ንዓኺ ንምፍርራሕን ዓመጽን ተቓሊዕኪ ዝነበርኪ ዝኸውን ሓገዝ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 11 9 2024
ኵሉ ሰብ ዓመጽ ዘይብሉ ህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ። ንዓመጽ ምስ ትቃልዒ፡ ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን። ንድሕነትን ደገፍን መሰል ኣለኪ። ኣብዚ ዓመጽ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ደገፍን ሓገዝን ክትረኽቢ ከም እትኽእሊን ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት ክትራኸብየን እትኽእሊ ማሕበራት ኣለዋ። መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ።
ዓመጽ እንታይ እዩ?
ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ዓመጽ ኣሎ ፦ እዚ ዝስዕብ ሓደ ሓደ ኣብነታት ናይ ዓመጽ እዩ፦
- ንሰብ ምህራም፡ ምርጋሕ ወይ ምድፋእ
- ንሓደ ሰብ ሓኒቕካ ምሓዝ
- ናብ ሓደ ሰብ ነገራት ምድርባይ
- ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ምጕብዕባዕ ወይ ምፍርራሕ
- ንሰብ ብሕማቕን ዘሕስርን ነገራት ምጽዋዕ
- ንሓደ ሰብ ምስ ዝደልዮ ወይ እትደልዮ ሰብ ከይራኸብ ምኽልካል
- ናይ ሰብ ኣቑሑት ምስባር
- ንኣብነት ዓመጽ፡ ምፍርራሕ ብምጥቃም ወይ ሓደ ሰብ ደቂሱ ከሎ ብዘይድልየዩ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም
- ንኣብነት ንሓደ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ባንክ ሕሳብን ናይ ባንክ ካርድን ከይህልዎ ብምኽልካል ወይ ንሓደ ሰብ ናይ ባንክ ልቓሕ ንኽወስድ ብምግዳድ፡ ናይ ሓደ ሰብ ብሕታዊ ቍጠባ ምቍጽጻር።
ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ምሉእ ዓለም የጋጥም እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት እዩ ዝፍጸም። ንሓደ ሰብ ምፍርራሕ፡ ምግዳድ ወይ ምህራም ዋላ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት የጋጥም ገበን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነቲ ዓመጽ ዝፍጽምዎ።
እንታይ ዓይነት ደገፍን ሓገዝን ኣሎ?
ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ፖሊስ ወይ ምስ ሓንቲ ካብተን ደገፍን ሓገዝን ዝህባ ማሕበራት ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። ካብ ቤትኪ ክትወጺ እንተ ኣድልዩኪ፡ ፍሉያት ስቱር መንበሪ ኣሎ።
ንዓርከ መሓዛ ንገሪ
ናይ ምፍርራሕን ዓመጽን ግዳይ ምስ እትኾኒ፡ ብዛዕባ ኵነታትኪ ንዓርከ መሓዙትኪን ካልኦት ትኣምንዮም ሰባትን ንገሪ። ክሰምዑኽን ኣበይ ደገፍን ሓገዝን ክትረኽቢ ከም ትኽእሊ ንኽትፈልጢ ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።
ስቶድሊንየር (Stödlinjer)፡ መን ምዃንኪ ከይነገርኪ ክትድውልሉ እትኽእሊ ናይ ሓገዝ መስመራት
ስቶድሊንየር (Stödlinjer) ንምፍርራሕን ዓመጽን ዝተቓልዓ ሰባት ደገፍን ሓገዝን ንምርካብ ክድውላሉ ዝኽእላ ቍጽሪ ተሌፎን እዩ።
እቲ ጻውዒት ኣይክፈሎን እዩ። ክትድውሊ ከለኺ መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ። ጻውዒትኪ ኣብ ናይ ተሌፎን ፋክቱራ ኣይረኣይን እዩ። እተን ተሌፎን ዝምልሳ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ስለ ዘለወን እቲ ዝነገርክየን ንኻልእ ሰብ ክነግራ ኣይፍቀደንን እዩ።
