ክንክን ምስ ዘድልየካ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 8 2024
ስርዓት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ንሕክምና ክትከደሉ እትኽእል ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ክሊኒካት ኣሎ። ኣየኖት ክሊኒካታት ከም ዘለዉን ስሞምን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ናይ’ዚ ሃገር ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ንህይወት ብዘስግእ ምስ እትሓሙ ወይ ብኸቢድ ምስ እትጕድኡ ናብ 112 ክትድውል ኣለካ።
ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ ተመዝገብካ ልክዕ ከምቲ ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ሰባት ዝረኽብዎ ክንክን ጥዕና ክትረክብ መሰል ኣለካ።
ንስኻ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካ ብማዕረ ኵነት እቶም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ሰባት ኣገልግሎት ሕክምና ክትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ንኣብነት ከም ኵሎም ካልኦት ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገቡ ማዕረ ክፍሊት ተሓካሚ ትኸፍል ማለት እዩ።
ክንክን ኣብ ዘድለየካ እዋን ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ግበር።
ንስኻ ወይ ደቅኻ ክትሓምሙ ከለኹም ምስ ማእከል ክንክን ጥዕናኹም ርክብ ግበር። ኣብኡ ነቶም ልሙዳት ዝኾኑ ሕማማትን ጸገማትን ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ማእከላት ክንክን ጥዕና መብዛሕትኡ ግዜ ክትድውለሉ እትኽእል ናተን ምኽሪ ክንክን ጥዕና ኣለወን።
ክንክን ኣብ ዝድልየካ እዋን ናበየናይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትከይድ ከም ትደሊ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትምደብ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ምምዝጋብ (lista sig) ይብሃል። ኣብ ገሊኡ ዞባታት ባዕልኻ ካልእ እንተ ዘይመሪጽካ ኣብቲ ጥቓኻ ዝርከብ ማእከል ክንክን ጥዕና ኢኻ ትምዝገብ።
ዋላ ኣብ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ምዝጉብ ኩን ንሕክምና ናብ ካልእ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177.se ናይተን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ማእከላት ክንክን ጥዕና ናይ ርክብ ሓበሬታን ክፉት ናይ ስራሕ ሰዓታትን ኣሎ። ናብ www.1177.se ብምእታው እውን ኣብ ሓያሎ ማእከላት ክንክን ጥዕና ቈጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ናብ 1177.se ብምእታው ማእከል ክንክን ጥዕና ክትመርጽን ክትቅይርን ትኽእል ኢኻ።
ናብ 1177.se ንምእታው ባንክኢደ ወይ ፍረያ+ ኤሌክትሮኒካዊ መንነት የድልየካ።
ናብ 1177 ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክትድውል ትኽእል ኢኻ
ናብ ሕክምና ምኻድ ከም ዘድልየካ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ኵሉ ግዜ ናብ 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ምስ ሓንቲ ምኽሪ ክትህበካ እትኽእል ኣላዪት ሕሙማት ክትዛረብ ክትክእል ኢኻ። ከምኡ'ውን እታ ኣላዪት ሕሙማት ኣበይ ብቑዕ ሕክምና ክትረክብ ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትህበካ እያ። ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ለይትን መዓልትን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ብጀካ ብሽወደንኛ ብኻልኦት ቋንቋታት ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
1177 ኣብ መንጎ ዞባታት ሽወደን ዝግበር ምትሕብባር ስራሕ እዩ። ኣብ ሽወደን ዞባታት ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሕክምና ስንን ሓላፍነት ኣለወን።
ኣብ እዋን ህጹጽ ኵነታት ሓገዝ ንምርካብ ናብ 112 ደውል
ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ንህይወት ብዘስግእ ምስ እትሓሙ ወይ ብኸቢድ ምስ እትጕድኡ ናብ 112 ክትድውል ኣለካ። ምስ ዘድሊ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ትወስደካ ኣምቡላንስ ክትመጽእ እያ።
