መንበሪ ቦታ ርኸብ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 18 3 2025
መንበሪ ገዛ ትረኽበሉ ዝተፈላለየ መንገዲ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ገዛ ክትረክብ ዳርጋ ቀሊል ክኸውን ከሎ ኣብ ገሊኡ ድማ ዝኸበደ እዩ።

ሓታት ዕቑባ ኣብ ዝነበርካ እዋን ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ትነብር እንተ ኔርካ፡
ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ትነብር እንተ ኔርካ፡ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓድሽ መንበሪ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ እዮም።
ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክሳብ ሓድሽ ገዛ ዝረኽቡልካ ኣብቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝረኸቡልካ ገዛ ኣይደልዮን እየ እንተ ኢልካ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ክትቅመጥ መሰል የብልካን።
ሓታት ዕቑባ ኣብ ዝነበርካ እዋን ኣብ ናይ ናትካ መንበሪ ትነብር እንተ ኔርካ፡
ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ መንበሪ ትነብር እንተ ኔርካ፡ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተፈቕደካ ባዕልኻ መንበሪኻ ከተዳሉ ኣለካ። መብዛሕትኡ እዋን ሓደ ወርሒ ድሕሪ ካብቲ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ዕለት ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ቍጠባዊ ሓገዝ ንኽወሃባ መሰል ኣለካ።
ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናይ ገዛ ሪጋ ሓዝ
ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ኣባይቲ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ትካላት ኣባይቲ ምስ ተኻረይቲ ዘራኽብ ሓደ መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ (bostadsförmedling) ኣሎ። እቲ መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ፡ ገዛ ትደልየሉን ተመልክተሉን መርበብ ሓበሬታ ክህልዎ ልሙድ እዩ። ኣብ ካልኦት ኮሙናት ብቐጥታ ኣብቲ ትካል ኣባይቲ ሪጋ ክትሕዝን ገዛ ክትደልን ትኽእል ኢኻ።
ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናይ ገዛ ሪጋ ሓዝ።
ኣብ ህዝባዊ መዝገብ በቲ እትነብረሉ ኣድራሻ ክትምዝገብ ኣለካ። እንተ ግዒዝካ ንብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ሓብር።
ቤት ትምህርቲ ራድዮ (UR) ንዓኻ መንበሪ ትደሊ ዘለኻ ዝኸውን ምኽሪ ዝሓዘ ፊልም ኣዳልዮም ኣለዉ። እቲ ፊልም ብሽወደንኛ ኾይኑ ብብዙሕ ቋንቋታት ትሕተ-ኣርእስቲ ኣለዎ።
መንበሪኻ ከመይ ምዃኑ ብዘየገድስ ናይ ገዛ መድሕን የድልየካ እዩ። ናይ ገዛ መድሕን ንኣብነት ባርዕ ሓዊ፡ ስርቂ ወይ ብማይ ዘጋጥም መጉዳእቲ እንተ ኣጋጢሙ ንቤትካን ንብረትካን የውሕሰልካ እዩ።
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ
ሓደ መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ፡ ኣባይቲ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ትካላት ኣባይቲ ምስ መንበሪ ዝደልዩ ሰባት የራኽብ።
ህዝባዊ መዝገብ
ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብ ማለት ከም ነባሪ ሽወደን ተመዝጊብካ ኣለኻ ማለት እዩ። ኵሎም ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገቡ ሰባት ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ይወሃቦም እዩ። ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እዩ ሓላፍነት ህዝባዊ መዝገብ ዘለዎ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ምዃን ምስ መንበሪ ፍቓድ ምህላው ሓደ ኣይኮነን።