ብመገዲ መደብ መትከል እግሪ ስራሕ ርኸብ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 21 1 2025
መንበሪ ፍቓድ ምስ ተወሃብካ ኣብ ናይ ኣርበትስፎርመድሊንግ(ቤ/ጽ ዕዮ) መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ዕድል ኣለካ። ኣብቲ መደብ መትከል እግሪ፡ ሽወደንኛ ንኽትምሃርን ስራሕ ንኽትረክብን ኣብ ዝሕግዙኻ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። መደብ መትከል እግሪ እንታይ ምዃኑ፡ ኣየኖት ደገፋት ክትረክብ ከም ትኽእልን ከመይ ገይርካ ከም ትምዝገብን ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንስኻ ዕድሜኻ ኣብ መንጎ 20ን 65ን ዓመት ዝኾነ ነዚ ዝስዕብ ምስ እተማልእ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡ እንተ ደአ፦
- ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ስደተኛ ወይ ከም ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኣሎ
- ንሓደ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ስደተኛ ወይ ከም ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበ መቕርብ ኮይንካ
ኣብ ዝሰማምዓካ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ
ኣብቲ መደብ መትከል እግሪ፡ ቋንቋ ሽወደን ንኽትምሃርን ስራሕ ንኽትረክብን ኣብ ዝሕግዙኻ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታትን (sfi)፡ ልልይ ምስ ሕብረተ ሰብ ወይ ካልእ ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል። ከምኡ’ውን ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ልምምድ ምግባር ወይ ናይ ሞያ ፍልጠትካ ምግምጋም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣየናይ ደገፍ ክትረክብ ከም ትኽእልን ኣበየኖት ንጥፈታት ከም ትሳተፍን ንስኻን ኣርቤትስፈርሜድሊንገን ብሓባር መደብ ተውጽኡ።
እቶም ንጥፈታት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምሉእ ግዜ (ኣብ ሰሙን 40 ሰዓታት) እዮም። ኣብ ገለ ኵነታት፡ ንኣብነት ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ኵነት ምስ እትህሉ ብከፊል-ግዜ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ
- ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ ምስ እትህሉ
- ብከፊል-ግዜ ምስ እትሰርሕ
- ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ንኽትሳተፍ ዝዕንቅፈካ ሕማም ወይ ስንክልና ምስ ዝህልወካ
ኣብ ኣርቤትስፎርሜድሊንገን ተመዝገብ።
ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ንኽትክእል፡ ከም ደላይ ስራሕ ኣብ ኣርበትስፎርመድሊንገን ክትምዝገብ ኣለካ። ኣብ ኣርበትስፎርመድሊንገን ተመዝገብ እሞ ሽዑ ብሓደ ካብዞም ዝስዕቡ መንገድታት ተጠቂምካ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ከም ትደሊ ሓብሮም፤
- ኤለክትሮኒካዊ መንነት ምስ ዝህልወካ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኣርበትስፎርመድሊን ኣቲኻ ተመዝገብ።
- ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት (servicekontor) ብጻሕ።
ውሳነ መንበሪ ፍቓድካ ምስ ተዋህበካ ብዝተኽእእለ መጠን ቀልጢፍካ ኣብ ኣርበትስፎርመድሊን ተመዝገብ። እቲ ናይ ርክብ ሓበሬታ ኣብ ናይ ኣርበትስፎርምርድሊን መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
ቀዳመይቲ ዝርርብ ምስ ኣርበትስፎርመድሊን