ሕማምካ ወይ መግጕዳእትኻ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ርግጽ እንተ ዘይኴንካ፡ ናብ 1177 ደውል። ሽዑ ምስ ሓንቲ ምኽሪ ክትህበካ እትኽእል ኣላዪት ሕሙማት ክትዛረብ ኢኻ።
ናብ ሕክምና ኣብ ትኸደሉ እዋን፡ ወረቐት መንነትካ ምሳኻ ሒዝካ ኺድ
ናብ ሕክምና ኣብ ትኸደሉ ወይ መድሃኒት ኣብ ተውጽኣሉ እዋን፡ ወረቐት መንነትካ ምሳኻ ክህሉ ኣለዎ።
ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም
ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ፡ ዝኾነ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሕ ሰብ ብዘይ ፍቓድኪ ሓበሬታ ከውጽእ ኣይፍቀዶን እዩ ማለት እዩ። እንተዀነ ግን እዚ ሕጊ ዘይምልከቶም ነገራት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ንኣብነት ፖሊስ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ወይ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ፍቓድኪ ብዛዕባኺ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ኣለካ
ኣድላዪ እንተ ኾይኑ፡ ሽወደኛ ዘይትዛረብ ምስ እትኸውን ወይ እቲ ብሽወደንኛ ዝወሃብ ሓበሬታ ንኽትርድኦ ዘጸግመካ ምስ ዝኸውን፡ ኣስተርጓሚ ክግበረልካ ይኽእል እዩ። ንምብጻሕካ ቈጸራ ክትገብር ከለኻ ተርጓሚ ከም ዘድልየካ ሓብር።
ሓድሓደ ግዜ እቲ ተርጓሚኣብ ኣብቲ ምብጻሕ ብኣካል ክረከብ ከሎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብተሌፎን እዩ ዘስተርጕም። እቲ ተርጓሚ እውን ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ።
ቈልዑን ኣዝማድን ተርጐምቲ ክኾኑልካ የብሎምን።
ናብ ሓንቲ ሓድሽ ሃገር ክትመጽእ ከለኻ ሳቕሎት፡ ሓዘን ወይ ውጥረት ክስምዓካ ይኽእል እዩ
ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ምግዓዝ ዓብዪ ለውጢ እዩ። ምናልባት ካብ ዓድኻ ኽትሃድም ተገዲድካ ትኸውን። ሻቕሎት፡ ጓሂ ወይ ውጥረት ክስምዓካ ንቡር እዩ።
ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ከም ዘለኻ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑካ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ተራኸብ። ብምኽሪ፡ ደገፍን ዝርርብን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣድላዪ እንተ ኾይኑ መድሃኒት እውን ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።
ሕቶታትን መልስታቱን
ልዕሊ 20 ዓመት እንተ ኾንካ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ክንክን ጥዕና ክትከይድ ከለኻ ሓደ ክፍሊት ምኽፋል የድልየካ እዩ። ክንደይ ከም ትኸፍል ካብ ዞባ ናብ ዞባ ይፈላለ እዩ።
ስለ ዝሓወካ ናብ ሕክምና ምኻድ እንተ ዘይኣድልዩካ ወይ ክትከይድ እንተ ዘይክኢልካ ነቲ ናይ ቆጸራ ግዜ ሰርዞ። እንተ ዘይኰነ ተወሳኺ ክፍሊት ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።
ትሕቲ 20 ዓመት ቈልዑን መንእሰያትን ኣብቶም ዝበዝሑ ዞባታት ብናጻ ክንክን ጥዕናን ክንክን ስኒን ይወሃቦም እዩ።
ብዙሕ ግዜ ናብ ሕክምና ምኻድ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ውሕስነት ልዑል ዋጋ ኣሎ። እዚ ወጻኢታት ሕኽምናን መድሃኒታት ኣዚዩ ልዑል ንኸይከውን ንዓኻ ሓደ ውሕስነት እዩ።
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
ህዝባዊ መዝገብ
ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብ ማለት፡፡ ኣብ ሽወደን ከም ትቕመጥ ተመዝጊብካ ኣለኻ ማለት እዩ። ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እዩ ሓላፍነት ህዝባዊ መዝገብ ዘለዎ።
ኤል.ኤም.ኣ-ካርድ (LMA-kort)
ኤል.ኤም.ኣ፡ “ሕጊ ብዛዕባ ቕበላ ሓተቲ ዕቑባ” ማለት እዩ። ኤል.ኤም.ኣ-ካርድ ሓታት ዕቑባ ምዃንካ ዘርኢ ናትካ ስእሊ ዘለዎ ናይ ፕላስቲካርድ እዩ። እቲ ካርድ ናይ መንነት ካርድ ዘይኮነስ፡ ሓታት ዕቝባ ከም ዝኾንካን፡ ውሳነ ኣብ ትጽበየሉ እዋን ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ከም ዝፍቀደካን መረጋገጺ እዩ።
ክፍሊት ተሓካሚ
ክፍሊት ተሓካሚ፡ ናብ ክንክን ጥዕና ክትበጽሕ ከለኻ ንኣብነት ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ሓኪም ክትራከብ ከለኻ ትኸፍሎ ክፍሊት እዩ።