ደገፍን ሓገዝን ክህቡ ናይ ዝኽእሉ ማሕበራትን ብዓል መዝታትን ናይ ርክብ ሓበሬታ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 9 12 2024
ንዓመጽ ተቓሊዕካ ምስ እትህሉ፡ ኣብዚ ደገፍን ሓገዝን ክህቡ ናይ ዝኽእሉ ማሕበራትን ብዓል መዝታትን ናይ ርክብ ሓበሬታ ኣለካ።
ስቶድሊንየር (Stödlinjer)፡ መን ምዃንኪ ከይነገርኪ ክትድውልሉ እትኽእሊ ናይ ሓገዝ መስመራት
ስቶድሊንየር (Stödlinjer) ንምፍርራሕን ዓመጽን ዝተቓልዓ ሰባት ደገፍን ሓገዝን ንምርካብ ክድውላሉ ዝኽእላ ቍጽሪ ተሌፎን እዩ።
እቲ ጻውዒት ኣይክፈሎን እዩ። ክትድውሊ ከለኺ መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ። ጻውዒትኪ ኣብ ናይ ተሌፎን ፋክቱራ ኣይረኣይን እዩ። እተን ተሌፎን ዝምልሳ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ስለ ዘለወን እቲ ዝነገርክየን ንኻልእ ሰብ ክነግራ ኣይፍቀደንን እዩ።
ስቶድሊንየር (Stödlinjer) ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ዝትርጕሙ ተርጐምቲ ኣለወን። ክትድውሊ ከለኺ በየናይ ቋንቋ ክትዛረቢ ከም ትደልዪ ነጊርኪ ክሳብ ምስ ኣስተርጓሚ ዝራኸባ ተጸበይየን።
ክቪኖፍሪድስሊንየን (Kvinnofridslinjen) ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን ንዝኾንክን፡ ደገፍ ምስ ዘድልየኪ ክትድውልሉ እትኽእሊ ቍጽሪ ተሌፎን እዩ። ናብኡ ለይትን መዓልትን ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ክቪኖፍሪድስሊንየን 020 50 50 50 እዩ
ስቶድሊንየን ንስግረ ጾታውያን ሰባት (Stödlinjen för transpersoner)፡ ደገፍ ዘድልዮም ስግረ ጾታውያን በጽሕታት ክድውልሉ ዝኽእሉ ቍጽሪ ተሌፎን እዩ። እቲ ናይ ደገፍ መስመር መዓልታዊ ካብ ሰዓት 11:00 ክሳብ ሰዓት 19:00 ክፉት እዩ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ስቶድሊንየን ንስግረ ጾታውያን ሰባት 020 55 00 00 እዩ
መሰል ንምምራጽ (Rätt att välja)፡ ናይ ስድራ ቤትኪ ዝናን ክብርን ንምሕላው ኣብ ትሕቲ ሕግታትን ጠለባትን ትነብሪ ምስ ትህልዊ ክትድውልሉ ትኽእሊ ቍጽሪ ተለፎን እዩ። እዚ ብዛዕባ ቍጽጽር፡ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ምቅላዕኪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ደገፍ መስመር (Stödlinjen) መዓልታዊ ካብ ሰዓት 07:00 ክሳብ ሰዓት 21:00 ክፉት እዩ።
ቍጽሪ ተለፎን ናብ Rätt att välja (መሰል ንምምራጽ) 020 57 70 70 እዩ።
ስቶድሊንየን ንደቂ ተባዕትዮ (Stödlinjen för män) ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን ንዝኾንካ ወዲ ትባዕታይን፡ ደገፍ ምስ ዘድልየካ ክትድውለሉ እትኽእል ቍጽሪ ተሌፎን እዩ። እቲ ናይ ደገፍ መስመር መዓልታዊ ካብ ሰዓት 07:00 ክሳብ ሰዓት 21:00 ክፉት እዩ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ስቶድሊንየን ንደቂ ተባዕትዮ 020 80 80 80 እዩ።
ምስ ሓደ መዕቆቢ ኣንስቲ (kvinnojour) ወይ መዕቆቢ ኣዋልድ (tjejjour) ርክብ ግበሪ
መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮ (kvinnojour) ነቶም ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ወይ ምስ ክብሪ ብእተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ዓመጽ ዝወረዶም ኣንስትን ቈልዑን ደገፍን ዕቝባን ዝህብ ማሕበር እዩ። ንመንእሰያት ዝኸውን መዕቈቢ ኣዋልድ (tjejjourer) እውን ኣሎ። ኵለን ካብ ክቪኖኹር (kvinnojour መዕቆቢ ኣንስቲ) ወይ ሸይኹር (tjejjour መዕቆቢ ኣዋልድ) ደገፍ ዝደልያ ስመን ብስቱር ክተሓዝ ክመርጻ ይኽእላ እየን። ኣብቲ መዕቆቢ መን ምዃንኪ ወይ እንታይ ከም ዝበልክየን ኣይጽሕፈኦን እየን።
መብዛሕትኡ መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን መዕቈቢ ኣዋልድን ረብሓ ብዘይድልባ ማሕበራት እዩ ዝካየድ። ኣብ ምልእቲ እዛ ሃገር መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን መዕቈቢ ኣዋልድንን ኣሎ።
ምስ ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ዘሎ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ግበሪ