እታ ምስ ምስ ኣርበትስፎርመድሊን ትገብራ ቀዳመይቲ ዝርርብ ብተሌፎን ወይ ምስ ሓደ አካያዲ ጕዳይ ብምርካብ ክትግበር ትኽእል እያ። ኣብቲ እዋን ዝርርብ፡ ቅድሚ ሕጂ እንታይ ትሰርሕ ከም ዝነበርካ፡ ትምህርትኻ፡ ዘገድሰካ ነገራትን ኣብ መጻኢ ግዜ እንታይ ክትሰርሕ ከም ትደልን ክትሕብር ኢኻ። ከምኡ’ውን ምናልባት ንኽትሰርሕ ወይ ኣብ ናይ መትከሊ እግሪ መደብ ንጥፈታት ንኽትሳተፍ ንዘለካ ዕድል ክጸሉ ዝኽእል ከም ጥዕናኻ ዝኣመሰለ ገለ ነገር እንተ አሎ ኾይኑ እውን ክትዛረብሉ ኢኹም። ድሕሪኡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘለዎ መደብ ከተውጽኡ ኢኹም።
አብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ኣመልክት
ኣብ መደብ መትከል እግሪ ኣብ ትሳተፈለኡ እዋን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (ፎሸክሪንግስካሳን) ቍጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ክፍሊት መትከል እግሪ ይብሃል።
ንስኻ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍ ዘለኻ ናይዚ ዝስዕብ መሰል እውን ክህልወካ ይኽእል እዩ
- መወሰኽታ መትከል እግሪ፡ ምሳኻ ዝቕመጥ ቈልዓ ምስ ዝህልወካ
- ክፍሊት ክራይ ገዛ፡ በይንኻ ትነብር ምስ እትኸውን
ኣርበትስፎርመድሊን ናይቲ ዘለካ ብቕዓት ሞያ ወረቐት ምስኽር ንኽወሃበካ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ
ዝወሰድካዮ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ምስ ዝህልወካ፡ ንዓኡ ዝኸውን ወረቐት ምስክር ከተቕርብ አድላዪ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰነዳት ምስ ዘይህልዉኻ፡ ኣርበትስፎርመድሊን ነቲ ናትካ ፍልጠትን ክእለትን ንምግምጋም ሓገዝ ከበርክተልካ ይኽእል እዩ። እዚ ምርግጋጽ ዓቕሚ (validering) ይበሃል። እቲ ኣብ ምርግጋጽ ዓቕሚ ዝግምገም ፍልጠት፡ ብመገዲ ትምህርቲ፡ ይኹን’ምበር ኣብ ናይ ስራሕ ህይወትካ ወይ መዓልታዊ ህይወትካ ዘጥረኻዮ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ናይ ባዕልኻ ትካል ምብጋስ
ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ከተበግስ ምስ እትደሊ ንኣብነት ካብ ኣርበትስፎርመድሊን ሓገዝን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣርበትስፎርመድሊን ሓደ "ደገፍ ንምብጋስ ዋኒን" ዝብሃል መደብ ኣለዎም። ኣብዚ መደብ ንኽትሳተፍ ንዓኻ እዋናዊ ክኸውን ዝኽእል እንተ ኾይኑ ምስ ኣርበትስፎርመድሊን ተራኸብ።
ሕቶታትን መልስታቱን
እወ፡ ከፊል ሰዓታት ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድኪ እንተለኺ፡ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ድማ ብኸፊል ክትሳተፊ ትኽእሊ ኢኺ። ምሉእ ሰዓታት ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ምስ ትወስዲ አብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፊ አይከአልን እዩ።
እወ፡ ከፊል ሰዓታት ትሰርሕ እንተ ዄንካ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ኤስ.ኤፍ.ኢ እና ተመሃርካ ኽፋል ሰዓታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።
ምሉእ ሰዓታት ምስ ትሰርሕ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ምስ ተካይድ ኣብ መደብ መትከል ክትሳተፍ ኣይከአልን እዩ።
እወ፡ ብመገዲ መደብ መትከል እግሪ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ካብ’ዞም ዝስዕቡ ትምህርትታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ
- ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣብ ቤ/ት አባጽሕ፡ ቋንቋ ሽወደንኛ(ኤስ.ኤፍ.ኢ)
- ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ (ፎልክሆግስኮላ)
- ኣብ ሞያዊ ኮሌጅ
- ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ።
ምስ ኣርበትስፎርመድሊን ተራኸብ እሞ ምሳኻ ብሓባር ኮይኖም ኣየኖት ዕድላት ከም ዘለዉ ክፍትሹ እዮም።