ትምህርቲ ርኸብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 31 3 2025

ከም ዓቢ ክትምሃር እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ክትማሃር ከም ትደልን ቅድሚ ሕጂ ተማሂርካ እንተ ኔርካን ዝውስኖ ካብ መንጎ ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ትምህርትታትን ክትመሃር ምስ እትደሊ እንታይ ዓይነት ደገፍ ክትረክብ ከም እትኽእልን ሓበሬታ ኣሎ።

Två vuxna studenter sitter i ett klassrum och lyssnar på en lärare som förklarar något.

ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ኣለካ ድዩ?

ንስኻ ናይ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ዘለካን ኣብ ሽወደን ክትሰርሕ እትደልን፡ እቲ ናትካ ወረቐት ምስክር ክትርጎም ወይ እቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርትኻ ክግምገም ከድልዮ ይኽእል እዩ። ናይ ዝሓለፈ ትምህርትኻ ሰነዳት ምስ ዘይህልወካ፡ ክእለትካ ንኽግምገም ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ካሙናላዊ ትምህርቲ ንኣባጽሕ ንዓኻ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘይተማሃርካ

መብዛሕትኡ ስራሓት ኣብ መባእታዊ ወይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተማሃርካ ክትከውን ይጠልብ እዩም። ንስኻ ዓቢ ዝኾንካን ኣብኡ ዘይተማሃርካን፡ ኣብ ኮሙናላዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ (ኮምቩክስ) ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ልክዕ ከምቲ ናእሽቱን መንእሰያትን ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝመሃርዎ ዓይነት ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኮምቩክስ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (ኤስኤፍኢ) ክትምሃርን ነቲ ዝነበረካ ትምህርቲ ክትምልኣሉ ወይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክትወስድን እውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን እንታይ ዓይነት ዕድላት ከም ዘሎ ንምፍላጥ፡ መርበብ ሓበረታ ኮሙንካ ርኣ ወይ ምስ ኣብ ትነብረሉ ኮሙን ዘሎ ሓባሪ ትምህርትን ሞያን ርክብ ግበር።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኮለጅ ወይ ሞያዊ ኮለጅ ትምህርትኻ ቀጽል

ንስኻ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትኻ ዝወዳእካ ትምህርትኻ ክትጽል ምስ እትደሊ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኮለጅ ወይ ሞያዊ ኮለጅ ክትመሃር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘብ ዘይክፈሎ ነጻ እዩ።

ሓደ ኮርስ ወይ ምሉእ መደብ ክትምሃር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ንዝተፈላለዩ ኮርስታትን መደባትን ዝተፈላለየ ናይ መእተዊ ረቋሒታትን ኣለዎም። ብዛዕባ እቶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታትን ናብኦም መእተዊ ረቋሒታትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይተን ኣብያተ ትምህርቲ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ሓደ ኮርስ ክትመሃር ወይ ንሓደ ሞያ ክትምሃር ትኽእል

ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ኮርሳትን ትምህርትታትን ኣለዉ። ኣብኡ፡

  • ልክዕ ከምቲ ናእሽቱን መንእሰያትን ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝመሃርዎ ዓይነት ትምህርቲ፡
  • ዘገድሰካ ኣርእስቲ ንኣብነት ከም ናይ ሙዚቃ ወይ ናይ ስነ-ጥበብ ኮርሳት፡
  • ሞያዊ ትምህርቲ፡ ንኣብነት ከም ተሓጋጋዚት ነርስ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ገሊኣን ኣብያተ ትምህርቲ ብፍላይ ንዓኻ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ሽወደን ዝመጻእካ ዝዓለመ ኮርሳት እውን ኣለወን። ኩሉ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ገንዝብ ዘይክፈሎ ነጻ እዩ።

ኣብ ብዙሓት ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ እናተማሃርካ ኣብቲ ቦታ ክትቕመጥ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ኣብ ትቕመጠሉ ናይ ሓደ ክፍሊ ክራይ ክትከፍል ኢኻ።

