መንበሪ ቦታ ርኸብ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 4 6 2025
መንበሪ ፍቓድካ ምስ ተዋህበካ፡ ባዕልኻ መንበሪ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ኣለካ። ኣብዚ ብዛዕባ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘለካ ኣገዳሲ ነገራትን ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሓታት ዕቝባ ኣብ ዝነበርካሉ ኣብ ናይ ስደተኛታት መንበሪ ትቕመጥ እንተ ኔርካ
ዕቝባ ሓቲትካ ኣብ ዝነበርላኩ ግዜ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ስደተኛታት ትቕመጥ እንተ ኔርካ ኴንካ፡ መንበሪ ፍቓድካ ምስ ወሰድካ ካብኡ ክትወጽእ ከድልየካ እዩ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓድሽ መንበሪ ክትረክብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓድሽ መንበሪ ክሳብ ዝረኽበልካ ኣብቲ ናይ ስደተኛታት መንበሪ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝተቐረበልካ መንበሪ እንተ ነጺግካዮ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ናይ ስደተኛታት መንበሪ ክትቕመጥ መሰል የብልካን።
ሓታት ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ባዕልኻ መንበሪኻ ምስ እተዳሉ
መንበሪ ባዕልኻ ኣዳሊኻ እንተ ዄንካ፡ መንበሪ ፍቓድካ ምስ ወሰድካ ኣብኡ ምንባር ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ምግዓዝ ምስ ዘድልየካ፡ ባዕልኻ ሓድሽ መንበሪ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ኣለካ።
ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናይ ገዛ ሪጋ ሓዝ
ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ኣባይቲ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ትካላት ኣባይቲ ምስ ተኻረይቲ ዘራኽብ ሓደ መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ (bostadsförmedling) ኣሎ። ኣብቲ መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ (bostadsförmedling) ክትምዝገብን ገዛ ንምርካብ ሪጋ ክትሕዝን ትኽእል ኢኻ። ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ተመዝገብ ናይ ገዛ ሪጋ ሓዝን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ናይ መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻ ክትገብሮ ኢኻ።
ኣብ ካልኦት ኮሙናት ዝኾነ መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ የለን። መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ ምስ ዘይህሉ፡ ብቐጥታ ኣብቲ ትካል ኣባይቲ ሪጋ ክትሕዝን ገዛ ክትደልን ኣለካ። ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን እንታይ ከም ዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፡ ነቲ ትነብረሉ ኮሙን ተወከስ።
ኣብ ህዝባዊ መዝገብ በቲ እትነብረሉ ኣድራሻ ክትምዝገብ ኣለካ። እንተ ግዒዝካ ንብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ሓብር።
ቤት ትምህርቲ ራድዮ (UR) ንዓኻ መንበሪ ትደሊ ዘለኻ ዝኸውን ምኽሪ ዝሓዘ ፊልም ኣዳልዮም ኣለዉ። እቲ ፊልም ብሽወደንኛ ኾይኑ ብብዙሕ ቋንቋታት ትሕተ-ኣርእስቲ ኣለዎ።
መንበሪኻ ከመይ ምዃኑ ብዘየገድስ ናይ ገዛ መድሕን የድልየካ እዩ። ናይ ገዛ መድሕን ንኣብነት ባርዕ ሓዊ፡ ስርቂ ወይ ብማይ ዘጋጥም መጉዳእቲ እንተ ኣጋጢሙ ንቤትካን ንብረትካን የውሕሰልካ እዩ።
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ
ሓደ መራኸቢ ክራይ ኣባይቲ፡ ኣባይቲ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ትካላት ኣባይቲ ምስ መንበሪ ዝደልዩ ሰባት የራኽብ።
ህዝባዊ መዝገብ
ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብ ማለት ከም ነባሪ ሽወደን ተመዝጊብካ ኣለኻ ማለት እዩ። ኵሎም ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገቡ ሰባት ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ይወሃቦም እዩ። ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እዩ ሓላፍነት ህዝባዊ መዝገብ ዘለዎ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ምዃን ምስ መንበሪ ፍቓድ ምህላው ሓደ ኣይኮነን።