ብዕድመ ዝደፋእካ ምስ እትኸውን
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 1 2026
ብዕድመ ዝደፋእካን ድሕሪ ደጊም ክትሰርሕ ዘይትደሊ ወይ ዘይትኽእል ምስ እትኸውን፡ ንጥሮታ ወይ ካልእ ቍጠባዊ ሓገዝ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ንስኻ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ምስ ሸምገልካ ጥሮታ ንኽትወጽእ እንታይ ከም ዝሓትትን ካብ ሕብረተሰብ እንታይ ዓይነት ካልእ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእልን ኣብዚ ብዝያዳ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ሰሪሕካ እንተ ዄንካ ንጥሮታ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ
ጥሮታ ኣብ ሽወደን ምስ ሰራሕካ ኣመልኪትካ ክወሃበካ ዝኽእል ገንዘብ እዩ። ብዓል መዚ ጥሮታ እዩ ንህዝባዊ ጥሮታ ዝኸፍል። ኣብ ሽወደን ክንደይ ከም ዝተቐመጥካ፡ ንኽንደይ ንውሓት ግዜ ከም ዝሰራሕካን ደሞዝካ ክንደይ ከም ዝነበረን እዩ ጥሮታካ ክሳብ ክንደይ ብዙሕ ከም ዝኸውን ዝውስኖ።
ናይ ጡረታ ገንዘብካ ካብ ግቡእ ግዜኻ ኣዚኻ ደንጕኻ ክትወስዶ ብዝመረጽካ መጠን፡ ኣብ ወወርሒ ዝበዝሐ ገንዘብ ክትረክብ ኢኻ። ዝተወለድካሉ ዓመት እዩ ጥሮታ ንኽትወጽእ እንተ ቐልጠፈ መዓስ ከም ተመልክት ዝውስኖ።
- ንስኻ ኣብ 1962ን ወይ ቅድሚኡ ዝተወለድካ ድሮ ሕጂ ጥሮታ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ።
- ንስኻ ኣብ 1963ን ወይ 1967ን ዝተወለድካ እንተ ቐልጠፈ 64 ዓመት ምስ መላእካ ኢኻ ጥሮታ ክትወጽእ ትኽእል።
- ንስኻ ኣብ 1968ን ወይ ድሕሪኡ ዝተወለድካ እንተ ቐልጠፈ ምዓስ ጥሮታ ክትመጽእ ከም ትኽእል ሓበሬታ ክመጸካ ምጽባይ ከድልየካ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዓል መዚ ጥሮታ ገና ብዛዕባ ዕድመ ጥሮታኻ ስለዘይወሰነ እዩ።
ካብ ካልእ ሃገር ንጥሮታ ከተመልክት እንተ ደሊኻ
ብጀካ ኣብ ሽወደን ኣብ ካልኦት ሃገራት ትነብር ወይ ትሰርሕ ዝነበርካ፡ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ናይ ጡረታ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እታ ሃገር ሓንቲ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት/ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ዞባ ወይ ሓንቲ ሽወደን ምስኣ ስምምዕ ዘለዋ ሃገር እንተ ኾይና፡ ብዓል መዚ ጥሮታ ካብታ ሃገር ጥሮታ ከተመልክት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምስ ብዓል መዚ ጥሮታ ተራኺብካ ኣበየኖት ሃገራት ከም ዝሰራሕ እንተ ነጊርካዮም፡ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖም ክሕብሩኻ እዮም።
ዝኾነ ጥሮታ ክወሃበካ ዘይክእል ምስ ዝኸውን
ንስኻ ትሑት ወይ ጨሪሹ ጥሮታ ዘይብልካ፡ 67 ዓመት ምስ መላእካ ተወሳኺ ሓገዝ ክራይን ቍጠባዊ ሓገዝ መነባብሮ ንኣረጋውያንን ክወሃበካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ብዓል መዚ ጥሮታ እዩ ተወሳኺ ሓገዝ ክራይን ቍጠባዊ ሓገዝ መነባብሮ ንኣረጋውያንን ክወሃበካ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ዝውስን።
ነብስኻ ክትናቢ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ፡ ካብቲ ትነብረሉ ኮሙን እውን ንቝጠባዊ ሓገዝ መነባብሮ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣየኖት ሓገዛት ክትረክብ ከም ትኽእል ንምፍላጥ ነቲ ትነብረሉ ኮሙን ተወከስ።
ስራሕ ምስ ኣቋረጽኻ ከም ሽማግለ ኣብ ሽወደን ምንባር
ንስኻ ድሕሪ ደጊም ስራሕ ዘይትወፍር ዘለኻ ጽቡቕን ንጡፍን ህይወት ክትነብር መሰል ኣለካ። ጥዕናኻ ክትከናኸን፡ ማሕበራዊ ህይወት ክህልወካን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ እቲ ዘድልየካ ሓገዝ ክትረክብን ተኽእሎ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ። ዕድመ ምስ ደፋእካ ተኻፋሊ ሓልዮት ኣረጋውያን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
ህዝባዊ ጥሮታ
ህዝባዊ ጥሮታ ካብ መንግስቲ ብበዓል መዚ ጥሮታ ኣቢሉ ዝኽፈል ዓይነት ጥሮታ እዩ።
ሓልዮት ኣረጋውያን
ሓልዮት ኣረጋውያን ንዓኻ ብዕድመ ዝደፋእካ ደረጃ ህይወትካ ድሕንነትካን ንኸተዕቢ ደገፍ እዩ። እዚ ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ፦
- ደገፍን ሓገዝን ካብ ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛኻ (ዘቤታዊ ኣገልግሎት)
- ንዓኻ ተወሳኺ ሓልዮት ዘድልየካ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መንበሪ (ፍሉይ መንበሪ)
- ክትካፈሎ እትኽእል ንጥፈታት ዘለዎ መዓልታዊ ንጥፈታት (dagverksamhet)።