ምስ ሓደ ሓባሪ ትምህርትን ሞያን ክትራከብ ትኽእል ኢኻ

ትምህርቲ ክትመርጽ ከለኻ ሓገዝ እንተደሊኻ፡ ኣብ ትነብረሉ ኮሙን ምስ ዝርከብ ሓባሪ ትምህርትን ሞያን ክትራከብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ትምሃረሉ እዋን ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ (ሲኤስኤን) ቍጠባዊ ሓገዝን ልቓሕን ርኸብ

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሽወደን ትምህርቲ ገንዘብ ዘይክፈሎ ነጻ እዩ። ኣብ እትመሃረሉ እዋን ነብስኻ ክትናቢ ንኽትክእል ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ (CSN) ቍጠባዊ ሓገዝን ልቓሕን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ከተመልክተሉ ትኽእል ቍጠባዊ ደገፋትን ልቓሕን፡ ኣብ ዕድሜኻን ኣብ ኣየናይ ደረጃ ትምሃር ከም ዘለካን እዩ ዝውስኖ።

ሲኤስኤን ንዓኻ ክትምሃር ትደሊ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ቍጠባዊ ሓገዛትን ልቓሕን ዝገልጽ ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ፊልም ብሽወደንኛ ኾይኑ፡ ብብዙሕ ቋንቋታት እዉን ትሕተ-ኣርእስቲ ኣለዎ።

ሕቶታትን መልስታቱን

እወ፡ ብመገዲ መደብ መትከል እግሪ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ካብ’ዞም ዝስዕቡ ትምህርትታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ

  • ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣብ ቤ/ት አባጽሕ፡ ቋንቋ ሽወደንኛ(ኤስ.ኤፍ.ኢ)
  • ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ (ፎልክሆግስኮላ)
  • ኣብ ሞያዊ ኮሌጅ
  • ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ።

ምስ ቤ/ጽ ዕዮ(ኣርበትስፎርመድሊን) ተራኸብ እሞ ምሳኻ ብሓባር ኮይኖም ኣየኖት ዕድላት ከም ዘለዉ ክፍትሹ እዮም።

ካብ 1 ሓምለ ናይታ 20 ዓመት እትመልኣላ ዓመት ጀሚርካ ኣብ ኮምቩክስ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ገለ ኵነታት፡ ዋላ ካብኡ ትንእስ እንተኾንካ፡ ኣብ ኮምቩክስ ናይ ምምሃር መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ኮሙንካ ርክብ ግበር።

እወ። እንተ ቐልጠፈ ሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪቲ ንመወዳእታ ክፍሊት ዝተቐበልካሉ፡ እቲ ናይ ትምህርቲ ልቓሕካ ክትመልስ ክትጅምር ከድልየካ እዩ።

መግለጺ ቃላትን ኣምራትን

ሞያዊ ኮለጅ

ሞያዊ ኮለጅ፡ ናብ ስራሕ ምምራሕ ዘኽእሉ ብፍሉይ ዝተዳለዉ ኮርሳትን መደባትን የቕርብ። ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ምውጣንን ምምሃርን እቶም ኮርሳት ይሳተፉ እዮም። ሓደ መደብ ትምህርቲ ትምሃር ምስ እትህሉ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ስራሕ ልምምድ LIA ( Learning on the job ማለት ምምሃር ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ) ይበሃል።

ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ

ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝኸውን ኮርሳትን ትምህርትታትን ዘለዎ ቤት ትምህርቲ እዩ። እተን ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ እንታይ ዓይነት ኮርሳትን ትምህርትታትን ክቕርባ ከም ዝደልያን፡ ኣብኡ ንኽትምሃር መእተዊ ረቛሒታት እንታይ ምዃኑን ባዕለን እየን ዝውስና። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኮርሳትን ናይ መእተዊ ረቛሒታቶምን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይተን ኣብያተ ትምህርቲ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።