ኣብ ሽወደን ፍቓድ መምርሒ ማኪና ምውጻእን ማኪና ምዝዋርን
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 6 2025
ኣብ ሽወደን ማኪና ክትዝውር ንኽፍቀደካ ናይ ግድን 18 ዓመት ዝመላእካን ኣብ ሽወደን ቅቡል ዝኾነ ፍቓድ መምርሒ ማኪና ክህልወካን ኣለዎ። ድሕሪ መንበሪ ፍቓድ ምርካብካ ማኪና ንምዝዋር እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ወጻኢ ሃገር ፍቓድ መምርሒ ማኪና ድሕሪ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብካ ንሓደ ዓመት የገልግል እዩ።
ሓታቲ ዑቕባ ከለኻ ብናይ ወጻኢ ሃገር ፍቓድ መምርሒ ማኪና ትዝውር ዝነበርካ፡ ማኪና ምዝዋር ክትቅጽል ትደሊ እንተ ዄንካ ናይ ግድን ናይ ሽወደን ፍቓድ መምርሒ ማኪና ከተውጽእ ኣለካ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ ተመዝገብካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናይ ግድን ፍቓድ መምርሒ ማኪና ከተውጽእ ኣለካ።
ኣብ ሽወደን መምርሒ ፍቓድ ምውጻእ
መምርሒ ፍቓድ ናይ ገዛ ማኪናን ፈኮስቲ ናይ ጽዕነት ማኪናን ናይ ሽወደን (B-körkort) ንምውጻእ እዚ ዝስዕብ ከተማልእ የድልየካ፦
- ፍቓድ ንምልምማድ ምምራሕ ማኪና ካብ ብዓል መዚ መጓዓዝያ ኣመልክት።
- ብቐዋምነት ኣብ ሽወደን ነባሪ ምዃን ወይ እንተ ወሓደ ኣብዚ ትምሃር ምዃን
- 18 ዓመት ዝመላእካ
- ትምህርቲ ሓደጋ (riskutbildning) ምምሃር
- ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተናን ምዝዋር ማኪና ፈተናን ዝሓለፍካ ክትከውን።
ፍቓድ ንምልምማድ ምምራሕ ማኪና ንምርካብ ናብ ብዓል መዚ መጓዓዝያ ኢኻ እተመልክት። ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተናን ምዝዋር ፈተናን ኣብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን (Trafikverket) ኢኻ ትገብር።
ማኪናኻ መድሕን ክህልዋ ኣለዎ።
ማኪና ትውንን እንተ ዄንካ፡ ናይ ግድን መድሕን ትራፊክ (trafikförsäkring) ክህልወካ ኣለዎ። መድሕን ትራፊክ ንኽትኣቱ ምስ ሓደ ትካል መድሕን ርክብ ግበር። መድሕን ትራፊክ እንተ ዘይኣቲካ መቕጻዕቲ ክትከፍል ክትግደድ ኢኻ። እቲ ትኸፍሎ መቕጻዕቲ ካብቲ ንዝውቱር መድሕን ትራፊክ ትኸፍሎ ክፍሊት ኣዝዩ ዝበዝሐ እዩ።
ናይ ግድን ሕጊ ትራፊክ ሽወደን ክትክተል ኣለካ
ዋላ ናይ ወጻኢ ሃገር መምርሒ ፍቓድ ይሃልካ እቶም ናይ ሽወደን ሕግታት ትራፊክ እዮም ዝትግበሩ። ንኣብነት ኣብ ሽወደን ማኪና ንኽትዝውር ናይ ግድን 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣለካ። ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ ወይ ድሮጋ ወሲድካ እንተ ዄንካ፡ ማኪና ክትዝውር ኣይፍቀደካን እዩ። ንሕግታት ትራፊክ ሽወደን እንተ ጥሒስካ፡ እቲ መምርሒ ፍቓድ ዋላ ናይ ወጻኢ ሃገር ይኹን ፖሊስ ወይ ብዓል መዚ መጓዓዝያ ንመምርሒ ፍቓድካ ክወስድዎ ይኽእሉ እዮም። ናይ ገሊኡ ገበናት መቕጻዕቲ፡ ብገንዘባዊ መቕጻዕቲ ወይ ብማእሰርቲ ክኸውን ይኽእል እዩ።
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
ፍቓድ ንምልምማድ ምምራሕ ማኪና
ፍቓድ ንምልምማድ ምምራሕ ማኪና፡ ቅድሚ ልምምድ ምዝዋር ምጅማርካ ክህልወካ ዝሕተተ ካብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ዝወሃብ ፍቓድ እዩ። ፍቓድ ንምልምማድ ምምራሕ ማኪና ኣብ ተመልክተሉ፡ ሕማማት ከይህልወካ ወይ መድሃኒታት ትወስድ እንተ ዄንካ ዝብል ሕቶታት እትምልሰሉ ናይ ጥዕና ጸብጻብ ክትመልእ ከድልየካ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ፍቓድ ዘለዎ መነጽር ዓይኒ ዝሸይጥን ዓይኒ ዝምርምርን (optiker) መርመራ ዓይኒ ምግባር ከድልየካ እዩ።
ትምህርቲ ሓደጋ
ትምህርቲ ሓደጋ ሓደ ቅድሚ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተናን ምዝዋር ፈተናን ትምሃሮ ትምህርቲ እዩ። ኣብቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ኣብ ትራፊክ ዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ክትምሃር ኢኻ።