ስንክልና ምስ ዝህልወካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 19 12 2024

ኵሉ ሰብ ትግባረ ዓቕሙ ብዘየገድስ ኣብ ሕብረተሰብ ክሳተፍ ማዕረ መሰላት ኣለውዎ። ንስኻ ስንክልና ዘለካ ክትሰርሕን መዓልታዊ ህይወትካ ክትኣልን ንኽትክእል ዝተፈላለየ ዓይነት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቶም ክትረኽቦም እትኽእል ደገፍ ኣብ ስንክልናኻን ኣብ ዘድልየካ ደገፍን እዮም ዝምርኰሱ። ነቶም ደገፋት ንምርካብ ናብ ዝተፈላለዩ ብዓል መዝታት ምምልካት ከድልየካ እዩ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ጣውላ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ኮፍ ኢላ ኣብ ኣይፓድ ትጽሕፍ ኣላ።

ካብቲ ትነብረሉ ኮሙን ዝተፈላለዩ ደገፋት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንስኻ ስንክልና ዘለካ ብዝተኻኣለ መጠን ነብስኻ ክኢላ ንኽትነብር ካብቲ ትነብረሉ ኮሙን ደገፍ ንኽትረክብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብመሰረት ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን (LSS)፡ እቲ ኮሙን ነቲ ደገፍ ከቕርብ ኣለዎ። ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ደገፍ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፦

  • ምስ ድልየታትካ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መንበሪ
  • ኣብ ምግብና፡ ክዳንካ ምኽዳን ወይ ጽርየትካ ምሕላው ሓገዝ ዘድልየካ ምስ ዝኸውን፡ ሓደ ውልቃዊ ተሓጋጋዚ (personlig assistans)
  • ኣብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ክትሳተፍ ንኽትክእል ወይ ናብ ኣዝማድን ዓርከ መሓዛን ንኽትበጽሕ፡ ሓገዝ ካብ ሓደ መሰነይታ።
  • ክትሰርሕ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ መዓልታዊ ንጥፈታት (daglig verksamhet)

እቲ ክትረኽቦ እትኽእል ደገፍ ኣብ ስንክልናኻን ኣብ ዘድልየካ ደገፍን እዩ ዝምርኰስ። ብመሰረት ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን (LSS) ከመይ ገርካ ንደገፍ ከም ተመልክት ንምፍላጥ ነቲ ትነብረሉ ኮሙን ተወከስ።

ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዝሕግዝ ብቑዕ ናውቲ ሓገዝን ልምምድን

እቶም ትረኣየሎም ማእከል ክንክን ጥዕና ንኣብነት ከም ሓገዝ እዝኒ ወይ ዓረብያ ስንኩላን ዝኣመሰለ መዓልታዊ ህይወትካ ንኽትኣሊ ዝሕግዝካ ፍሉይ ናውቲ ክትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ’ውን ንድልየታትካ ኣብ ዝሰማማዕ ልምምዳት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

ምስቶም ትረኣየሎም ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኺብካ ብዛዕባ ስንክልናኻ ንገሮም እሞ እንታይ ዓይነት ደገፍ ክትረክብ ከም ትኽእል ክሕብሩኻ ኣዮም።

ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ንምርካብ ሓገዝ ርኸብ

ንስኻ ስንክልና ዘለካ ክትሰርሕ ንኽትኽእል ወይ ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ንኽትረክብ ዝተፈላለየ ዓይነት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ካብዞም ዝስዕቡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ናይ ምርኣይ፡ ምስማዕ ወይ ምዝራብ ጸገም ምስ ዝህልወካ፡ ካብ ሓደ ክኢላ
  • ስራሕ ንምድላይ ዝሕግዝ ሓደ ሰብ፡ ንኣብነት ናይ ስራሕ ምልክታ ንምጽሓፍ
  • ሓደ ምስ ናይ ስራሕ ቦታ ዘላልየካን ኣብ ስራሕካ ዝሕግዘካን ሰብ።

ንዓኻ ዝበቅዕ ሓገዝ ንኽትረክብ ንኣርበትስፎርመድሊን (ቤት ጽሕፈት መራከብቲ ስራሕ) ስንክልና ከም ዘለካ ሓብሮም።

ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ኣመልክት

መዓልታዊ ህይወትካ ንምእላይ ንዘድልየካ ነገራት ዝኸውን ዝተፈላለየ ቍጠባዊ ክፍሊታት ንኽውሃበካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብምኽንያት ስንክልናኻ ክትሰርሕ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንኽወሃበካ ከተመልክቶ ትኽእል ክፍሊታት እውን ኣሎ።

እቲ ክፍሊታት ንኽወሃበካ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ኢኻ ተመልክት። ኣየኖት ክፍሊታት ክወሃቡኻ ከም ዝኽእሉ ንምፍላጥ ምስ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ርክብ ግበር።

ብዛዕባ መሰላትካ ብዝያዳ ኣንብብ

ብዓል መዚ ንተሳትፎ (Myndigheten för delaktighet (MFD)) ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካን ስንክልና ዘለካን ዝኸውን ሓበሬታ ዝሓዘ ብሮሹር ኣዳልዩ ኣሎ።

መግለጺ ቃላትን ኣምራትን

ስንክልና

ሓደ ስንክልና ዘለዎ ሰብ፡ ሓደ ተግባራዊ ዓቕሙ ዝነከየን ከም ካልኦት ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ሕብረተ ሰብ ንኽሳተፍ ደገፍ ከድልዮ ዝኽእልን ሰብ እዩ። ንስኻ ስንክልና ዘለካ ምስ ስንክልናኻ ዝተወለድካ ወይ ዳሕራይ ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስንክልና እዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፦

  • ኣካላዊ፡ ንኣብነት ክትንቀሳቐስ፡ ክትርኢ ወይ ክትሰምዕ ዘጸግመካ ምስ ዝኸውን
  • ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ንኣብነት ኣእምሮኣዊ ሕማም ምስ ዝህልወካ
  • ናይ ምሕሳብን ምምርማርን ክእለት፡ ንኣብነት ሓድሽ ነገር ንምርዳእ ወይ ምምሃር ዝያዳ ግዜ ዘድልየካ ምስ ዝኸውን
  • ልብወታዊ፡ ንኣብነት መምርሒታት ንምኽታል ወይ ግዜኻ ንምምዳብ ደገፍ ምስ ዘድልየካ።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ንላዕሊ ካልኦት ዓይነት ስንክልና እውን ኣለዉ።

መዓልታዊ ንጥፈታት (Daglig verksamhet)

መዓልታዊ ንጥፈታት ንዓኻ ስንክልና ዘለካን ዘይትሰርሕን ዝኸውን ንጥፈታት እዩ። ነቶም ንጥፈታት ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ወይ ሓደ ዳግ ሰንተር (dagcenter) ኢኻ ትሳተፎ። ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ልምምድ ትገብረሉ ቦታ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።