ስቶድሊንየር (Stödlinjer) ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ዝትርጕሙ ተርጐምቲ ኣለወን። ክትድውሊ ከለኺ በየናይ ቋንቋ ክትዛረቢ ከም ትደልዪ ነጊርኪ ክሳብ ምስ ኣስተርጓሚ ዝራኸባ ተጸበይየን።
ክቪኖፍሪድስሊንየን (Kvinnofridslinjen) ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን ንዝኾንክን፡ ደገፍ ምስ ዘድልየኪ ክትድውልሉ እትኽእሊ ቍጽሪ ተሌፎን እዩ። ናብኡ ለይትን መዓልትን ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ክቪኖፍሪድስሊንየን 020 50 50 50 እዩ
ስቶድሊንየን ንስግረ ጾታውያን ሰባት (Stödlinjen för transpersoner)፡ ደገፍ ዘድልዮም ስግረ ጾታውያን በጽሕታት ክድውልሉ ዝኽእሉ ቍጽሪ ተሌፎን እዩ። እቲ ናይ ደገፍ መስመር መዓልታዊ ካብ ሰዓት 11:00 ክሳብ ሰዓት 19:00 ክፉት እዩ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ስቶድሊንየን ንስግረ ጾታውያን ሰባት 020 55 00 00 እዩ
ስቶድሊንየን ንደቂ ተባዕትዮ (Stödlinjen för män) ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን ንዝኾንካ ወዲ ትባዕታይን፡ ደገፍ ምስ ዘድልየካ ክትድውለሉ እትኽእል ቍጽሪ ተሌፎን እዩ። እቲ ናይ ደገፍ መስመር መዓልታዊ ካብ ሰዓት 07:00 ክሳብ ሰዓት 21:00 ክፉት እዩ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ስቶድሊንየን ንደቂ ተባዕትዮ 020 80 80 80 እዩ።
መን ምዃንካ ከይነገርካ ክትራኸበን እትኽእል ማሕበራት
መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮ (kvinnojour) ነቶም ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ወይ ምስ ክብሪ ብእተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ዓመጽ ዝወረዶም ኣንስትን ቈልዑን ደገፍን ዕቝባን ዝህብ ማሕበር እዩ። ንመንእሰያት ዝኸውን መዕቈቢ ኣዋልድ (tjejjourer) እውን ኣሎ። ኵለን ካብ ክቪኖኹር (kvinnojour መዕቆቢ ኣንስቲ) ወይ ሸይኹር (tjejjour መዕቆቢ ኣዋልድ) ደገፍ ዝደልያ ስመን ብስቱር ክተሓዝ ክመርጻ ይኽእላ እየን። ኣብቲ መዕቆቢ መን ምዃንኪ ወይ እንታይ ከም ዝበልክየን ኣይጽሕፈኦን እየን።
መብዛሕትኡ መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን መዕቈቢ ኣዋልድን ረብሓ ብዘይድልባ ማሕበራት እዩ ዝካየድ። ኣብ ምልእቲ እዛ ሃገር መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን መዕቈቢ ኣዋልድንን ኣሎ።
ኮሙናትን ብዓል መዝታትን ደገፍን ውሕስነትን ክህቡ ኣለዎም
ምስ ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ዘሎ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ግበሪ
ኮሙን ነተን ግዳያት ዓመጽ ዝኾና መዕቆቢ ክህቡ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ፡ ንኣብነት ቀረብ ናይ ሓደ ስቱር መንበሪ (skyddat boende) ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽን ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ኣብ ዘለዎ ህይወት ንዝነብሩ ቘልዑ፡ ኣንስትን ሰብኡትን ሓገዝን ደገፍን ክህብ ኣለዎ።
ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ርክብ ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትነብርሉ ኮሙን ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኸብ
ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ንዓኪ ግዳይ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ዝኾንኪ ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮ ግዳይ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ዝኾንኪ፡ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ንኣብነት ዋላ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ፖሊስ ክትከሲ ቅርብቲ ኣይትኹኒ ንመጕዳእትኺ ክስነድ ግን ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።
ምስ ፖሊስ ተራኸብ
ንስኺ ወይ እትፈልጥዮ ሰብ ግዳይ ዓመጽ እንተ ዄንኩም ናብ ፖሊስ ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ። ዘድልየኺ ምስ ዝኸውን ፖሊስ መዕቈቢ ክቕርቡልኪ ይኽእሉ እዮም።
ምስ ፖሊስ ክትራኸበሉ እትኽእል ክልተ መንገዲታት ኣሎ፦
- ናብ ፖሊስ ብቝጽሪ ተሌፎን 114 14 ምድዋል
- ናብ መደበር ፖሊስ ምብጻሕ።
መጕዳእትታትን ምፍርራሕን ኣገደስቲ መርትዖ እዮም። ዝዀነ መጕዳእቲ ምስ ዝህሉ ሰኣልዮ ወይ ካልእ ሰብ ከም ዝስእሎ ግበሪ። ንኣብነት ብሞባይል ትገብሮ ምዝርራብ (chatt)፡ ኤስ.ኤም.ኤስ፡ ኢ-መይል ወይ ኣብ ናይ ተሌፎን ጻውዒት ዝምልስ ማሽን ንዝመጻኪ ምፍርራሕ ዓቅብዮ። ነቲ መርትዖ ባዕልኺ ክትዕቅብዮ ዘይትኽእሊ ምስ እትኾኒ ካልእ ሰብ ንኽዕቅቦ ሕተቲ።
እቲ ኵነታት ህጹጽ ምስ ዝኸውን ናብ 112 ደውሊ።
ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታታት (personuppgifter) ክወሃበኪ ይኽእል እዩ
ምፍርራሕን ዓመጽን ከጋጥመኪ ኣብ ሓደጋ ምስ እትህልዊ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ፍሉይ ኵነት ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ስምክን ኣድራሻኽን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክርኣ ኣይክእልን ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ካልኦት ሰባት ኣበይ ከም ትቕመጢ ንኽፈልጡ ዝበርትዐ ይገብሮ።
ሕቶታትን መልስታቱን
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቶም ንዓመጻ ዝተቓልዑ ሰባት ደገፍ ክህቦም ሓላፍነት ኣለዎ። እንተ ደሊኺ ንዅነታትኪ ክምርምርዎ እዮም። እዚ ድማ ነቲ ዘድልየኪ ደገፍ ንኽህቡኺ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ክሕግዘኺ ይኽእሉ፦
- ናብ ፖሊስ ክሲ ምእታው
- ምስ ካልኦት፡ ንኣብነት ሕክምና፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (ፎርሸክሪንግካሳን) ከምኡ’ውን ብዓል መዚ ግብሪ ዝኣመሰሉ ብዓል መዝታት ርክብ ምግባር
- ንኽልከላ ርክብ ምልክታ ምእታው
- ናብ ሓደ ስቱር መንበሪ ምግዓዝ
- ንቝጠባዊ ሓገዝ ምምልካት
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘድልየሉ እዋን ንቘልዑ እውን ውሕስነትን ደገፍን ክህብዎም ኣለዎም። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓደ ቈልዓ ዕቝባ ወይ ደገፍ ከም ዘድልዮ እንተ ገምጊሙ፡ ነቲ ቈልዓን ስድራ ቤትን ዝበለጸ እንታይ ምዃኑ ከጻሪ ስርሑ እዩ። እቲ ንቡር ኣየናይ ደገፍ ዝበለጸ ምዃኑ ክትሰማማዕ ከለኻ እዩ። ንኣብነት ንስኽን ደቅኽን ብሓባር ናብ ሓደ ስቱር መንበሪ ክትግዕዙ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ’ውን ውላድኪ ምስ ሓደ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ክዛረብ ወይ ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘለዉ ቈልዑ ክራኸብ ይኽእል እዩ።