ኮሙን ነተን ግዳያት ዓመጽ ዝኾና መዕቆቢ ክህቡ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ፡ ንኣብነት ቀረብ ናይ ሓደ ስቱር መንበሪ (skyddat boende) ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽን ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ኣብ ዘለዎ ህይወት ንዝነብሩ ቘልዑ፡ ኣንስትን ሰብኡትን ሓገዝን ደገፍን ክህብ ኣለዎ።
ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ርክብ ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትነብርሉ ኮሙን ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኸብ
ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ንዓኪ ግዳይ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ዝኾንኪ ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮ ግዳይ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ዝኾንኪ፡ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ንኣብነት ዋላ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ፖሊስ ክትከሲ ቅርብቲ ኣይትኹኒ ንመጕዳእትኺ ክስነድ ግን ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።
ምስ ፖሊስ ተራኸብ
ንስኺ ወይ እትፈልጥዮ ሰብ ግዳይ ዓመጽ እንተ ዄንኩም ናብ ፖሊስ ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ። ዘድልየኺ ምስ ዝኸውን ፖሊስ መዕቈቢ ክቕርቡልኪ ይኽእሉ እዮም።
ምስ ፖሊስ ክትራኸበሉ እትኽእል ክልተ መንገዲታት ኣሎ፦
- ናብ ፖሊስ ብቝጽሪ ተሌፎን 114 14 ምድዋል
- ናብ መደበር ፖሊስ ምብጻሕ።
እቲ ኵነታት ህጹጽ ምስ ዝኸውን ናብ 112 ደውሊ።
እዘን ዝስዕባ ካልኦት ደገፍን ሓገዝን ክህባ ዝኽእላ ትካላት እየን
ብሪስ (Bris) (መሰላት ቈልዑ ኣብ ሕብረተ ሰብ)
ብሪስ ንቘልዑን መንእሰያትን ሓገዝ ዝህብ ማሕበር እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን መንእሰያትን ምስ ሓደ ኣማኻሪ ንምዝርራብ ናብኡ ክድውሉ፡ ኤስ.ኤም.ኤስ፡ ኢ-መይል ክሰዱ ወይ ምስ ብሪስ ብሞባይል ክዘራረቡ (chatta) ይኽእሉ እዮም።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ብሪስ 116 111 እዩ።
እቲ ጻውዒት ብናጻ ኮይኑ ክትድውል ከለኻ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን እዩ።
ተረኛ ሓጋዚ ግዳያት ገበን (Brottsofferjouren)
ተረኛ ሓጋዚ ግዳያት ገበን (Brottsofferjouren)፡ ንግዳያት ገበን ዝኾኑ ሰባት፡ ምስክር ገበን ዝኾኑ ሰባትን ኣዝማድ ግዳያት ገበን ዝኾኑ ሰባትን፡ ደገፍን ምኽርን ዝህብ ማሕበር እዩ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ተረኛ ሓጋዚ ግዳያት ገበን (Brottsofferjouren) 116 006 እዩ።
እቲ ጻውዒት ኣይክፈሎን እዩ። ክትድውሊ ከለኺ መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ።
Killar.se
Killar.se ካብ 10-25 ዝዕድሚኦም ኣወዳት ምስ ሓደ ሰብ ብምዝርራብ ደገፍ ዝረኽቡሉ ናይ ብሞባይል ምዝርራብ (chatt) ኣገልግሎት ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ እዩ።
ሊናሙታግኒኘን (Linnamottagningen)
ሊናሙታግኒኘን (Linnamottagningen) ነተን ካብ ስድራ ቤተን ወይ ኣዝማደን ንቍጽጽር፡ ምፍርራሕን ዓመጽን ዝተቓልዓ መንእሰያት ደገፍ፡ ውሕስነትን ምኽርን ይህቡ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ሊናሙታግኒኘን 020 40 70 40 እዩ።
እቲ ጻውዒት ኣይክፈሎን እዩ። ክትድውሊ ከለኺ መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ።
ማቲልዳቨርክሳምሀተን (Matildaverksamheten)
ማቲልዳቨርክሳምሀተን (Matildaverksamheten) ነተን ካብ መጻምድተን ንምፍርራሕን ዓመጽን ዝተቓልዓ ናይ ወጻኢ ሃገር መበቈል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ደገፍ፡ ውሕስነትን ምክርን ይህባ። ናብ ማቲልዳቨርክሳምሀተን ክትድውሊ ከለኺ መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ማቲልዳቨርክሳምሀተን 08 646 10 70 እዩ
