ልዕሊ 65 ዓመት እንተ ኾንካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 5 2023

ዕድሜኻ ልዕሊ 65 ዓመት እንተ ኾይኑን ደጊም ክትሰርሕ ዘይትደሊ ወይ ዘይትኽእል እንተ ኾንካን፡ ካብ ብዓል መዚ ጥሮታ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢካ። እዚ ጥሮታ ምውጻእ ይብሃል።

ቍጠባ ሓገዝ ካብ ብዓል መዚ ጥሮታ

ካብ ብዓል መዚ ጥሮታ ኣየናይ ዓይነት ቍጠባዊ ሓገዝ ከምትረክብ በዚ ዝስዕብ ዝተሞርኮሰ እዩ፡

  • ኣብ ሽወደን ዝተቐመጥካሉ ንውሓት ግዜ። እዚ ዝተቐመጥካሉ ግዜ (bosättningstid) ይብሃል።
  • ከም ስደተኛ መጠን መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ።
  • ኣብ ሽወደን ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ፡ ካብ ስራሕ ዘእተኻዮ ገንዘብ እንተ ነይሩካ ኾይኑ።

ጥሮታ ክወሃበካ እንተ ኾይኑ፡ ንኽንደይ እዋን ኣብ ሽወደን ከም ዝተቐመጥካን ካብ ስራሕ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝረኸብካን እዩ ዝውስኖ።

ጥሮታ ክወሃበካ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ

እቲ ትረኽቦ መጠን ጥሮታ ኣዚዩ ትሑት እንተ ኾይኑ ወይ ብጭራሽ ዝኾነ ጥሮታ ክትረክብ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ፡ ካብ ብዓል መዚ ትሮታ ካልኦት ዓይነት ሓገዝ ክትርክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

  • ወሰክ ክራይ ገዛ
  • ቍጠባዊ ሓገዝ ንኣረጋውያን

ካብ ብዓል መዚ ጥሮታ ብኸምዚ ኣገባብ ንቝጠባዊ ሓገዝ ተመልክት

ንጥሮታ ዝምልከት ኣብ ሓደ ፍሉይ ቅጥዒ ተመልክት።ንወሰኽ ክራይ ገዛን ቍጠባዊ ሓገዝ ኣረጋውያንን ዝምልከት ብኻልእ ቅጥዒ ተመልክት። ክልቲኦም እቶም ምልክታታ ናብ ብዓል መዚ ጥሮታ ብሓንሳብ ክተተእትዎም ኣሎካ።

ንጥሮታ ወሰኽ ክራይ ገዛን ቍጠባዊ ሓገዝ ኣረጋውያንን ንምምልካት እቲ ዝቐለለ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ጥሮታ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

ብዓል መዚ ጥሮታ ነቲ ምልክታኻ ይምርምሮን ገለ ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃበካ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ይውስንን። ድሕሪ ውሳነ ጥሮታኻ ምርካብካ ብዓል መዚ ጥሮታ ብዛዕባ ወሰኽ ክራይ ገዛን ቍጠባዊ ሓገዝ ኣረጋውያንን ክውስን እዩ። እቲ ሓገዝ ኣብ ካልእ ገዲፍካ ብመሰረት እቶትካን ናይ መንበሪ ወጻኢኻን እዩ ዝወሃብ።

ንቝጠባዊ ሓገዝ ኣረጋውያን ናይ ግድን ነፍስ ወከፍ ዓመት ከተመልክት ኣሎካ።

ቍጠባዊ ሓገዝ ኣረጋውያን ኣብ ሓደ እዋን እንተ ነውሓ ንዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ እዩ ክወሃበካ ዝኽእል። እዚ ንቝጠባዊ ሓገዝ ኣረጋውያብ ዓመት መጸ ከተመልክት ኣሎኻ ማለት እዩ። ንጥሮታን ወሰኽ ክራይ ገዛን ሓንሳብ ጥራይ ኢኻ ከተመልክት ዘድልየካ።

ጥሮታ ካብ ካልእ ሃገር

ብዓል መዚ ጥሮታ መሰል እንተ ኣሎካ ኾይኑ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረትን (EU) ሓደ ሓደ ምስ ሽወደን ውዕል ዘሎወን ሃገራትን ጥሮታ ክትሓትት ክሕግዙኻ እዮም። ኣበየኖት ሃገራት ከምዝተቐመጥካን ዝሰራሕካን ንብዓል መዚ ጥሮታ ሓብሮም።