈ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት የዳልዋ እየን። ኣብቲ ስፕሮክካፈ ቋንቋ ሽወደንኛ ንኽትለማመድ ምስ ካልኦት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ቤት ንባብ ንተምሃራይ ሓገዝ ዕዮ ገዛን፡ ንወለዲ ድማ ትምህርትታትን ርክባትን የዳልዋ እየን። እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ምስ ዘሎ ቤት ንባብ ተራኸብ።

ኣብ ቤት ንባብ መጻሕፍቲ ክትልቃሕ፡ ጋዜጣ ከተንብብ፡ ሙዚቃ ክትሰምዕን ኮምፕዩተር ክትጥቀምን እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ብብዙሕ እተፈላለየ ቋንቋታት መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ኣሎ። መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣታት፡ ሲዲታትን ጸወታታትን ክትልቃሕ ኣይክፈሎን እዩ። ንኽትልቃሕ ሓደ ካርድ ቤት ንባብ (መለቅሒ ካርድ) የድልየካ። መለቅሒ ካርድ ኣብ ቤት ንባብ እዩ ዝወሃበካ።

መሰል ኵሉ ሰብ (Allemansrätten) ኣብ ተፈጥሮ ክትህሉ ዕድል ይህበካ

ኣብ ሽወደን ነቲ መሬት መን ከም ዝውንኖ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ክህሉ ይፍቀዶ እዩ። እዚ መሰል ኵሉ ሰብ (allemansrätten) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብመሰረት መሰል ኵሉ ሰብ ንኣብነት፤

  • ኣብ ጫካ ብእግሪ ምንቅስቓስን ብሽክለታ ምዝዋርን፡
  • ምእራይ ጐምጠጥ (ፍረታት)፡ ቃንጥሻን ዕምባባታትን፡
  • ኣብ ተፈጥሮ መደቀሲ ቴንዳ ምትካል፡
  • ኣብ ቀላያት ምሕንባስን ምሕጻብን ይፍቀድ እዩ።
እቲ መሰል ኵሉ ሰብ ንተፈጥሮ ክትጎድእ ከም ዘይብልካ እውን ይገልጽ እዩ። ንኣብነት ጐሓፍ ኣብ ተፈጥሮ ክትድርቢ ኣይፍቀደልካን እዩ።

ዓሳ ምግፋፍ ፍቓድ ከድልዮ ይኽእል እዩ

ዓሳ ምግፋፍ ኣብ መሰል ኵሉ ሰብ ኣይካተትን እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቀላያት ዓሳ ንምግፋፍ መግፈፊ ካርድ (ሓደ ፍቓድ) የድሊ እዩ።

ኣብ ገማግም ባሕርን ኣብተ ሓሙሽተ ዝዓበያ ባሕርታት ናይ ሽወደንን ማለት ቬነርን፡ ቬተርን፡ ሜላረን፡ የልማረን ከምኡ’ውን ስቱርሾን ብዘንጊ መቝለብ ዓሳ ክትገፍፍ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝገፈፍካዮ ዓሳ ንኽትወስዶ፡ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሕግታት ኣሎ። እቲ ዓሳ ኣዝዩ ንእሽቶ እንተኾይኑ፡ ናብቲ ማይ ክትመልሶ ኣለካ።

ኣብ ፍሪቲድስባንከን ናውትታት ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ስፖርት ወይ ንጥፈት ክትፍትን እንተደሊኻ፡ ንዕኡ ዝኸውን ናውቲ ካብ ፍሪቲድስባንከን ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት መንሸራተቲ፡ መንሸራተቲ ጫማ፡ መንሳፈፊ ጃኬት፡ ቴንዳ፡ ጫማ ኩዕሶ እግሪ፡ መከላኸሊ ቆብዕን ካልእ ብዙሕን ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።

ኩሉ ሰብ ካብ ፍሪቲድስባንከን ክልቃሕ ይኽእል እዩ። ኵሉ ድማ ብነጻ እዩ። እቶም ኣቑሑት ን14 መዓልታት ክትልቅሖም ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ናይ ግድን ክትመልሶም ኣለካ።

ሕቶታትን መልስን ብዛዕባ ማሕበራት።

እወ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣባል ንምዃን ሓደ ክፍሊት ክትከፍል ኣለካ። እቲ ክፍሊት ንዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ማሕበራትን ዝተፈላለየ እዩ። በቲ ክፍሊት ኣብ ንጥፈታት ናይቲ ማሕበር ክትሳተፉ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ኣብቲ ማሕበር ኣብ ምውሳን ውሳነታት ክትሳተፉ ትኽእል ኢኻ።

መብዛሕትአን ማሕበራት ንመኽሰብ ዘይሰርሓ እየን። እዚ ማለት፡ ኣብታ ማሕበር ኣሰልጣኒ ክኸውን ወይ ካልእ ዕማማት ክሰርሕ ዝኽፈል ሰብ የለን ማለት እዩ። ነቲ ማሕበር ዝውንን ወይ ካብቲ ማሕበር ገንዘብ ዘእቱ ሰብ የለን። ስለዚ ሓደ መኽሰብ ዘይድልብ ማሕበር፡ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ደሞዝ ዝረኽብሉ ትካል ኣይኮነን።

መኽሰብ ዘይድልባ ማሕበራት ደሞክራስያውያን እየን። እዚ ማለት፡ ኣብታ ማሕበር ዝውስኑ እቶም ኣባላት እዮም ማለት እዩ። ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ማሕበር ዝግበር ስራሕ እቶም ኣባላት እዮም ተሓጋጊዞም ዝገብርዎ።

እወ፡ ኩሉ ሰብ ማሕበር ክጅምር ወይ ኣባል ክኸውን መሰል ኣለዎ።