ብህዝባዊ መጓዓዝያ ምጉዓዝ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 6 2025
Щоб користуватись громадським транспортом, необхідно придбати квиток. Тут ви можете дізнатись про різні способи придбання квитка, а також знайти посилання на інформацію про громадський транспорт у різних регіонах.

ኣብ ሽወደን ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ትኬት ትገዝኣሉ ሓያሎ መንገድታት ኣሎ፡ ንኣብነት፦
- ኣብ ናይታ ትካል ኣፕ
- ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ትካል
- ኣብ መደበራት ዝርከባ ናይ ትኬት ማሽናት
- ኣብ ማእከል ዓማዊል ናይታ ትካል
- ኣብ ከም በዓል ፕረስብይሮ፡ 7-ኢሌቨን ወይ ኢካ ዝኣመሰሉ ነጎግሴታት።
መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ናብ ኣውቶቡስ፡ ባቡር ስፖር-ቫግን ወይ ቱነልባና ምድያብካ ትኬትካ ክትገዝእ ኣለካ።
ብባቡር ምጉዓዝ
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
ህዝባዊ መጓዓዝያ
ህዝባዊ መጓዓዝያ ንህዝቢ ዝኸውን መጓዓዝያ እዩ፡ ንኣብነት ኣውቶቡስ፡ ባቡር፡ ስፖርቫግን፡ ቱነልባና ወይ መርከብ።