ኣር. ኤፍ. ኤስ. ኤል. (RFSL)
ኣር. ኤፍ. ኤስ. ኤል. ንመሰል ናይ ሆበተክዩኣይ-ሰባት ዝሰርሕ ማሕበር እዩ። ነቶም ንምፍርራሕን ዓመጽን ዝተቓልዑ ሆበተክዩኣይ- ሰባት ዝኸውን ናይ ደገፍ ክሊኒክ ኣለዎም።
ተራፌም (Terrafem)
ተራፌም፡ ነተን ንዓመጽ ዝተቃልዓ ኣንስቲ ናይ ዝርርብ ደገፍ፡ ሕጋዊ ምኽሪን ስቱር መንበሪን ዝቕርብ ማሕበር እዩ። ብብዙሕ ቋንቋታት ደገፍ ይህቡ እዮም።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ተራፌም 020 52 10 10 እዩ።
እቲ ጻውዒት ኣይክፈሎን እዩ። ክትድውሊ ከለኺ መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ።
ትሪስ (TRIS) (መሰላት ኣዋልድ ኣብ ሕብረተ ሰብ)
ትሪስ፡ ኣብ ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ንዝነብሩ ሰባት ደገፍ ዝቕርብ ማሕበር እዩ።
ቍጽሪ ተሌፎን ናይ ትሪስ 010 255 9191 እዩ።
1000 ሞይሊግሀተር (1000 Möjligheter)
1000 ሞይሊግሀተር፡ ካብ መጻምድተን ንዓመጽ ተቓሊዐን ንዝነበራ ወይ ተኸፊልወን ጾታዊ ርክብ ንዝፈጸማ መንእሰያት ደገፍን ሓገዝን ዝህብ ማሕበር እዩ።
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
ክቪኖኹረን (መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን) ከምኡ’ውን ሸይኹረን (መዕቈቢ ኣዋልድን)
ክቪኖኹረን (መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን) ሸይኹረርን (መዕቈቢ ኣዋልድን) ነተን ንምፍርራሕን ዓመጽን ዝተቓዓ ሰባት ደገፍ፡ ምኽርን ሓገዝን ዝሕባ ማሕበራት እየን።
ስቱር መንበሪ
ስቱር መንበሪ፡ ነተን ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝኾናን ካብ ገዝኣን ክወጻ ዘድለየንን ሰባት ዝኸውን መንበሪ እዩ። መብዛሕትኣን ክቪኖኹረር ስቱር መንበሪ ይቕርባ እየን። ብዙሓት ኣብ ስቱር መንበሪ ዝቕመጣ ኣንስቲ ደቀን ምስኣን እዮም ዝቕመጡ።
ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ
ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ኵሉ ባህልታትን የጋጥም እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት እዩ ዝፍጸም። መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነቲ ዓመጽ ዝፍጽምዎ።
ዘቤታዊ ዓመጽ
ዘቤታዊ ዓመጽ ብመቕርብካ ንኣብነት ሰብኣይኪ፡ ሰበይትኻ፡ ብዘይ ቃል ኪዳን ምሳኺ ወይ ምሳኻ ዝነብር፡ መጻምድትኺ ወይ መጻምድትኻ፡ ወለዲ ወይ ካልእ ዘመድ ንዓመጽ ምቅላዕ ማለት እዩ።
ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን
ኣብ ሓደ ሓደ ስድራ ቤታትን ኣዝማድን፡ ኣንስትን ኣዋልድን እንታይ ዓይነት ባህሪ ከርእያ ከም ዘለወን ሓያል ርድኢታት ኣሎ። ምስ መን ክዘናግዓ ከም ዝኽእላ ወይ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ከም ዘይፍቀደን ዝኣመሰሉ ናይ ስድራ ቤት ሕግታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሰብ ንሕግታት ስድራ ቤቱ ወይ ኣዝማዱ ብምጥሓሱ ወይ ብምጥሓሳ ንዓመጽ እንተ ተቓሊዑ ወይ ተቐጺዑ፡ ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽ ወይ ጭቈና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ዓመጽ ዝፍጽምዎ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ሰባት ብሓር ኮይኖም እዮም። እቶም ገበነኛታት ናይ ግድን መጻምድቲ ክኾኑ የብሎምን። ወለዲ፡ ኣሕዋት፡ ኣዝማድ ወይ ነቶም ስድራ ቤት ዝፈልጥዎም እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ሆበተክዩኣይ (Hbtqi)
ሆበተክዩ ኣሕጽሮ ቃል ናይ ግብረ ሶዶማውያን (homosexuella)፡ ድርብ ጾታውያን (bisexuella)፡ ስግረ ጾታውያን (transpersoner)፡ ብሓፈሻ ሶዶመኛ መግለጽን መንነትን ዘለዎም ሰባትን ሓዲግ ጾታዊ ሰባትን (queer och intersexpersoner) እዩ።
ስግረ ጾታዊ
ስግረ ጾታዊ ሰብ ካብቲ ክውለድ ከሎ ዝተመዝገበ ጾታ ከም ካልእ ጾታ ኮይኑ ዝስምዖ ወይ ብኻልእ ጾታ ንነብሱ ክገልጻ ዝደሊ ሰብ እዩ። ስግረ ጾታዊ፡ ጾታዊ ዝንባሌ ኣይኮነን።