ሽወደንኛ ተምሃር
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 5 2023
ሽወደንኛ ትምሃረሉ ብዙሕ ዝተፈላለየ ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብዚ ብዛዕባ ሽወደንኛ ትምሃረሉ ዝተፈላለየ ኣገባባት ከተንብብ ትኽእል።
መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ሽወደንኛ ክትመሃር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኣብ እዚ ሕብረተሰብ ቀልጢፍካ እግሪ ክትተክል ንኽትክእል ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ናትካ ኮሙን ናይ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ዕድል ክህበካ እዩ። እዚ ኤስኤፍኢ ይብሃል። ነዚ ዝስዕብ ተማልእ እንተ ኾንካ ትምህርቲ ናይ ኤስኤፍኢ ክትምሃር መሰል ኣሎካ፡
- 16 ዓመት ዝመላእካ ኢኻ።
- ኣብ ናይ ሽወደንኛ ቋንቋ መባእታዊ ፍልጠት የብልካን።
- ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ኢኻ ወይ ክትምዝገብ ኢኻ።
ኤስኤፍኢ ንዓኻ መባእታዊ ፍልጠት ኣብ ሽወደንኛ ዘድልየካ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ፡ ማሕበረሰብኣዊ ሂወትካን ናይ ስራሕ ሂወትካን ሽወደንኛ ክትዛረብን ክትጽሕፍን ንኽትክእል ሽወደንኛ ትምሃር።
እቲ ትምህርቲ ብናጻ እዩ። ብምሉእ ግዜ፡ ብኽፋል ግዜ ወይ ምስ ልምምድ፡ ልልይ ሂወት ስራሕ፡ ምርግጋጽ ብቕዓት ወይ ምስ ካልእ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣተሓሒዝካ ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈፈላለየ ደረጃ ይፍጸምን ሓደ ደረጃ ምስ ሓለፍካ ናብ ቀጻሊ ደረጃ ክትቅጽል ትኽእልን። ኤስኤፍኢ ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝኾነ እዋን ክትጅምር ትኽእል። ሓደ ውልቃዊ ናይ ትምህርቲ መደብ ክትስዕብ ኢኻ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኤስኤፍኢ ምስ ናትካ ኮሙን ርክብ ግበር። ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብን ኣብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍን እንተ ዄንካ ነቲ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ክትራኸቦ ትኽእል ኢኻ።
ትምህርቲ ኤስኤፍኢ ዝህባ ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎዋ። ኤስኤፍኢ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኮሙን ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ክትምሃር እንተ ደሊኻ፡ ኣየኖት ተኽእሎታት ከም ዘሎዉ ነቶም ናትካ ኮሙን ሕተቶም። ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብን ኣብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍን እንተ ዄንካ ነቲ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ክትራኸቦ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ደረጃን ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ደረጃን ትምህርትታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ገሊኤን ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ ንዓኻ ሓድሽ ዝመጻእካ ከም ሽወደንኛ፡ ልልይ ምስ ሕብረተሰብን ናይ ስራሕ መቀራረቢ ዓውድን ዝኣመሰለ ናይ እግሪ መትከሊ ትምህርቲ ይቕርባ እየን።
እኩብ ማሕበረ ትምህርቲ እቲ ዝዓበየ ቦታ መራኸቢ ምህሮን ባህልን እዮም ከምኡ'ውን ኣብ ሙሉእ ሽወደን ይርከቡ። ናብዚ ዝተፈላልየ ዝዕድመኦም ሰባት ብሃባር ምስ ካሎት ክመሃሩን ክምዕብሉን ይመጹ። ኩለን እኩባት ማሕበረ ትምህርቲ ክትሳተፎ እትኽእል ንጥፈታት፣ ንኣብነት ልምምድ ቇንቇ፣ ትምህርቲ ብኽቢ፣ ክፍሊታት ክምኡ'ውን ባህላዊ ንትፈታት የዳልዉ። ዓሰርተ እኩባት ማሕበረ ትምህርቲ ኣለዋ፣ ኩለን ዝተፈላለየ መስመርን ክልሰመበገሲ እለወን። ብዛዕባ ንጹል እኩብ ማሕበረ ትምህርቲ ዝያዳ ክትፈልጥ እንድሕር ደሊኻ ናብ መርበብ ሓሃበሬትኦም እትው። እብኡ እብን መንበሪኻ ከባቢ እንታይ ንጥፈታት ከምዘካይዱ እውን ትረክብ።
ኣራኽቦ ናብ መርበብ ሓበሬታ ናይ እኩባት ማሕበረ ትምህርቲ
ሞያዊ ሽወደንኛ ንዓኻ እንታይ ክትሰርሕ ከም ትደሊ ትፈልጥ ግን በቲ ዓውዲ ሞያ ናይ ሽወደንኛ ቋንቋ ክትምሃር ዘድልየካ ዝኸውን ትምህርቲ ናይ ሽወደንኛ እዩ።
ትምህርቲ ናይ ሞያዊ ሽወደንኛ ብሰለስተ ዝተፈላለየ ደረጃ ኣሎ። ምስ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ብሓባር ዄንኩም እቲ ንዓኻ ዝበለጸ ዝሰማምዓካ ደረጃ መደብ ተውጽኡ። እዚ ኣብ ሽወደንኛ ዘሎካ ፍልጠትን ልምምድ ክትገብር እንተ ዄንካን፡ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ክትምሃር ወይ ስራሕ ተቘጺርካ እንተ ዄንካ ዝተሞርኮሰ እዩ።
ኣብዚ ኣብ Informationsverige.se ባዕልኻ ሽወደንኛ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንበይንኻ ወይ ምስ ካልኦት ብሓባር ኴንካ ሽወደንኛ ክትማሃረሎም እትኽእል ናይ መምሃሪ መሳርሒን ናውቲ መሳርሒን ኣብዚ ክትረክብ ኢኻ።