ብህዝባዊ መጓዓዝያ ምጉዓዝ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 6 2025

Щоб користуватись громадським транспортом, необхідно придбати квиток. Тут ви можете дізнатись про різні способи придбання квитка, а також знайти посилання на інформацію про громадський транспорт у різних регіонах.

ክልተ ኣንስቲ ካብ ኣውቶቡስ ይወርዳ ኣለዋ።

ኣብ ሽወደን ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ትኬት ትገዝኣሉ ሓያሎ መንገድታት ኣሎ፡ ንኣብነት፦

  • ኣብ ናይታ ትካል ኣፕ
  • ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ትካል
  • ኣብ መደበራት ዝርከባ ናይ ትኬት ማሽናት
  • ኣብ ማእከል ዓማዊል ናይታ ትካል
  • ኣብ ከም በዓል ፕረስብይሮ፡ 7-ኢሌቨን ወይ ኢካ ዝኣመሰሉ ነጎግሴታት።

መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ናብ ኣውቶቡስ፡ ባቡር ስፖር-ቫግን ወይ ቱነልባና ምድያብካ ትኬትካ ክትገዝእ ኣለካ።

መግለጺ ቃላትን ኣምራትን

ህዝባዊ መጓዓዝያ

ህዝባዊ መጓዓዝያ ንህዝቢ ዝኸውን መጓዓዝያ እዩ፡ ንኣብነት ኣውቶቡስ፡ ባቡር፡ ስፖርቫግን፡ ቱነልባና ወይ መርከብ።