ዝኾነ ይኹን ሰብ ሓደ ቈልዓ ይጕዳእ ኣሎ ኢሉ ምስ ዝጥርጥር፡ ብዛዕባ ኣብቲ ቈልዓ ዘለዎ ሻቕሎት ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሕብር ይኽእል እዩ። ክትሕብር ከለኻ ንኣብነት ንሓደ ወላዲ ትኸስስ ኣለኻ ማለት ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቈልዓ ዘለካ ሻቕሎት ትሕብር ኣለኻ ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ፖሊስ ወይ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት፡ ሓደ ቈልዓ ጽቡቕ እንተ ዘይሃልዩ ናብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሕብሩ ዝያዳ ሓላፍነት ኣለዎም። ብዛዕባ ሓደ ቈልዓ ሻቕሎት ምስ ዝህልዎም ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ግድን ክሕብሩ ከም ዘለዎም ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ኣቲኺ እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ መን ከም ዝቕበሎ ክትቕይሪ ትኽእሊ ኢኺ። ንስኽን መጻምድትኽን ምስ ዘይትሰማምዑ፡ መጻምድትኺ ከየፍቀደ ባዕልኺ ምቕያር ክግበር ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ። ሽዑ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት እቲ ቈልዓ ምስ መን ይነብር ከም ዘሎ ክምርምሩ እዮም። እቲ ቈልዓ መብዛሕትኡ ግዜ ምሳኺ እንተ ኾይኑ ዝነብር፡ እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ ብምልኡ ክወሃበኪ ይኽእል እዩ።
ንስኽን መጻምድትኽን ብሓባር ዘይትነብሩ ምስ ትኾኑን፡ ውላድኩም ምስ ክልቲኹም ዝነብር ምስ ዝኸውንን፡ እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ ንኽልቴኹም ክምቀል ይኽእል እዩ።
ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ምስ መጻምድትኺ ክራኸቡን ኣየኖት ሓበሬታት ከም ዝሃብክን ክሕብርዎ እዮም። ድሕሪኡ መጻምድትኺ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ቅድሚ ውሳነ ምውሳኖም ርእይቶ ክህብ ክልተ ሰሙን ኣለዎ።
ምስ ውሉድኪ በይንኺ እንተ ዄንኪ ትነብሪ፡ ካብ ቤት ስሕፈት ካሳ ውሕስነት መናበዪ ደገፍ ክወሃበኪ ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኻ። መናበዪ ደገፍ፡ ካብቲ ካልኣይ ወላዲ ዝኾነ መናበዪ ደገፍ ዘይትረኽቢ ምስ እትኾኒ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክኸፍለኪ ዝኽእል ገንዘብ እዩ። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ካባኺ ምልክታ መናበዪ ደገፍ ከም ዝተቐበሉ ናይ ግድን ነቲ ካልኣይ ወላዲ ክሕብርዎ ኣለዎም። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንምልክታኺ ክርእይዎ ምስ ጀመሩ ነቲ ካልኣይ ወላዲ ደብዳቤ ክሰድሉ እዮም።
ስክፍታ ምስ ዝህልወኪ ቅድሚ ምልክታ ምእታውኪ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብቲ ምልክታ ንምፍርራሕ ተቓሊዕኪ ከም ዘለኺ እውን ክትጽሕፊ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብቲ ምልክታኺ ንምፍርራሕ ተቓሊዕኪ ከም ዘለኪ ክትነግሪ ምስ ዘይትደልዪ፡ ኣብቲ መመልከቲ “ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (ፎሸክሪንግካስሳን) ስራሕ ምስ ጀመሩ ክድውሉለይ ደልየ ኣለኹ” ኢልኪ ጸሓፊ።
ብዝምድና ወይ ምትእስሳር ምስ ሓደ ሰብ ናብ ሽወደን መጺእኪ በቲ ሰብ ብሕማቕ ምስ እትተሓዚ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሓደ ሓደ ኵነታት ዋላ እቲ ዝምድናኹም የቋርጽ መንበሪ ፍቓድኪ ከናውሕዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ንኣብነት መጻምድትኺ ንዓኺ ወይ ንውላድኪ ንዓመጽ ወይ ንኻልእ ከቢድ ግህሰት ስለ ዘቃልዓኩም እቲ ዝምድና ምስ ዘቋርጽ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንጕዳይኪ እንታይ ከም ዝምልከት ትሓስቢ ምስ እትህልዊ፡ ምስ ሓደ ኣብ ጕዳይ ስደት ክኢላ ዝኾነ ክኢላ ሕጊ፡ ንኣብነት ማእከል ሕጊ ስደተኛታት (Asylrättscentrum) ተራኸቢ።
ካልኦት ዝያዳ ሓበሬታ ዘለወን መርበብ ሓበሬታታት
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
ክቪኖኹረን (መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን) ከምኡ’ውን ሸይኹረን (መዕቈቢ ኣዋልድን)
ክቪኖኹረን (መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን) ሸይኹረርን (መዕቈቢ ኣዋልድን) ነተን ንምፍርራሕን ዓመጽን ዝተቓዓ ሰባት ደገፍ፡ ምኽርን ሓገዝን ዝሕባ ማሕበራት እየን።
ስቱር መንበሪ
ስቱር መንበሪ፡ ነተን ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝኾናን ካብ ገዝኣን ክወጻ ዘድለየንን ሰባት ዝኸውን መንበሪ እዩ። መብዛሕትኣን ክቪኖኹረር ስቱር መንበሪ ይቕርባ እየን። ብዙሓት ኣብ ስቱር መንበሪ ዝቕመጣ ኣንስቲ ደቀን ምስኣን እዮም ዝቕመጡ።
ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ
ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ኵሉ ባህልታትን የጋጥም እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት እዩ ዝፍጸም። መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነቲ ዓመጽ ዝፍጽምዎ።
ዘቤታዊ ዓመጽ
ዘቤታዊ ዓመጽ ብመቕርብካ ንኣብነት ሰብኣይኪ፡ ሰበይትኻ፡ ብዘይ ቃል ኪዳን ምሳኺ ወይ ምሳኻ ዝነብር፡ መጻምድትኺ ወይ መጻምድትኻ፡ ወለዲ ወይ ካልእ ዘመድ ንዓመጽ ምቅላዕ ማለት እዩ።
ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን
ኣብ ሓደ ሓደ ስድራ ቤታትን ኣዝማድን፡ ኣንስትን ኣዋልድን እንታይ ዓይነት ባህሪ ከርእያ ከም ዘለወን ሓያል ርድኢታት ኣሎ። ምስ መን ክዘናግዓ ከም ዝኽእላ ወይ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ከም ዘይፍቀደን ዝኣመሰሉ ናይ ስድራ ቤት ሕግታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሰብ ንሕግታት ስድራ ቤቱ ወይ ኣዝማዱ ብምጥሓሱ ወይ ብምጥሓሳ ንዓመጽ እንተ ተቓሊዑ ወይ ተቐጺዑ፡ ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽ ወይ ጭቈና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ዓመጽ ዝፍጽምዎ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ሰባት ብሓር ኮይኖም እዮም። እቶም ገበነኛታት ናይ ግድን መጻምድቲ ክኾኑ የብሎምን። ወለዲ፡ ኣሕዋት፡ ኣዝማድ ወይ ነቶም ስድራ ቤት ዝፈልጥዎም እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ሆበተክዩኣይ (Hbtqi)
ሆበተክዩ ኣሕጽሮ ቃል ናይ ግብረ ሶዶማውያን (homosexuella)፡ ድርብ ጾታውያን (bisexuella)፡ ስግረ ጾታውያን (transpersoner)፡ ብሓፈሻ ሶዶመኛ መግለጽን መንነትን ዘለዎም ሰባትን ሓዲግ ጾታዊ ሰባትን (queer och intersexpersoner) እዩ።
ስግረ ጾታዊ
ስግረ ጾታዊ ሰብ ካብቲ ክውለድ ከሎ ዝተመዝገበ ጾታ ከም ካልእ ጾታ ኮይኑ ዝስምዖ ወይ ብኻልእ ጾታ ንነብሱ ክገልጻ ዝደሊ ሰብ እዩ። ስግረ ጾታዊ፡ ጾታዊ ዝንባሌ ኣይኮነን።